Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ።
Translation | Contextስለዚ ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም፡ ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም።
Translation | Contextንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።
Translation | Contextሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።
Translation | Contextንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን። እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ሕጊ መንፈስ ህይወት ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፡
Translation | Contextእተሳዕረ ሰብ ነቲ ዝሰዐሮ ባርያኡ ይዀኖ እዩ እሞ፡ ንሳቶም ንርእሶም ባሮት ጥፍኣት ክነሶም፡ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እናበሉ፡ የተስፍውዎም አለዉ።
Translation | Contextጐይታስ መንፈስ እዩ፡ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት አሎ።
Translation | Contextኲሉ ተፈቒዱለይ አሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ አሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሐድጎን እየ።
Translation | Contextንጉስ ጼድቅያስ ሓርነት ኪእውጅ ኢሉ ምስ ኲሉ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ህዝቢ ኺዳን ምስ ኣተወ፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ቃል መጸ።
Translation | Contextእቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፡ ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይሃንጽን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር፡ ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።
Translation | Contextእቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ።
Translation | Contextንስኻትኩም ሎሚ ተመለስኩም፡ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ሓራ ምውጻእ ብምእዋጁ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ቅኑዕ ገበርኩም። ኣብታ ብስመይ እተሰምየት ቤት ድማ ኣብ ቅድመይ ኪዳን ኣቶኹም። ግናኸ ከም ብሓድሽ ተመለስኩም፡ ንስመይ ድማ ኣርከስኩምዎ፡ ነቶም ሓራ ኣውጺእኩም ከም ድላዮም ይኺዱ ዝፈኖኹምዎም ነፍሲ ወከፍኩም ንተባዕትዮን ነንስተይትን ባሮቱ ኣምለሰ፡ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮትኩም ጌርኩም ከኣ ገዛእኩምዎም። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይሰማዕኩምንን። እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ንሰይፍን ንፌራን ንጥሜትን ሓርነት እእውጀልኩም አሎኹ፡ ንዂሎም መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽትኰኑ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ። ኣብታ ምድሪ ኸኣ፡ ኣብኣ ንዚነብሩ ዂሎም ሓርነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ነናብ ዓሌቱ ይመለስ።
Translation | Contextኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።
Translation | Contextንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ። ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡ ኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር፡ ተብሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ። ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ኪሀንጹ፡ ነቲ ቐደም ዝባደመ ኬቚሙ፡ ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝዐነዋ ፍሩሳት ከተማታት ኪሕድሱ እዮም። ጓኖት ደው ኢሎም ንመጓሴታትኩም ኪጓስዩ፡ መጻእተኛታት ድማ ሓረስቶትኩምን ናበይቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኪዀኑ እዮም። ንስኻትኩም ግና ካህናት እግዚኣብሄር ክትስመዩ ኢኹም፡ ሰብ ከኣ ኣገልገልቲ ኣምላኽና ኺብለኩም እዩ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ክትበልዑ ብኽብሮም ድማ ክትከብሩ ኢኹም። ኣብ ክንዲ ነውርኹም ካዕበት ክትቅበሉ ኢኹም፡ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ብዕድሎም ኪሕጐሱ እዮም፡ ስለዚ ኣብ ሃገሮም ካዕበት ኪግንዘቡ፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ንቕንዕና ኤፍቅሮ፡ ንኸትርን ዓመጻን እጸልኦ እየ እሞ፡ ኢዶም ብሓቂ ኽፈድዮም፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከኣ ምስኦም ክኣቱ እየ። ዘርኦም ድማ ኣብ ኣህዛብ፡ ትውልዶም ከኣ ኣብ ህዝብታት ፍሉጥ ኪኸውን እዩ። እቶም ዚርእይዎም ኲሎም እግዚኣብሄር ዝባረኾም ዘርኢ ምዃኖም ኪፈልጡ እዮም። ከምቲ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ ዝደፍኤ መርዓዊ፡ ከምታ ብስልማት እተሰለመት መርዓት፡ እግዚኣብሄር ልብሲ ምድሓን ኣልቢሱኒ፡ ብመርግፍ ጽድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፡ ብእግዚኣብሄር ኣዝየ እሕጐስ፡ ነፍሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብላ አሎ። ከምቲ ምድሪ ብቋልያኣ እተውጽእ፡ ከምቲ ኣታኽልቲ ኸኣ ዘርኡ ዜብቊል ከምኡውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ዂሎም ኣህዛብ ጽድቅን ምስጋናን ኬብቊል እዩ።
Translation | Contextንሳቶም ከኣ፥ ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኰይንና ተገዛእናዮ ከቶ የብልናን። ከመይ ኢልካ ኢኻ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እትብለና ዘሎኻ፧ ኢሎም መለሰሉ።
Translation | Contextመዓልቲ ምፍዳይ ሕነ ኣብ ልበይ ነይራ፡ ዓመት እቶም ብጅዋተይ ከኣ መጺኣ እያ እሞ፡ ኣነ በይነይ ነቲ መጽመቚ ዘቢብ ረገጽክዎ፡ ካብ ህዝብታት ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። ብዂራይ ረገጽክዎም፡ ብነድረይ ድማ ጨፍለቕክዎም። ደሞም ኣብ ክዳውንተይ ተናጠረ፡ ብዘሎ ኣልባሰይ ከኣ ጸየቕኩ።
Translation | Context