Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

listening to god


ምሳሌ 2:1-5 | 8 Helpful votes

ወደየእዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ፡ ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ ኣርነብካዮ፡ እወ፡ ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ፡ ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ፡ ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:47 | 7 Helpful votes

እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩምን እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ

Translation | Context
ዮሃንስ 10:27-28 | 5 Helpful votes

እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጼይ ይሰምዓኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦን

Translation | Context
ማርቆስ 4:24 | 4 Helpful votes

ድማ በሎምብትሰምዕዎ ተጠንቀቑበቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም ኪውሰኸልኩምውን እዩ

Translation | Context
መዝሙር 25:4-5 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄርጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣ መገድታትካ ምሀረኒ። ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ፣ ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንንኵሉ መዓልቲ እጽበየካ አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 37:4-5 | 3 Helpful votes

ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ። መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ፣ ኣብኡ ተወከል፣ ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 3:20 | 3 Helpful votes

እንሆኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ።

Translation | Context
እብራውያን 4:7 | 2 Helpful votes

ቀደም ከኣ፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩምልብኹም ኣይተትርሩከም እተባህለድሕሪ ነዊሕ ዘመን ብዳዊት ሎሚ ብምባል ኸም ብሓድሽ ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ይምድብ አሎ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:6 | 2 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ

Translation | Context
ሮሜ 10:17 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።

Translation | Context
እዮብ 33:14-15 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ሓንሳእክልተ ሳዕ ይዘረብሰብ ግና ኣየቕልብን እዩ። ብሕልሚ፡ ብናይ ለይቲ ራእይንሰብ ከቢድ ድቃስ ምስ ወደቖ፡ ኣብ ዓራቱ ምስ ደቀሰ

Translation | Context
ዮሃንስ 10:2-4 | 2 Helpful votes

እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉእተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብሰመን ጸዊዑ የውፍረንነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፍረን ድማ፡ ቀቅድሜኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 2 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 119:105 | 2 Helpful votes

ቃልካ ንእግረይ መብራህቲንመገደይ ብርሃን እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:22 | 2 Helpful votes

ገበርቲ ቓል ኩኑርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ

Translation | Context
መዝሙር 37:7-9 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ሀዲእካ ተጸበዮ፣ በቲ ብመገዱ ዚሰልጠሉ፣ በቲ ሕሱም ሃቐና ዚፍጽም ሰብ ኣይትዀሪእኩያት ኪጸንቱ እዮም፣ ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፣ ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግኣይተንጸርጽር፣ እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ።

Translation | Context
ዘዳግም 28:1-2 | 2 Helpful votes

ኪኸውን ድማ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ እንተ ገበርካዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ኬብለካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ።

Translation | Context