Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኪሰግዱሉ እዮም።
Translation | Contextምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።
Translation | Contextእቲ ዚስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን እዩ፡ ኣነውን ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ኽእመኖ እየ።
Translation | Contextእቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፉ ደኣ እምበር፡ ገለ ርኽሰት ወይስ እቲ ዜፈንፍንን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይኪኣቱን እዩ።
Translation | Contextዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።
Translation | Contextናብ መልኣኽ ማሕበር ሳርዴስውን ጽሐፍ፡ እቲ፡ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን ሾብዓተ ከዋኽብትን ዘለውዎ፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ አሎኹ፡ ህያው ተብሂልካ ትስመ አሎኻ፡ ግናኸ ምዉት ኢኻ። ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፡ ንቑሕ ኩን፡ ነቶም ኪሞቱ ኢሎም ዘለዉ ኻልኦትውን ኣበርትዓዮም። ደጊም ከመይ ጌርካ ኸም እተቐበልካን ከም ዝሰማዕካን ዘክር፡ ሐልዎ ተነሳሕውን። እንተ ዘይነቓሕካ ግና፡ ከም ሰራቒ ኽመጸካ እየ፡ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካውን ኣይክትፈልጥን ኢኻ። ኣብ ሳርዴስ ግና ክዳውንቶም ዘይጸየቑ ሒደት ስማት አለዉኻ፡ ንሳቶም ብቑዓት እዮም እሞ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ኪመላለሱ እዮም። እቲ ዚስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን እዩ፡ ኣነውን ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ኽእመኖ እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።
Translation | Contextዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሀደሙ፡ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን። ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት፡ ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ። ዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።
Translation | Contextግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ፡ ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም፡ በዚ ኣይትተሐጐሱ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ነቲ ዝበደለኒ ኻብ መጽሓፈይ እሐኮ፡
Translation | Contextሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፣ እግዚኣቢሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፍርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ።
Translation | Contextካብ መጽሓፍ ህይወት ይደምሰሱ፣ ምስ ጻድቃን ድማ ኣይጸሐፉ።
Translation | Contextእቲ ዝርኤኻዮ ኣራዊት ነበረ የሎን ከኣ፡ ካብ መዓሙቝ ድማ ኪወጽእ ናብ ጥፍኣትውን ኪኸይድ እዩ። ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ፡ እቲ ኣራዊት ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዚመጽእን ምስ ረኣዩ፡ ኪግረሙ እዮም።
Translation | Contextእወ፡ ኣታ እሙን ሲሲጎስ፡ ንኣኻውን ክትድግፈን እልምነካ አሎኹ። ንሳተን ምስ ቅሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፈ ኻልኦት መዓይይተይን ምሳይ ብወንጌል ዝጸዓራ እየን።
Translation | Contextሙሴ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፡ ኣየ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ዓብዪ ሓጢያኣት ገበረ፡ ንኣታቶም ከኣ ኣማልክቲ ወርቂ ገበረ። ሕጂ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፡ እንተ ዘይኰነስ ካብቲ ዝጸሐፍካዮ መጽሓፍካ ሕከኸኒ፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ነቲ ዝበደለኒ ኻብ መጽሓፈይ እሐኮ፡
Translation | Contextበቲ ዘመንቲ ሚካኤል፣ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብካ ዚቐውም ዓብዪ መስፍን፣ ኪትንስእ እዩ። ሽዑ ዘምን ጸበባ ኪኸውን እዩ፣ ከምኡስ ካብታ ህዝቢ ዝሀለዉላ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ከቶ ዀይኑ ኣይፈልጥን። በታ ጊዜ እቲኣስ ህዝብኻ፣ ኣብ መጽሓፍ ተጽሒፉ እተረኸበ ዘበለ፣ ኪድሕን እዩ።
Translation | Context