Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all22 bible verses about
ሓሰውቲ ኸናፍር ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እየን፡ እቶም ሓቂ ዚገብሩ ግና የሐጕስዎ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹድሽተ ነገር ኣየን፡ ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን፡ ትዕቢተኛ ዓይኒ፡ ሓሳዊት መልሓስ፡ ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው፡ እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር፡ ሓሶት ዚዛረባ ሓሳዊ ምስክር፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ።
Translation | Contextሓቀኛ ኸንፈር ንሓዋሩ ትነብር፡ ሓሳዊት መልሓስ ግና ንቕጽበት ዓይኒ ጥራይ እያ።
Translation | Contextንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።
Translation | Contextእቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።
Translation | Contextንብጻይካ ብዘይ ምኽንያት መስኪርካ ኣይትጕድኣዮ፡ ብኸናፍርካ ድማ ኣይትጠበር።
Translation | Contextወረ ሓሶት ኣይተልዕል። ምስክር ሓሶት ክትከውን ኢልካ፡ ኢድካ ምስ ዓማጺ ኣይተልዕል።
Translation | Contextኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም።
Translation | Contextንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።
Translation | Contextድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።
Translation | Contextሓጢኣት ኣይገበርናን፡ እንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉውን ኣባና የሎን።
Translation | Contextንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።
Translation | Contextሓቂ ዚዛረብ ቅንዕና የውሪ፡ ሓሳዊ ምስክር ግና ጥበራ።
Translation | Contextኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር።
Translation | Contextእቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፉ ደኣ እምበር፡ ገለ ርኽሰት ወይስ እቲ ዜፈንፍንን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይኪኣቱን እዩ።
Translation | Contextእሙን ምስክር ኣይሕሱን፡ ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሶት የውስእ።
Translation | Contextሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextሃናንያ ዝስሙ ሰብኣይ ምስ ሰጲራ ሰበይቱ ምድሩ ሸጠ። ካብቲ ዋጋኡ ኸኣ ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ መቒሉ ኣትረፈ፡ ነቲ ሓደ ምቃል ድማ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ። ጴጥሮስ ከኣ፡ በል ሃናንያ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ክትሕሱ ኻብ ዋጋ እቲ ምድሪ ኸኣ መቒልካ ኽትሐብእሲ፡ ስለምንታይ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ፧ ከይተሸጠስ ናትካዶ ኣይነበረን፧ ምስ ሸጥካዮስ፡ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን፧ ከመይ ጌርካኸ ነዚ ነገርዚ ብልብኻ ሐሰብካዮ፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሐሶኻን፡ በሎ። ሃናንያ እዚ ቓልዚ ምስ ሰምዔ፡ ወደቐ፡ ነፍሱ ኸኣ ወጸት። እቶም እዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂሎም ከኣ ኣዝዮም ፈርሁ። ኣጒባዝ ድማ ተንሲኦም ገነዝዎ፡ ተሰኪሞም ኣውጺኦምውን ቀበርዎ። ኰነ ኸኣ፡ ብድሕሪኡ ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሰበይቱ፡ እቲ ዝዀነ ኸይፈለጠት፡ ኣተወት። ጴጥሮስ ከኣ፡ እስኪ ንገርኒ፡ ንመሬትኩምዶ በዚ ኽንድዚ ኢኹም ዝሸጥኩምዎ፧ ኢሉ መለሰላ። ንሳ ኸኣ፡ እወ፡ በዚ ኽንድዚ እዩ፡ በለት። ጴጥሮስ ድማ፡ ከመይከ መንፈስ እግዚኣብሄር ንምፍታን እተሰማማዕኩም፧ ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ እንሆ፡ ኣብ ደገ ኣለዋ፡ ንኣኺ ድማ ኬውጽኡኺ እዮም፡ በላ። ብኡብኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ወደቐት እሞ ነፍሳ ወጸት። እቶም ኣጒባዝ ምስ ኣተዉ፡ ሞይታ ጸንሓቶም፡ ተሰኪሞም ኣውጺኦም ከኣ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ። ኣብ ብዘላ እታ ማሕበርን ኣብቶም ነዚ ነገርዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂላቶምን ከኣ ብዙሕ ፍርሃት ኰነ።
Translation | Contextፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።
Translation | Contextኣይትስረቑን ኣይትጠብሩን፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይትሐስዉ።
Translation | Context