Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all23 bible verses about
ብህይወተይ ክሳዕ ዘሎኹ ኽባርኸካ፣ ብስምካ ነእዳወይ ከልዕለን እየ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኵሉ ስፍራ ኪጽልዩ፡ እደሊ አሎኹ።
Translation | Contextኣእዳውኩም ናብ መቕደሱ ኣልዕሉ፣ ንእግዚኣብሄር ከኣ ባርኽዎ።
Translation | Contextልብና ምስናይ ኣእዳውና ናብ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ ነልዕል።
Translation | Contextጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን፣ ምልዓል ኢደይ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን።
Translation | Contextእዝራ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ዓብዩ ኣምላኽ ባረኾ። ኲሎም ህዝቢ ኸኣ ኣእዳዎም ኣልዒሎም፡ ኣሜን፡ ኣሜን፡ ኢሎም መለሱ። ተጎንቢሶም ድማ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱሉ።
Translation | Contextኰነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ነዚ ናብ እግዚኣብሄር ዚጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ምህልላን እዚ ምስ ወድኤ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ብብርኩ ተንበርኪኹ ኣእዳዉ ንሰማይ ዘርጊሑሉ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ተንስኤ።
Translation | Contextነእዳወይ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣልዒለ፣ ናባኻ ኽምህለል ከሎኹ፣ ንድምጺ ጸሎተይ ስምዓዮ።
Translation | Contextኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ፣ ነፍሰይ ከም ደረቕ ምድሪ ትጸምኣካ አላ። [ሴላ።]
Translation | Contextሰሎሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቈይሙ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሔ።
Translation | Contextሙሴ ድማ ካብ ፈርኦንን ካብ እታ ኸተማን ወጸ፡ ኣእዳዉ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ዘርግሔ፡ ነጕድን በረድን ድማ ሐደገ፡ ዝናምውን ናብ ምድሪ ኣይዘነመን።
Translation | Contextልብኻ እንተ ኣዳሎኻ፡ ኣእዳውካውን ናብኡ እንተ ዘርጋሕካ፡
Translation | Contextንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም።
Translation | Contextሙሴ ኸኣ፡ ካብ ከተማ ምስ ወጻእኩ፡ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ክዝርግሕ እየ። ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር ምዃና ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ነጕዲ ይሐድግ፡ ደጊም ከኣ በረድ ኣይከውንን።
Translation | Contextብጊዜ መስዋእቲ ምሸት ከአ ምስ ቅዱድ ክዳነይ ባርኖሰይን ካብ ሐዘነየይ ተንሳእኩ። ብብርከይ ተንበርኪኸ ድማ፡ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዘርጋሕኩ።
Translation | Contextዝዀነ ሰብ ወይ ኲሉ ህዝብኻ እስራኤልን ነፍሲ ወከፍ ቊስሊ ልቢ እተፈለጦ፡ ዚጽልዩ ዂሉ ጸሎትን ኲሉ ምህልላን ኣእዳዉ ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዚዝርግሕ፡
Translation | Contextኣዒንተይ ብስቓይ ይስልምታ ኣለዋ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኵሉ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ። ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ አሎኹ።
Translation | Contextዝዀነ ሰብ ወይ ኲሉ ህዝብኻ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ቊስሉን ቃንዛኡን እተፈለጦ፡ ዚጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ኲሉ ምህልላን ኣእዳው ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዘርግሔ፡ ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ፡ ካብታ እትነብረላ ስፍራ ስማዕ፡ ይቕረ ኸኣ በል፡ ንልቢ ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፡ ኣብዛ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪ ዚነብሩለን ኲለን መዓልትታት ምእንቲ ኺፈርሁኻ እሞ ብመገድታትካ ኪኸዱስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፡ ከከም መገዱ ሀቦ።
Translation | Contextኣእዳወይ ድማ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕል፣ ስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ።
Translation | Contextኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ኢዱ ምስ ዜልዕል፡ እስራኤል ይስዕር ነበረ፡ ኢዱ ምስ ዜውርድ ድማ፡ ኣማሌቅ ይስዕር ነበረ።
Translation | Contextመሳፍንቲ ኻብ ግብጺ ኺመጹ እዮም፣ ኢትዮጵያ ቐልጢፋ ኣእዳዋ ናብ ኣምላኽ ክትዝርግሕ እያ።
Translation | Contextእቶም ኣኽራን ረኣዩኻ እሞ ኣንቀጥቀጡ፣ ሞገድ ማያት ሐለፈ፣ መዓሙቝ ድምጺ ኣስምዔ፣ ኣእዳዉ ኸኣ ናብ ላዕሊ ኣልዐለ።
Translation | Contextኣብ መመጀመርታ ሕልዋ ተንስኢ፡ ብለይቲ ጨድሪ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር ልብኺ ኸም ማይ ከዐዊ። ስለ ነፍሳት እቶም ኣብ መኣዝን ኲሉ መገዲ ጠምዮም ዜሕለልዉ ሕጻናትኪ ኣእዳውኪ ናብኡ ኣልዕሊ።
Translation | Context