Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን።
Translation | Contextኣብ መውዳእታኻ ጥበበኛ ኽትከውንሲ፡ ምኽሪ ስማዕ፡ ተግሳጽውን ተቐበል።
Translation | Contextከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቝጸሮ።
Translation | Contextወደየ፡ እዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ፡ ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ፡ ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ፡ ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ ኣርነብካዮ፡
Translation | Contextንትሰምዕ እዝንን ጥበበኛን ገላጺ ኸም ቀለቤት ወርቅን ከም ስልማት ጽሩይ ወርቅን እዩ።
Translation | Contextወደየ፡ ነቲ ኻብ ቃል ፍልጠት ዜርሕቐካ ተግሳጽ ምስማዕ ሕደጎ።
Translation | Contextእትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።
Translation | Contextእቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡ ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ።
Translation | Contextእዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክህቦ እየ።
Translation | Contextእቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩምን እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ።
Translation | Contextውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ። ደጊም ብድሕርዚ ውሉድ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ። ግናኸ በቲ ጊዜ እቲ ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸሎኹም፡ ባሮት እቶም ካብ ባህርዮም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ዀንኩም። ሕጂ ደኣ፡ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ኢልኩም ናብቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቝልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ አሎኹም፡ ከም ብሓድሽውን ካብ መጀመርታ ሒዝኩም ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩ አሎኹም፧
Translation | Contextንሙሴ ድማ፡ ንስኻ ንገረና ንሰምዕ ኢና፡ ኣምላኽ ግና፡ ምእንቲ ኸይንመውት፡ ኣይዛረበና፡ በልዎ።
Translation | Contextምእንትዚውን ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ እሞ ንሱ ኣባኻትኩም እትአምኑ ዘሎኹም፡ ዚዓዪ ዘሎ፡ ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፡ ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና።
Translation | Contextደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ካብቲ ደበና ኸኣ፡ እዚ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፥ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እዞም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚገርብዎን እዮም፡ ኢሉ መለሰሎም።
Translation | Contextመንፈስ ኣይተጥፍኡ።
Translation | Context