Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ምሳኻትኩም ከሎናውን፡ ገለ ሰብ ኪዓዪ ዘይፈቱ እንተ ዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና ኣዘዝናኩም እሞ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሃብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰንናን።
Translation | Contextሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
Translation | Contextብህክይቲ ኢድ ዚዐዪ ይደኪ፡ ኢድ ትጕሃት ግና ተሀብትም።
Translation | Contextኣታ ሃካይ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ በጥ እትብል፡ መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትንስእ፡ ሓንሳእ ምድቃስ፡ ሓንሳእ ከኣ ምትካስ፡ ሓንሳእ ምእንቲ ኽትዐርፍውን ኣእዳውካ ምምስቓል፡ ድሕርዚ ኸኣ ድክነትካ ኸም ፈጣን መንገደኛ፡ ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዐጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ።
Translation | Contextሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ፡ ግናኸ ናብ ኣፉ እኳ ኣይምልሳን።
Translation | Contextነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል አላ እሞ ገለ ኣይትረክብን፡ ነፍሲ ትጉሃት ግና ኣዝያ ትጸግብ።
Translation | Contextኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፡ መገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን።
Translation | Contextንረሲእ ግና ኣምላኽ ይብሎ፣ ኣታ ተግሳጸይ እትጸልእ፣ ቃላተይውን ንድሕሬኻ እትድርብስ፣ ከመይ ጌርካ ኢኻ ስርዓታተይ እትነግር፧ ንኺዳነይውን ብአፍካ እተውስኦ፣
Translation | Contextንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።
Translation | Contextግራቱ ዚከናኸን እንጌራ ይጸግብ፡ ደድሕሪ ምናምን ዚስዕብ ግና ሽጋር ይጸግብ።
Translation | Contextሃካይ ብምኽንያት ቍሪ ኣይሐርስን፡ ብጊዜ ቐውዒ ይልምን እሞ፡ ገለ እኳ ኣይረክብን።
Translation | Contextኣብ ዕዮ ዘበለ ረብሓ አሎ፡ ዘረባ ኸናፍር ግና ናብ ረሲእነት ጥራይ የብጽሕ።
Translation | Contextኢድ ትጉሃት ክትገዝእ እያ፡ እታ ሃካይ ግና ክትግብር እያ።
Translation | Contextመገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላዉኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኣ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ መክሊት ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤ። ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጸባጸበ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤ፡ ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ፡ እንሆ፡ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፡ እናበለ ቐረበ። እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ። እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታኡ፡ ክልተ መክሊት ሀብካኒ፡ እንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩ፡ በለ። ጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተአሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸም ዝዐጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ አሎኻ። እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ህብዎ። ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይወሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። ነዚ ዘይተቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextለባም ውሉድ ተግሳጽ ኣቦኡ ይሰምዕ፡ መላገጺ ግና መግናሕቲ ኣይሰምዕን።
Translation | Contextእቲ ብሓጋይ ዚእክብ ጥበበኛ ወዲ እዩ፡ እቲ ብቐውዒ ዚድቅስ ግና ዜሕስር ወዲ እዩ።
Translation | Contextንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእያስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም።
Translation | Context