Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all8 bible verses about
ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
Translation | Contextነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።
Translation | Contextከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን።
Translation | Contextእምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስ፡ ወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ፡ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተሎ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ። ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት። እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ። ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ። ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ። ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን እንተ ተሰዋእኩ፡ ባህ ይብለኒ፡ ምስ ኵላትኩምውን እሕጐስ አሎኹ። ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ባህ በሉ ምሳይውን ተሐጐሱ። ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሐሲቡ ብንጹህ ልቢ ዚሐሊ ሓደ እኳ የብለይን እሞ፡ ኣነ ብዛዕባኻትኩም ፈሊጠ ምእንቲ ባህ ኪብለኒ፡ ቀልጢፈ ንጢሞቴዎስ ክልእከልኩም፡ ብጐይታና የሱስ ተስፋ እገብር አሎኹ። ኵላቶም ነናይ ርእሶም እዮም ዚደልዩ፡ ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን። ግናኸ ውሉድ ነቦኡ ኸም ዜገልግል፡ ንሱውን ምሳይ ንወንጌል ብምግልጋሉ ፍቱን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም። እምብኣርሲ ኣባይ ከመይ ከም ዚኸውን ምስ ርኤኹ፡ ቀልጢፈ ንእኡ ኸሰደልኩም ተስፋ እገብር አሎኹ። ኣነ ባዕለይውን ቀልጢፈ ኸም ዝመጽእ፡ ብጐይታ እእመን አሎኹ። ንኤጳፍሮዲጦስ፡ ሓወይን መዓይይተይን መተዓቕይተይን ልኡኽኩም፡ ኣነ ብዝደልዮ ኣገልጋልን ግና፡ ንዅላትኩም ስለ ዝናፈቐን ምሕማሙ ብምስማዕኩም ስለ ዝጐሃየን፡ ናባኻትኩም ክሰዶ ብግዲ ዀነኒ። ሐሚሙስ ብሓቂ ንሞት ቀሪቡ ነይሩ፡ ግናኸ፡ ኣምላኽ ምሒርዎ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒ፡ ንኣይ ድማ እዩ እምበር፡ ንእኡ ጥራይ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ምስ ርኤኹምዎ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፡ ኣነውን፡ እቲ ሓዘነይ ምእንቲ ኪቐልል፡ ቀልጢፈ ሰደድክዎ። ደጊም ንሱ እቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለኒ ምእንቲ ኺምልእ፡ ነብሱ ቐቢጹ ምእንቲ ዕዮ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ኣኽብርዎም።
Translation | Contextደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና በጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱ።
Translation | Contextኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextነቲ ኻባይ እተመሃርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ኣባይውን ዝርኤኹምዎን እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት ከኣ ኣርኣየኒ፡ እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ፡ ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት አላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ አሎ። ድሕሪ ደጊምሲ መርገም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸል ዝፋን ኣብኡ ኪኸውን እዩ፡ እቶም ባሮቱውን ኬገልግልዎ ገጹ ኺርእዩን እዮም፡ ስሙውን ኣብ ገግምባሮም ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኬብርሃሎም፡ ንዘለኣለም ኣለምውን ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ለይቲ ኣይኪኸውንን፡ ብርሃን ቀንዴልን ብርሃን ጸሓይንውን ኣይኬድልዮምን እዩ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ ቓላት እዚ እሙንን ሓቅን እዩ፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣምላኽ መናፍስቲ ነብያት፡ እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዝግባእ ነገር ንባሮቱ ኼርእዮም፡ መልኣኹ ሰዲዱ አሎ። እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ፡ እቲ ንቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕሉ ኸኣ ብጹእ እዩ፡ በለኒ። ነዚ ነገር እዚ ዝሰማዕክዎን ዝርኤኽዎን ኣነ ዮሃንስ እየ። ምስ ሰማዕኩን ምስ ርኤኩን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣእጋር እቲ ነዚ ነገር እዚ ዘርኣየኒ መልኣኽ ክሰግድ ፍግም በልኩ። ንሱ ኸኣ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ኣነስ ከማኻን ከምቶም ኣሕዋትካ ነብያትን፡ ከምቶም ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕልዉን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ። ድማ፡ እቲ ጊዜ ቐረባ እዩ እሞ፡ ንቓል ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ኣይትሕተሞ። እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ፡ በለኒ። እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ ዓስበይ ምሳይ እዩ። ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣብታ ኦም ህይወት መሰል ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብታ ኸተማውን ብደጌታታ ምእንቲ ኺኣትዉስ፡ እቶም ክዳውንቶም ዚሐጸቡ ብጹኣን እዮም። እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም። ኣነ የሱስ፡ ኣብተን ማሕበራት እዚ ነገር እዚ ኺምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ አሎኹ። ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እየ፡ እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፡ ንዓ፡ ይብሉ አለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፡ ንዓ፡ ይበል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ፡ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ። ኣነ ቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ንዚሰምዑ ዅሎም እምስክረሎም አሎኹ፡ ሓደ እኳ ናብዚ እንተ ወሰኸ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ መዓት ኪውስኸሉ እዩ። ሓደ ሰብ ከኣ ካብ ቃላት እዚ ትንቢት እዚ እንተ ኣጕደለ፡ ኣምላኽ ካብተን ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፈን ዘለዋ ኦም ህይወትን እታ ቕድስቲ ኽተማን ግዲኡ ኼጕድለሉ እዩ። እቲ ነዚ ነገርዚ ዚምስክር፡ እወ፡ ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ፡ ይብል አሎ። ኣሜን፡ ጐይታና የሱስ፡ ንዓ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ምስ ኵላትኩም ቅዱሳት ይኹን። ኣሜን።
Translation | Context