Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ልቢ ለባም ሰብ ፍልጠት የጥሪ፡ እዝኒ ጠቢባን ከኣ ፍልጠት ትደሊ።
Translation | Contextፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ።
Translation | Contextጥበብ ናብ ልብኻ ኽትኣቱ እያ፡ ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ፡
Translation | Contextህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝኣቤኻ፣ ኣነ ድማ ካሕን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ እየ። ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፣ ኣነ ኸኣ ንደቅኻ ኽርስዖም እየ። ብመጠን እቲ ምብዛሖም ከምኡ ኣብዚሖም በደሉኒ። ኣነ ንኽብረቶም ናብ ነውሪ ክልውጦ እየ።
Translation | Contextጥበበና ሰብ ብርቱዕ እዩ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ኸኣ ሓይሉ የጽንዕ።
Translation | Contextጥበብ ካብ ኣዕናቝ ትበልጽ እያ፡ ክቡር ዘበለ ዅሉውን ኣይመዓራረያን እዩ እሞ፡ ካብ ብሩርሲ ተግሳጽ፡ ንፍልጠትውን ካብ ሕሩይ ወርቂ ኣብሊጽኩም ተቐበልዎ።
Translation | Contextወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውሰኸልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን። ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ። ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ። ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህ፡ ካብ ክፉእ ከኣ ርሐቕ። እዚ ንሕምብርትኻ ፈውሲ ነዕጽምትኻውን ኣንጕዕ ኪዀነካ እዩ። ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ። ሽዑ ቘፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእ፡ መጽመቝኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ፡ ወደየ፡ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ይቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ ኣይትመረር። እቲ ጥበብ ዚረክብ፡ ኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ። ከምይሲ ኻብቲ ብሩር ዜጥሪ ንእኣ ዜጥሪ ይበልጽ፡ እቲ ብእኣ ዚርከብ ረብሓ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ። ካብ ዕንቍ ትኸብር፡ ኵሉ እቲ ሃረር እትብሎ ነገር እኳ ኣይመዐራረያን። ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፡ ኣብ ጸጋማ ኸኣ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ። ጐደናኣ ጐደና ሓጐስ፡ ብዘሎ መገዳ ኸኣ ሰላም እዩ። ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፡ ኣጽኒዑ ዚሕዛ ዘበለ ኸኣ ብጹእ እዩ። እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ ሰረታ፡ ንሰማያት ከኣ ብምስትውዓል ኣጽንዖ። ብፍልጠቱ መዓሙቝ ይኽፈት፡ ደበናታትውን ኣውሊ የንጠብጥብ። ወደየ፡ ነዚኤን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየን፡ ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሐዘን። ንሳተን ንነፍስኻ ህይወት፡ ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ኪዀናኻ እየን። ሽዑ ሀዲእካ መገድኻ ኽትከይድ፡ እግርኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ። እንተ ተገምሰስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ፡ በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካውን ኪጥዕም እዩ። እግዚኣብሄር እምንቶኻ ኪኸውን፡ ኣእጋርካ ኸይፍንጠራ ኸኣ ኪሕልወን እዩ እሞ፡ ካብቲ ናይ ድንገት ሰምባድ፡ ካብቲ ንረሲኣን ዚመጾም ጥፍኣት ኣይትሸበር። ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከኣላ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ። ዚወሃብ ከሎካስ፡ ንብጻይካ፤ ኪድ እሞ ተመለስ፡ ጽባሕ ክህበካ እየ ኣይትበሎ። ንብጻይካ፡ ኣሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ፡ ኣይትተናዀለሉ። ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ ኣይትበኣስ። ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ፡ መገዱ ዘበለ ዅሉ ኣይትምረጽ። እግዚኣብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖ፡ ምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ። መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ረሲእ እዩ፡ ንማሕደር ጻድቃን ግና ይባርኾ። ንሱ ንመላገጽቲ የላግጸሎም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። ጠቢባን ክብሪ ኺወርሱ እዮም፡ ዓያሱ ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ።
Translation | Contextልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ።
Translation | Contextተግሳጽ ዚፈቱ ፍልጠት ይፈቱ፡ መቕጻዕቲ ዚጸልእ ግና ዓሻ እዩ።
Translation | Contextወደየ፡ እዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ፡ ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ፡ ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ፡ ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ ኣርነብካዮ፡ እወ፡ ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ፡ ንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ፡ ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ፡ ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ፡ ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ፡ ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ። እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ። ንመገዲ ቕንዕና ኼዕቍባ፡ ንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ ኸኣ ኪሕልዋስ፡ ነቶም ቅኑዓት ደሓን ይእርንበሎም፡ ብዘይ ጽያፍ ንዚመላለሱ ኸኣ ዋልታኦም እዩ። ሽዑ ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን፡ ኤረ ዅሉ ሰናይ መገዲ ኽተስተውዕል ኢኻ። ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትኣቱ እያ፡ ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ፡ ካብ ክፉእ መገዲ፡ ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስ፡ ምኽሪ ኽትሕልወካ፡ ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ። ንሳቶም ብመገዲ ጸልማት ምእንቲ ኺመላለሱስ፡ ንመገዲ ቕንዕና ይሐድግዋ፡ ንሳቶም ክፉእ ብምግባር ይሕጐሱ፡ ብቔናን ነገርውን ባህ ይብሎም። ንሳቶም ኣብ መገድታቶም ይጠዋውዩ፡ ቄናን መገድታት ከኣ ይኽተሉ። ካብታ ንፈታዊ ንእስነታ ዝሐደገቶ፡ ንኺዳን ኣምላኻውን ዝረስዓቶ ዘማዊት ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝቓላ ኣመንዝራ ኸተናግፈካ እያ። ቤታ ናብ ሞት፡ መገዳ ኸኣ ናብ ምዉታት ዜንቈልቍል እዩ እሞ፡ ካብቶም ናብኣ ዚኣትዉ ሓደ እኳ ዚምለስ የልቦን፡ ንመገዲ ህይወትውን ኣይረኽብዋን እዮም። እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ፡ እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ፡ እምብኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰናያት ተመላለስ፡ ንመገዲ ጻድቃንውን ሐልዋ። ረሲኣን ግና ካብ ምድር ኺጸንቱ፡ እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።
Translation | Contextህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝኣቤኻ፣ ኣነ ድማ ካሕን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ እየ። ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፣ ኣነ ኸኣ ንደቅኻ ኽርስዖም እየ።
Translation | Contextትእዛዛትካ ኣሚነ አሎኹ እሞ፣ ሰናይ ምስትውዓልን ፍልጠትን ምሀረኒ።
Translation | Contextንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሃቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡
Translation | Context