Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

knowing god


ኤርምያስ 9:23-24 | 11 Helpful votes

ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይተሐበንሓያል ከኣ ብሓይሉ ኣይተሐበን፡ ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይተሐበን፡ ይብል እግዚኣብሄርዚሕበንሲ - እዚ እዩ ባህ ዜብለኒ እሞ፡ - ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ጽድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይተሐበንይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ፊልጲ 3:10 | 8 Helpful votes

ብዝዀነ ዀይኑ ናብ ትንሳኤ ምዉታት እንተ ኣርከብኩ ኢለ፡ ብሞቱ እናመሰልክዎ፡ ንእኡን ሓይሊ ትንሳኤኡን ሕብረት መከራኡን ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 6 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
ዮሃንስ 17:3 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:6-7 | 5 Helpful votes

ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓናእቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። ኣቱም ፍቁራተይፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐርዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 17:1-26 | 4 Helpful votes

የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ፡ በለ፥ ዎ ኣቦ፡ ሕጂ እታ ጊዜ በጺሓ፡ ነዞም ዝሀብካዮ ዅላቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺህቦምሲንወድኻ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ምልኪ ሂብካዮ ኢኻ እሞ፡ ንሱ ምእንቲ ኬኽብረካስንወድኻ ኣኽብሮኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻዎ ኣቦይሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ። ነዞም ካብ ዓለም ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎምናትካ ነበሩ፡ ንኣይ ሀብካኒቃልካውን ሐለዉእቲ ዝሀብካኒ ዘበለ ዅሉ ካባኻ ምዃኑ ሕጂ ፈለጡእቲ ዝሀብካኒ ቓል ሀብክዎምንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝወጻእኩ ድማ ብሓቂ ፈለጡንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን አመኑኣነ ምእንትኦም እልምን አሎኹ። ናትካ እዮም እሞ፡ ምእንቲ እዞም ዝሀብካኒ እምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ። ኵሉ ናተይ ናትካ እዩ፡ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፡ ኣነውን ኣባታቶም ከበርኩደጊምሲ ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ፡ ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም አለዉ፡ ኣነውን ናባኻ እመጽእ አሎኹ። ቅዱስ ኣቦይነዞም ዝሀብካኒከማና ሓደ ምእንቲ ኪዀኑብስምካ ሐልዎምኣነ ምሳታቶም ኣብ ዓለም ከሎኹብስምካ ሐሎኽዎምነዞም ዝሀብካኒ ተኸናኸንክዎም። እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ ብዘይ እቲ ሓደ ወዲ ጥፍኣት ካባታቶም ዝጠፍኤ የልቦንሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ አሎኹ፡ ሓጐሰይ ኣባታቶም ምእንቲ ኺፍጸም ድማ እዚ ኣብ ዓለም እዛረብ አሎኹ። ኣነ ቓልካ ሀብክዎምከምቲ ኣነ ካብ ዓለም ዘይኰንኩንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ፡ ዓለም ጸልኣቶምካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑንበቲ ሓቂ ቐድሶምቃልካ ሓቂ እዩከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለእኽካኒከምኡውን ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽክዎም። ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኪቕደሱስ፡ ኣነ ርእሰይ ስሊኦም እቕድስ አሎኹ። ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚአምኑ ድማ እምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ዓለምንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ። ብኣንድነት ፍጹማት ኪዀኑዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲንሕና ሓደ ኸም ዝዀንናኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም። ዎ ኣቦይቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ዝሀብካኒ ነቲ ዝሀብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንሳቶምውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደሊ አሎኹ። ጻድቕ ኣቦይዓለም ኣይፈለጠትካን፡ ኣነ ግና ፈሊጠካ አሎኹ። እዚኣቶምውን ንስኻ ኸም ዝለኣክካኒ ፈሊጦም አለዉ። እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም፡ ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:18 | 4 Helpful votes

ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11-13 | 3 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄርክትጽውዑኒመጺእኩም ድማ ክትልምኑኒ ኢኹም እሞ ክሰምዓኩም እየ። ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም።

Translation | Context
ያእቆብ 4:7 | 3 Helpful votes

እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 4:12 | 3 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስንመንፈስንመፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 8:17 | 3 Helpful votes

ኣነ ነቶም ዜፍቅሩኒ ኤፍቅሮም፡ እቶም ኣንጊሆም ዚደልዩኒ ኸኣ ይረኽቡኒ

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 3 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲመንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲንተግሳጽንምቕናዕንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 119:105 | 2 Helpful votes

ቃልካ ንእግረይ መብራህቲንመገደይ ብርሃን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:1 | 2 Helpful votes

ቃል ብመጀመርታ ነበረእቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረእቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ

Translation | Context
ኢሳይያስ 55:8 | 2 Helpful votes

ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ኤርምያስ 31:33-34 | 2 Helpful votes

ድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝአትዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ እሞ፡ ካብ ንእሽትኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ኪፈልጡኒ እዮም፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉንእግዚኣብሄር ፍለጦኢሎም ድሕርዚ ንሓድሕዶም ኣይኪማሃሩን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context