Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextበቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
Translation | Contextእምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።
Translation | Contextዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ።
Translation | Contextሽዑ ዳንኤል ነቲ፣ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝሸሞ መጋቢ፣ ጥረ እንበልዖ ማይ ከኣ እንሰትዮ ሂብካ፣ ዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና። ደሓር ገጽናን ገጽ እቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ኣብ ቅድሜኻ ይርኤ፣ ሽዑ ንባሮትካ ኸምቲ ዝርኤኻዮ ግበረና፣ በሎ። ንሱ ድማ ነዚ ነገርዚ ሕራይ ኢሉ፣ ዓሰርተ መዓልቲ ተዐዘቦም። እተን ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ተወድኣ ኸኣ፣ ካብ ኵሎም እቶም መብልዕ ንጉስ ዝበልዑ መንእሰያት ዝበለጸ፣ በሪሁን ሀጢሮምን ተራእዩ።
Translation | Contextዝዀነ ይኩን እቲ ዝበሎ ኸም ዚኸውን ዚኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወል፡ ነዚ ኸረን፡ ተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሐል፡ እንተ በሎ፡ ንእኡ ኸም ዚዀነሉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።
Translation | Contextካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ።
Translation | Contextኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም።
Translation | Contextእምብኣርሲ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ዀነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧
Translation | Contextምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም አሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዘዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑ።
Translation | Contextጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።
Translation | Contextእቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
Translation | Contextኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።
Translation | Contextሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ፡ ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተዪ ወይኒ፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።
Translation | Contextኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ።
Translation | Context