Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all7 bible verses about
ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ። እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ። ምድሓን ካብቲ ዝአመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ አሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።
Translation | Contextጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።
Translation | Contextስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን አሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን። ንሕናስ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣታ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ፡ ካብቲ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቚዶ ይመስለካ አሎ፧ ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ ሰኣን ምፍላጥካ ሃብቲ ሕያውነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ አሎኻ፧ ግናኸ ብትርኻን ብዘይ ምንሳሕ ልብኻን ነቲ ብመዓልቲ ቚጥዓን ምግላጽ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽን ዚወርድ ቊጥዓ ኣብ ርእስኻ ትእክብ አሎኻ። ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። ማለት፡ ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዐጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዚደልዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ። ነቶም ንዓመጻ ዚእዘዙ እምበር፡ ንሓቂ ዘይእዘዙ መሻረውቲ ግና ቊጥዓን መዓትን ኪወርዶም እዩ። እከይ ንትገብር ዘበለት ኲላ ነፍሲ ሰብ፡ ጭንቀትን ጸበባን ኪወርዳ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዂሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሀቦ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቶም ገበርቲ ሕጊ ደኣ እዮም ዚጸድቁ እምበር፡ ሰማዕቲ ሕግስ ጻድቃን ኣይኰኑን እሞ፡ እቶም ብዘይ ሕጊ ሓጢኣት ዝገበሩ ዘበሉ ብዘይ ሕጊ ኺጠፍኡ እዮም፡ እቶም ሕጊ ኸለዎም ሓጢኣት ዝገብሩ ዘበሉ ዂላቶም ከኣ በቲ ሕጊ ኺፍረዱ እዮም። እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብ፡ ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ፡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ አለዉ እሞ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ፡ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ፡ ንርእሶም ሕጊ እዮም። በታ፡ ከም ወንጌለይ ገይሩ፡ ኣምላኽ ነቲ ምስጢራት ሰብ ብየሱስ ክርስቶስ ዚፈርደላ መዓልቲ ኸምኡ ኪኸውን እዩ። ግናኸ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ እንተ ተብሃልካ፡ ብሕጊ እንተ ተኣመንካ ብኣምላኽውን እንተ ተሐበንካ፡ ፍቓዱ እንተ ፈለጥካ፡ ካብ ሕጊ ተምሂርካውን እቲ ቕኑዕ መርሚርካ እንተ ፈሌኻ፡ መራሕ ዕዉራት፡ ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ብርሃን ምዃንካውን ብርእስኻ እንተ ተኣመንካ፡ ንስኻ ንዓያሱ መለበሚ፡ ንቘልዑ መምህር፡ ኣብ ሕጊውን ምስሊ ፍልጠትን ሓቅን ዘሎካ ኢኻ። እምብኣርሲ ኣታ ንኻልእ እትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ፡ ኣይትስረቑ፡ ኢልካ እትሰብኽ። ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧ ንስኻ፡ ኣይትዘምዉ፡ እትብል፡ ባዕልኻዶ ትዝሙ፧ ንስኻ ጣኦት እትፍንፍን፡ ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ ትሰርቕ፧ ከምቲ፡ ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ እዩ፡ ዚብል ተጽሒፉ ዘሎ፡ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፡ ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ አሎኻ፧ ግዝረትሲ፡ ሕጊ እንተ ሐሎኻ፡ ትጠቅም እያ እሞ፡ ሕጊ እንተ ኣፍረስካ ግና፡ እታ ግዝረትካ ዘይግዝረት እያ እትኸውን። እምብኣርሲ እቲ ዘይግዙር ነቲ ሕጊ ዚደልዮ ስርዓት እንተ ሐለዎ፡ እቲ ዘይምግዛሩዶ ኸም ግዝረት ኰይኑ ኣይቊጸረሉን እዩ፧ እቲ ኻብ ባህርዩ ዘይግዙር ክነሱ ሕጊ ዚሕሉ፡ ንኣኻ፡ ብፊዴልን ብግዝረትን ሕጊ ንተፍርስ፡ ኪፈርደካ እዩ። ብዚርኤ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኰነን እሞ፡ እታ ብዚርኤ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረትውን ግዝረት ኣይኰነትን። እቲ ብውሽጢ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና፡ ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ። እታ ግዝረት ከኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እያ እምበር፡ ብፊዴል ኣይኰነትን። እቲ ንእዶኡውን ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን።
Translation | Contextንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ፡ ንመራሕቶም ኪእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ፡
Translation | Contextእቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ፡ በሎም።
Translation | Context