Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ፡ ረሲኣን ግና ናብ መከራ ይጸድፉ።
Translation | Contextምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።
Translation | Contextእዚ ዂሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም፡ ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ።
Translation | Contextትዕቢት እንተ መጸ፡ ውርደት ከኣ ይመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡
Translation | Contextፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን።
Translation | Contextነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፣ ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ነቶም ዚወድቁ ዅሎም ይድግፎም፣ ነቶም ለጠቕ ዚብሉ ዅሎም የልዕሎም።
Translation | Contextምስላታት ሰሎሞን፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል፡ ጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥ፡ ቃላት ፍልጠት ንምስትውዓል፡ ዜለብም ተግሳጽን ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን ንምቕባል፡ ነቶም ገርህታትሲ ጥበብ፡ ንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን ንምሃብ እዩ። እቲ ጠቢብ ንምሳሌን ትርጓሜን ዘረባ ጠቢባንን ዓሚቝ ሓሳባቶምን ኬስተውዕልሲ፡ ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ከኣ ምኽሪ የጥሪ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ። ወደየ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ። ወደየ፡ ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ፡ ሕራይ ኣይትበሎም። ንሳቶም እንተ በሉ፡ ምሳና ንዓ፡ ደም ከነፍስስሲ ነድቢ፡ ነቲ ንጹህ ብዘይ ምኽንያት መጻወድያ ነጻውደሉ፡ ጠሪሶም ናብ ጕድጓድ ከም ዚወርዱ፡ ብህይወውቶም ከለዉ ኸም ሲኦል ኴንና ንውሐጦም። ክቡር ገንዘብ ዘበለ ኽንረክብ፡ ነባይትና በቲ ዝዘመትናዮ ኽንመልኦ ኢና። ዕጫኻ ምሳና ኣውድቕ፡ ናይ ኵልና ማሕፉዳ ብሓደ ይኹን፡ እንተ በሉ፡ ወደየ፡ ኣእጋሮምሲ ናብ ክፉእ ይጐያ፡ ንምፍሳስ ደም ይቕልጥፋ እየን እሞ፡ መኻይዲ መገዶም ኣይትኹን፡ እግርኻስ ካብ መገዶም ደኣ ኸልክል። መፈንጠራ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅለን እንተ ኣኽናፍ ዘለወን ብኸንቱ ይጻወድ። ንሳቶም ግና ንብገዛእ ደሞም የድብዩሉ፡ ንብገዛእ ነፍሶም ከኣ ውዲት ይገብሩሉ። መገዲ ነፍሲ ወከፍ ንህርፋን ረብሓ እተዋህበ ኸምዚ እዩ፡ ንሳ ንነፍሲ ዋናኣ ተጥፍኣ። ጥበብ ኣብ ወጻኢ ትጭድር፡ ኣብ ኣደባባያት ድምጻ ተስምዕ። ጫውጫው ኣብ ዘለዎ ጐደና ትጽውዕ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት፡ ኣብ ከተማ፡ ቃላት ትዛረብ፡ ኣቱም ዓያሱ፡ ክሳዕ መኣዝከ ዕሽነት ክትፈትዉ ኢኹም፡ መላገጽቲ ኸኣ ክሳዕ መኣዝ ላግጺ ባህ ኪብሎም፡ ደናቝርቲውን ፍልጠት ኪጸልኡ እዮም። ናብ ተግሳጸይ ተመለሱ፡ እንሆ፡ መንፈሰይ ከፈልፍለልኩም ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ። ጸዊዔስ እምቢ ስለ ዝበልኩም፡ ኢደይ ዘርጊሔውን ዘስተብሀለ ስለ ዜልቦ፡ ኤረ ምኽረይ ዘበለ ደኣ ኣቤኹም፡ ተግሳጸይ ከኣ ኣይተቐበልኩምን ኣነውን፡ እቲ እትፈርህዎ ኸምጽእ ከሎ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእ፡ መከራ ኸም ሾምቦባ ዀይኑ ኺበጽሃኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ እየ፡ ኣነ ኸባጭወልኩም እየ። ሽዑ ናባይ ኪምህለሉ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክመልሰሎምን እየ፡ ኣንጊሆም ኪደልዩኒ፡ ግናኸ ኣይኪረኽቡንን እዮም። ፍልጠት ስለ ዝጸልኡ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ስለ ዘይመረጹ፡ ምኽረይ ስለ ዘይፈተዉ፡ ንዅሉ ተግሳጸይ ስለ ዝነዐቕዎ፡ ፍረ መገዶም ኪበልዑ፡ ካብቲ ምኽሮም ከኣ ኪጸግቡ እዮም። እወ፡ ነቶም ዓያሱ ዕልወቶም ኪቐትሎም፡ ነቶም ደናቝርቲ ኸኣ እቲ ሸለል ምባሎም ኬጥፍኦም እዩ። እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡ ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ። ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።
Translation | Context