Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ካብ ሕጊ ሓንቲ ነቑጣ ኻብ እትወድቕሲ፡ ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ ይቐልል።
Translation | Contextእምብኣርሲ እቲ ሕጊ ቅዱስ እዩ፡ እቲ ትእዛዝውን ቅዱስን ጻድቕን ሰናይን እዩ።
Translation | Contextግናኸ ነቲ ሕጊ ብመገዲ ሕጊ እንተ ገበርዎስ፡ ሰናይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ሕጊ ንመፍረስቲ ሕጊ እምበር፡ ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዔ፡ ካብ ፈለጥናስ፡ ንዘይእዙዛትን ኣምላኽ ንዘይፈርሁን ንሓጥኣንን ንርኹሳትን ንቐለልትን ንቐተልቲ ኣቦኦምን ንቐተልቲ ኣዲኦምን፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡ ነመናዝር፡ ግብሪ ሰዶም ንዚገብሩ፡ ንሸየጥቲ ሰብ፡ ንሓሰውቲ፡ ብሓሶት ንዚምሕሉ፡ ሓደ ኻልእውን ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዚጻረር እንተሎ፡ ንኣታቶም እዩ።
Translation | Contextጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።
Translation | Contextሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ፣ ንነፍሲ ይመልሳ። ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ፣ ንገርሂ የጥብቦ። ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፣ ንልቢ የሐጕሶ፣ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፣ ነዒንቲ የብርሄን። ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፣ ንዘለአለም ይነብር፣ ፍርድታት እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ፣ ብዘሎውን ጻድቕ እዩ።
Translation | Contextብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ።
Translation | Contextሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡
Translation | Contextእንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ እቲ ሕጊዶ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። እቲ ሕጊ፡ ኣይትመነ፡ እንተ ዘይብልሲ፡ ንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ፈራዲና፡ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፡ ንሱ ኼድሕነና እዩ።
Translation | Contextነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር፡ ምፍራስ ሕጊ እዩ ዚገብር። ሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ እሞ፡
Translation | Contextንብዘሎ እቲ ሕጊ ሐልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን።
Translation | Context