Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all20 bible verses about
ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።
Translation | Contextብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ካባካትኩም ይርሐቕ። ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።
Translation | Contextኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸኣ ኣይትሕሰቡ። እንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፡ ሕጂ ትበቊል አላ፡ ኣይተለልይዋንዶ ኢኹም፧ እወ፡ መገዲ ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኽገብር እየ።
Translation | Contextኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ኽረኽቦ፡ ንቕድሚት እደፍእ አሎኹ እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ኸም ዝረኸብክዎ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከም ዝዀንኩ ኣይኰነን። ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ።
Translation | Contextዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን።
Translation | Contextንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።
Translation | Contextኣዒንትኻ ቀኒዔን ይርኣያ፡ ቈላሕታኻውን ንቕድሚት ይጠምታ። ንመገዲ እግርኻ ኣቕንዓያ፡ ኵሉ ጐደናኻ ምዱብ ይኹን። ንየማን ወይስ ንጸጋም ኣይተግልስ፡ ንእግርካ ኻብ እከይ ኣርሕቆ።
Translation | Contextንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።
Translation | Contextድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ።
Translation | Contextእምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።
Translation | Contextእዚ ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።
Translation | Contextነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም።
Translation | Contextገበኑ ዚኽውሎ ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።
Translation | Contextንምድላይ ጊዜ አለዎ፡ ንምጥፋእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምእርናብ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ድማ ጊዜ አለዎ።
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ። ነቲ ኻባይ እተመሃርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ኣባይውን ዝርኤኹምዎን እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ።
Translation | Contextጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ፣ ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።
Translation | Context