Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

living in fear


2ይ ጢሞቴዎስ 1:7 | 16 Helpful votes

በዚ ምኽንያት እዚኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።

Translation | Context
እያሱ 1:9 | 11 Helpful votes

ጽናዕትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:18 | 8 Helpful votes

ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን

Translation | Context
እብራውያን 13:6 | 8 Helpful votes

ስለዚ ተቢዕናእግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል

Translation | Context
መዝሙር 23:4 | 7 Helpful votes

በርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩክፉእ ኣይፈርህን እየ።

Translation | Context
ዘዳግም 31:8 | 5 Helpful votes

እቲ ቐቅድሜኻ ዚኸይድ ድማ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንሱ ምሳኻ ኪኸውን እዩ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን ከኣ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ድማ።

Translation | Context
መዝሙር 27:1 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፣ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህእግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፣ ካብ መንከ እየ ዝስምብድ

Translation | Context
ዮሃንስ 14:27 | 4 Helpful votes

ሰላም እሐድገልኩምሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነንልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን

Translation | Context
ሮሜ 8:15 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም።

Translation | Context
ሮሜ 8:1-39 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን። እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ሕጊ መንፈስ ህይወት ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ እሞንሕጊብስጋ ስለ ዝደኸመኪገብሮ ዘይኰነሉስኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ፡ ነቲ ሓጢኣት ብስጋ ዀነኖ። ኣባና ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ፡ እቲ ድሌት ሕጊ ኸምኡ ዀይኑ ኺምላእ እዩ። ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሐስቡመንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሐስቡ። እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ። እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይኰነሎምን እዩ። ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነንክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ስጋ ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት እዩ፡ እቲ መንፈስ ግና ሳላ ጽድቂ ህይወት እዩ። ናይ እቲ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ መንፈስ ኣባኻትኩም ሐዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፡ ህያው ኪገብሮ እዩ። እምብኣርሲ ኣሕዋተየከም ስጋ እንተ ነበርኩምክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናንንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክርውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና። ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን አሎኹ። እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ፡ ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበርብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ። ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞንንፈልጥ አሎና እሞ፡ ንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነንንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትናማለት ምድሓን ስጋናእናተጸቤና ብውሽጥና ነስቈርቊር አሎና። ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን አሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘሎና እሞ፡ ነቲ ዚርኤስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን። ነቲ ዘይንርእዮስ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግናብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና። መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣናኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና። እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ። ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና። ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውንንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። ነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶምውን ኣኽበሮም። እምብኣርሲ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ዀነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመናእቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ እምበር፡ ዘይነሐፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዂሉ ዘይህበና፧ ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዚኸሶም መን እዩ፧ ኣምላኽ እዩ እቲ ዜጽድቕእቲ ዚዅንንከ መን እዩ፧ ክርስቶስ የሱስ፡ እቲ ዝሞተኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ። ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል አሎናከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርናዚብል ጽሑፍ ዘሎጭንቀትዶጸበባዶስደትዶጥሜትዶዕርቃንዶፍርሂዶ ወይስ ሰይፊሞት ኰነ ወይ ህይወትመላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታትልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና

Translation | Context
ኢሳይያስ 41:10 | 3 Helpful votes

ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።

Translation | Context
መዝሙር 23:1-6 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒበርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:31 | 2 Helpful votes

እምበኣርሰ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።

Translation | Context
መዝሙር 34:4 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፣ ንሱውን መለሰለይ፣ ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ

Translation | Context
መዝሙር 27:14 | 2 Helpful votes

ብእግዚኣብሄር ተሰፎበርትዕልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:1-2 | 2 Helpful votes

ሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ፡ እቲ ዝፈጠርካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ እቲ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ተበጅየካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህብስምካ ጸዋዕኩኻ፡ ንስኻ ናተይ ኢኻ። ብማያት ምስ እትሐልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ብውሒዝ ምስ እትሳገር ከኣ፡ ኣይኬጥሕለካን እዩብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትነድድን ኢኻ፡ ሃልሃልታውን ኣይኪህምዀካን እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:7 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩምሲ ዅለን ጸጉሪ ርእስኹም እኳ ቝጽራት እየን። እምብኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ

Translation | Context
ምሳሌ 14:27 | 2 Helpful votes

ካብ ወጽመድ ሞት ከተምልጥሲፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 39:17-18 | 2 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ኸናፍግፈካ እየ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ኢድ እቶም እተፈርሆም ዘሎኻ ሰባት ኣይክትውሀብን ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣባይ ስለ እተወከልካ፡ ኣነ ብርግጽ ከድሕነካ እየ እሞ፡ ነፍስኻ ዘመተ ኽትኰነልካ እያ እምበር፡ ብሰይፊ ኣይክትወድቕን ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
መዝሙር 46:1-11 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልንብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ። ስለዚ ምድሪ እንተ ተገልበጠትኣኽራን ኣብ መዓሙቚ ባሕሪ እንተ ተናወጹማያቱ እንተ ሀመመን እንተ ዐፈረንኣኽራን ብነድሮም እንተ አንቀጥቀጡ፣ ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና። [ሴላ።] ወሓይዙ ንኸተማ ኣምላኽ፣ ነታ ቕድስቲ ቦታ ማሕደር እቲ ልዑል ዜሐጕስ ርባ አሎ። ኣምላኽ ኣብ ማእከላ አሎ፣ ኣይክትናወጽን እያ፣ ኪወግሕ ከሎ፣ ኣምላኽ ኪረድኣ እዩ። ኣህዛብ ጫውጫው በሉ፣ መንግስትታት ተናወጹድምጹ ኣስምዔምድሪ መኸኸትጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ። ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ። [ሴላ።] ንዑንግብርታት እግዚኣብሄር፣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጥፍኣት ጠምቱንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳኣታ ይገብረሉ፣ ንቐስቲ ይሰብሮንዅናት ይቐራስሞንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል፣ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ። ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣ ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ። [ሴላ።]

Translation | Context
ገላትያ 5:22-23 | 2 Helpful votes

እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪሓጐስዕርቂዓቕሊለውሃትሕያውነትእምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን

Translation | Context