Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ።
Translation | Contextብስጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎኹ፡ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፡ ስርዓትኩምን ጽንዓት እምነትኩም ብክርስቶስን እናርኤኹውን እሕጐስ አሎኹ።
Translation | Contextፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ።
Translation | Contextንሓድሕድና ኻብ ዘይንርእኤ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፋቒ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ሚጽጳ ድማ ተባህለ።
Translation | Contextጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።
Translation | Contextብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም፡ እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምኳን ይሃይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ፡ ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ፡ ወይለኡ። ከምኡ ኸኣ ክልተ ብሓደ እንተ ደቀሱ፡ ይማሙቑ፡ ሓደ በይኑ ግና ከመይ ኢሉ ይመውቕ፡ ገለ ነቲ በይኑ ዘሎ ሓደጋ እንተ ወደቖ፡ ክልተ እዮም ዚቃወምዎ፡ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።
Translation | Contextክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextብዝዘከርኩኹም ዘበለ ጊዜ ኣብ ኵሉ ጸሎተይ ምእንቲ ዅላኩም ብሓጐስ ጸሎት እናገበርኩ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ ኤመስግን አሎኹ።
Translation | Contextከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኡሉ፡
Translation | Contextብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ። ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህ፡ ካብ ክፉእ ከኣ ርሐቕ። እዚ ንሕምብርትኻ ፈውሲ ነዕጽምትኻውን ኣንጕዕ ኪዀነካ እዩ።
Translation | Contextሽዑ፡ እንሆ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኲሉ ስጋ ዝለበሰ እየ፡ ንኣይ ዘይከኣለኒ ነገርዶ አሎ እዩ፧ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ።
Translation | Contextስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።
Translation | Contextሓደ ሰብኣይ ሓዳስ ሰበይቲ ምስ ኣእተወ፡ ናብ ውግእ ኣይውጻእ፡ ገለ ናይ ዕዮ ነገርውን ኣይጽዐንዎ። ሓንቲ ዓመት ኣብ ቤቱ ሓራ ይኹን፡ ነታ ዝወሰዳ ሰበይቱ ባህ የብላ።
Translation | Contextነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ፡ እተፈጸመ ድሌት ግና ኦም ህይወት እዩ።
Translation | Contextብለይቲ ኣብ ዓራተይ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ደሌኽዎ፡ ደሌኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን። ክትንስእ እየ እሞ ኣብ ከተማ፡ ኣብ ዕዳጋን ኣብ ኣደባባይን ክዘውር፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ኸኣ ክደልዮ እየ። ደሌኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን። ኣብ ከተማ ዚዞሩ ዘብዔኛታት ረኸቡኒ፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎዶ ርኢኹምዎ፧ ኢለ ኸኣ ሐተትክዎም። ቅሩብ ምስ ሐለፍክዎም፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ረኸብክዎ፡ ሐዝክዎ፡ ናብ ቤት ኣደይን ናብ ሕልፍኚ ወላዲተይን ክሳዕ ዘእትዎ ድማ ኣይሐደግክዎን።
Translation | Contextጽልኢ ቈየቛ የልዕል፡ ፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኽውሎ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፣ ኢሉ መለሰለይ።
Translation | Context