Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all23 bible verses about
ኣየ፡ ኣታ ብሩህ ኮዀብ ወዲ ወጋሕታ፡ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ፡ ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ፡ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርቤኻ። ንስኻስ ብልብኻ፡ ናብ ሰማይ ክድይብ፡ ንዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላኽ ልዕል ከብሎ፡ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ ኸረን ማሕበር ክቕመጥ እየ። ኣብ ልዕሊ ርእሲ ደበናታት ክድይብ፡ ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስል እየ፡ በልካ። ኣይፋልካን፡ ናብ ሲኦል፡ ናብቲ መዓሙቚ ጒድጓድ ደኣ ኽትድርበ ኢኻ።
Translation | Contextኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።
Translation | Contextኣየ፡ ኣታ ብሩህ ኮዀብ ወዲ ወጋሕታ፡ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ፡ ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ፡ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርቤኻ።
Translation | Contextሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።
Translation | Contextብምኽንያት መልክዕካ ልብኻ ተዐበየ፣ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሾኻ። ኣብ ምድሪ ጻሕ ኣበልኩኻ፣ ኪርእዩኻስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፌኹኻ።
Translation | Contextበሎም፥ ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ።
Translation | Contextንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።
Translation | Contextንስኻ ዜጽልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፣ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ ከረን ኣምላኽ ኣስፈርኩኻ፣ ኣብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ።
Translation | Contextድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።
Translation | Contextነቶም ሰፈሮም ዝሐደጉ እምበር፡ መዓርጎም ዘይሐለዉ መላእኽቲ እኳ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ደኣ ትሕቲ ጸልማት ነቲ ፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ዐቝርዎም አሎ።
Translation | Contextካብቲ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ኣበሳ እተረኸበካ ጊዜ ብመገድካ ፍጹም ነበርካ።
Translation | Contextእቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ዝፈጠሮ ዅሉ ኣራዊት መሮር ተመን ይጐርሕ ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ፥ ኣምላኽሲ፥ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ፡ ኢሉዶ ኣዚዙ እዩ፧ በላ። እታ ሰበይቲ ነቲ ተመን በለቶ፥ ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኦም ንበልዕ ኢና። ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ግና ኣምላኽ፥ ከይትሞቱስ፡ ካብኣ ኣይትብልዑ ኣይትተንክይዋውን፡ በለ። እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ ኣይፋልኩም፡ ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ፡ ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር፡ ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም፡ በላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ እታ ኦም ምብላዓ ጥዕምቲ፡ ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ፡ ጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና ርእያ፡ ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዔት፡ ምስኣ ኸኣ ንሰብኣያ ሀበቶ፡ ንሱውን በልዔ። ሽዑ ኣዒንቲ ኽልቲኦም ተኸፍታ፡ ጥራዮም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። ቈጽሊ በለስ ኣላጋጊቦም ከኣ ተዐጥቁ። ምድሪ ምስ ወልወለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ገነት ኪመላለስ ሰምዑ። ኣዳምን ሰበይቱን ከኣ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣእዋም ገነት ተሐብኡ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳም ጸዊዑ፥ ኣበይ አሎኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰሚዔ ፈራህኩ፡ ጥራየይ ከኣ እየ እሞ፡ ተሓባእኩ፡ በለ። ንሱ ድማ፥ ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ፧ ካብታ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕካ ኢኻ፧ በሎ። ኣዳም ከኣ፥ እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሀብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም ሀበትኒ እሞ በላዕኩ፡ በለ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲ፥ ስለምንታይ እዚ ገበርኪ፧ በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ተመን ኣስሒቱኒ በላዕኩ፡ በለቶ። ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ተመን፡ እዚ ስለ ዝገበርካ፡ ካብ ኵሉ እንስሳን ኣራዊት መሮርን ርጉም ኩን፡ ብኸብድኻ ክትከይድ፡ ኵሉ ዘበን ህይወትካ ድማ መሬት ክትበልዕ ኢኻ። ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ፡ በሎ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ፡ ንሱውን ኪመልከኪ እዩ፡ በላ። ንኣዳም ከኣ፡ ቃል ሰበይትኻ ስለ ዝሰማዕካ እሞ ካብታ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕካ፡ ምድሪ ብዛዕባኻ ርግምቲ ትኹን። ኵሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ኻብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ። እሾዅን ተዀርባን ተብቁለልካ፡ ብቝሊ መሮር ድማ ኽትበልዕ ኢኻ። ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ድማ ንሰበይቱ፡ ኣደ ዅሉ ህያው ኰይና እያ እሞ፡ ሄዋን ኢሉ ሰመያ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ደበሎ ገይሩ ኸደኖም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣዳም ከም ሓደ ኻባና፡ ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኰይኑ አሎ። ሕጂ ኸኣ ኢዱ ኸይዝርግሕ፡ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ድማ ኸይበልዕ፡ ንዘለኣለም ከኣ ህያው ኰይኑ ኸይነብር፡ ኢሉ፡ ስለዚ ነታ እተፈጥረላ ምድሪ ምእንቲ ኺዐይያ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ገነት ኤደን ኣውጽኦ። ከምኡ ንኣዳም ኣውጽኦ፡ ንምሕላው መገዲ ኦም ህይወት ከኣ ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤድን ምስናይ እተምበልብል ሃልሃልታ ሴፍ፡ ኪሩቤል ኣቐመጠ።
Translation | Contextኣምላኽ ግና ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ እኳ ናብ ገሃነም ደርብዩ፡ ብመቝሕ ጸልማት ተኣሲሮም ንፍርዲ ኺሕለዉ ኣሕሊፉ ሀቦም እምበር፡ ካብ ዘይነሐፎም፡
Translation | Contextብብዝሒ ነግድኻ ውሽጥኻ ብዓመጻ መልኤ እሞ ሓጢኣት ገበርካ። ስለዚ፣ ኣታ እተጽልል ኪሩብ፣ ካብቲ ኸረን ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርቤኹኻ፣ ካብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸኣ ኣጥፋእኩኻ።
Translation | Contextንስኻ ኣብ ኤደን ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ። በብዝዓይነቱ ክቡር እምኒ ሰርድዮስ፡ ቶጳዝዮን፡ ከልቄዶን፡ ክሪሶሊት፡ ሰርዶንክስ፡ ያስጲስ፡ ሰፊሮስ፡ ክሪሶጵራስ፡ ስመራግዶስን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ። እቲ ከበሮኻን ዕንዱርካን ምሳኻ ነበረ፡ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዓር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም።
Translation | Contextእቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል፡ በሎ።
Translation | Contextተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን።
Translation | Contextእቲ ጭራኡ ድማ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሐበ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮም። እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ።
Translation | Contextእቲ ዘስሐቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም።
Translation | Contextሓደ መዓልቲ ግና ዀነ፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ መጺኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈሙ። ሰይጣን ከኣ ኣብ ማእከሎም መጸ።
Translation | Contextከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንመስፍን ጢሮስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ ንገሮ፡ ልብኻ ተዐብዩስ፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ድማ ኣብ ዝፋን ኣምላኽ ተቐሚጠ አሎኹ፡ ትብል አሎኻ እሞ፡ ምንም እኳ ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ እንተ ገበርካዮ፡ ንስኻ ሰብ ኢኻ እምበር፡ ኣምላኽ ኣይኰንካን። እንሆ፣ ካብ ዳንኤል ያኢ ንስኻ ትጠብብ፣ ኵሉ ምስጢርውን ኣይህብኣካን እዩ። ብጥበብካን በእምሮኻን ሃብቲ ኣጥሬኻ፣ ኣብ መዛግብካ ድማ ወርቅን ብሩርን ኣከብካ። በቲ ዓብዪ ጥበብካን ብነግድኻን ሃብትካ ኣብዛሕካ። ንምኽንያት ሃብትኻ ኸኣ ልብኻ ተዐበየ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ ስለ ዝገበርካ፣ እንሆ፡ ስለዚ ኣነ ካብ ህዝብታት ዚጭክኑ ጓኖት ከተንስኣልካ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኣብቲ ጽባቐ ጥበብካ ሰይፎም ኪመልሑ፡ ግርማኻ ድማ ኬርክሱ እዮም። ናብ ጕድጓድ ኪደፉኻ እዮም፣ ንስኻውን ከምቲ እቶም ኣብ ልቡ ባሕሪ ተወጊኦም ዚሞቱላ ሞት ክትመውት ኢኻ። ኣብ ቅድሚ እቲ ቐታሊኻ ደዀን፣ ኣነ ኣምላኽ እየ፣ ክትብል ኢኻ፡ ንስኻስ ኣብ ኢድ እቲ ወጋኢኻ ሰብ ኢኻ እምበር፣ ኣምላኽ ኣይኰንካን። ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፡ ንስኻ ከምቲ ኣማውታ ዘይግዙራት፡ ብኢድ ጓኖት ክትመውት ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንንጉስ ጢሮስ ብድጕዓ ቘዝመሉ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገሮ፣ ንስኻ ጥበብ ዝመልኣካ፣ ፍጹም ዝመልክዕካ ብሉጽ ማሕተም ነበርካ። ንስኻ ኣብ ኤደን ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ። በብዝዓይነቱ ክቡር እምኒ ሰርድዮስ፡ ቶጳዝዮን፡ ከልቄዶን፡ ክሪሶሊት፡ ሰርዶንክስ፡ ያስጲስ፡ ሰፊሮስ፡ ክሪሶጵራስ፡ ስመራግዶስን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ። እቲ ከበሮኻን ዕንዱርካን ምሳኻ ነበረ፡ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ። ንስኻ ዜጽልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፣ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ ከረን ኣምላኽ ኣስፈርኩኻ፣ ኣብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ። ካብቲ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ኣበሳ እተረኸበካ ጊዜ ብመገድካ ፍጹም ነበርካ። ብብዝሒ ነግድኻ ውሽጥኻ ብዓመጻ መልኤ እሞ ሓጢኣት ገበርካ። ስለዚ፣ ኣታ እተጽልል ኪሩብ፣ ካብቲ ኸረን ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርቤኹኻ፣ ካብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸኣ ኣጥፋእኩኻ። ብምኽንያት መልክዕካ ልብኻ ተዐበየ፣ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሾኻ። ኣብ ምድሪ ጻሕ ኣበልኩኻ፣ ኪርእዩኻስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፌኹኻ። ብብዝሒ ኣበሳኻን ብዘይ ቅንዕና ዝነገድካዮ ነግድኻን ንመቓድስካ ኣርከስካዮ። ስለዚ ካብ ውሽጥኻ ሓዊ ኣውጻእኩ፣ ንሳውን በልዓትካ። ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ዘርእዩኻ ድማ ኣብ ምድሪ ሓመዅስቲ ገበርኩኻ። እቶም ዚፈልጡኻ ዘበሉ ዅሎም ህዝብታት ብኣኻ ኺስክሑ እዮም። መሰክሒ ዀንካ፣ ድሕርዚ ኸኣ ከቶ ኣይክትህሉን ኢኻ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጻኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ገጽካ ናብ ሲዶን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየላ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገራ፣ ኣቲ ሲዶን፣ እኔኩ ኣብ ርእስኺ አሎኹ። ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ክኸብር እየ። ፍርደይ ኣብኣ ምስ ፈጸምኩ ኣብኣውን ምስ ተቐደስኩ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ፌራን ደም ኣብ ኣደባባያን ክሰደላ እየ፣ በቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሰይፊ ኸኣ እቶም ውጉኣት ኣብ ማእከላ ጻሕ ኪብሉ እዮም እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። ድሕርዚ ንቤት እስራኤል ኣብ ኵሎም እቶም ዜቃልልዎም ጐደቦታቶም፣ ዚወግእ እሾዅ ወይስ ዜሕምም ተዀርባ ኣይኪህሉን እዩ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምኳነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ ንቤት እስራኤል ካብቶም ኣብ ማእከሎም ፋሕ ኢሎምዎም ዝነበሩ ህዝብታት ምስ ኣከብክዎም፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ህዝብታት ኣባታቶም ክቕደስ፡ ንሳቶም ድማ ኣብታ ንያእቆብ ባርያይ ዝሀብክዋ ሃገር ኪነብሪ እዮም። ኣብኣ ብህድኣት ኪነብሩ፡ ኣባይቲ ኸኣ ኪሰርሑ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ኪተኽሉ እዮም። ኣነ ኣብቶም ኣብ ዙርያኦም ኰይኖም ዜቃልልዎም ዘለዉ ፍርዲ ምስ ፈጸምኩ፡ ሽዑ ብህድኣት ኪነብሩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይውን ኪፈልጡ እዮም።
Translation | Context