Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

lazarus


ዮሃንስ 11:1-14 | 8 Helpful votes

ኣብ ቢታንያኣብታ ዓዲ ማርያምን ማርታ ሓብታን ኣልኣዛር ዝስሙ ሕሙም ሰብኣይ ነበረማርያም እታ ንጐይታ ቕዱይ ቅብኢ ዝለኸየቶብጸጕሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝደረዘቶ እያእቲ ሕሙምውን ኣልኣዛር ሓዋ እዩ። ስለዚ እተን ኣሓቱጐይታይ እቲ እተፍቅሮስ እንሆሐሚሙ አሎኢለን ናብ የሱስ ለኣኻየሱስ እዚ ሰሚዑእዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብርንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነንበለየሱስ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቕሮም ነበረ። ምሕማሙ ምስ ሰምዔኣብታ ዘለዋ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ወዓለድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱደጊም ንዑናይናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ፡ በሎምደቀ መዛሙርቱ ኸኣመምህርብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ፡ መሊስካዶ ናብኡ ትከይድበልዎየሱስ ከኣ፥ መዓልትስ ዓሰርተው ክልተ ሰዓት ደይኰነትንእቲ ብመዓልቲ ዚኸይድብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ዚርኢ ስለ ዝዀነ፡ ኣይዕንቀፍንእቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግናብርሃን ስለ ዜብሉይዕንቀፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። እዚ ተዛረበድሕርዚ ድማኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦክኸይድ እየ፡ በሎምሽዑ ደቀ መዛሙርቱጐይታይ ደቂሱ እንተ ዀይኑስ፡ ኪጥዒ እዩበልዎየሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ እተዛረበንኣታቶም ግና ብዛዕባ ናይ ትኽስ ድቃስ እተዛረበ መሰሎምሽዑ የሱስ ብግህዶኣልኣዛር ሞይቱ

Translation | Context
ሉቃስ 16:19-31 | 4 Helpful votes

ቀይሕ ክዳንን ክቡር ቦፍታን ዚኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውንብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተመላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎእቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረአየጸዊዑ ኸኣዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ አሎኹ እሞ ምሓረኒኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይንኣልኣዛር ስደደለይበሎኣብርሃም ግና፥ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበዘክርሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ አሎ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት አለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ አሎኹ፡ በሎኣብርሃም ድማ፥ ሙሴን ነብያትን አለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑበሎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰነንኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲኪንስሑ እዮም፡ በሎ። ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ

Translation | Context
ዮሃንስ 12:1 | 3 Helpful votes

ሽዑ የሱስ ሹድሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር ዘለዋናብ ቢታንያ መጸ

Translation | Context
ዮሃንስ 11:38-44 | 3 Helpful votes

ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ ብልቡ ተከዘናብቲ መቓብርውን መጸእዚ ግና ብእምኒ እተዓጸወ በዓቲ እዩየሱስነዚ እምኒ ኣልዕልዎበሎምማርታ ሓብቲ እቲ ምዉት ከኣ፥ ጐይታይራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ፡ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ፡ በለቶየሱስእንተ ትኣምንስክብሪ ኣምላኽ ምርኤኺዶ ኣይበልኩኽንበላድሕርዚ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎየሱስ ከኣ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ፡ ኣቦስለ ዝሰማዕካኒ ኤመስግነካ አሎኹ። እዞም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኺኣምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበርኣነስ ኵሉ ሳዕ ከም እትሰምዓኒእፈልጥ አሎኹ፡ በለእዚ ምስ በለኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ፡ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። እቲ ምዉት ብግኑዙኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእስሩ ገጹውን ብመኣረምያ ተጐንጕኑ ኸሎ ወጸየሱስ ድማ፡ ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎበሎም

Translation | Context