Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all21 bible verses about
ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።
Translation | Contextኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextእቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይኰነሎምን እዩ።
Translation | Contextእቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡
Translation | Contextነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።
Translation | Contextኰነ ኸኣ፡ ያእቆብ ንራሄል ጓል ላባን ኣኮኡን ነባጊዕ ኣኮኡ ላባንን ምስ ረአየ፡ ቀሪቡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዔላ ገልበጦ፡ ነባጊዕ ኣኮኡ ላባን ድማ ኣስተየን። ያእቆብ ከኣ ንራሄል ሰዐማ፡ ቃሉ ዓው ኣቢሉውን በኸየ። ያእቆብ ድማ ንራሄል፡ ንሱ ዘመድ ኣቦኣ፡ ወዲ ርብቃ፡ ምዃኑ ነገራ። ንሳ ኸኣ ጐይያ ነቦኣ ነገረቶ።
Translation | Contextነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ። ኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን አሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕ። ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ኪብል እዩ። እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፡ ንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን አሎኹ። ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ። መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሃንጽን ንስዓብ። ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶ። ኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ጽቡቕ እዩ። ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሃሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዔ፡ ይዂነን።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜስክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን።
Translation | Contextከምቲ ንቕዱሳን ዚግባኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም።
Translation | Contextብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላ፡ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ።
Translation | Contextብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ፡ እቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ።
Translation | Contextድጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ።
Translation | Contextንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንውግእ ጊዜ አለዎ፡ ንሰላም ድማ ጊዜ አለዎ።
Translation | Contextንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ምዓደን።
Translation | Contextትዕግስቲ ኸኣ አሎካ፡ ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካ፡ ኣይሰልኬኻን። ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ ኣሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ። እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ ክመጸካ፡ እንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ። ግናኸ ነቲ ኣነውን ዝጸልኦ ዘሎኹ ግብሪ ኒቆላውያን ንስኻ ትጸልኦ ኢኻ እሞ እዚ ግዳ አሎካ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክህቦ እየ። ናብ መልኣኽ ማሕበር ስሚርናውን ጽሐፍ፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን፡ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝዀነን ከምዚ ይብል አሎ፡ ጸበባኻን ድኽነትካን፦ ግናኸ ሃብታም ኢኻ፦ ጸርፊ እቶም ኣይሁድ ኢና ዚብሉን፦ ግናኸ ማሕበር ሰይጣን እዮም እምበር፡ ኣይሁድስ ዘይኰኑ፦ እፈልጥ አሎኹ። እንሆ፡ ምእንቲ ኽትፍተኑስ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። እቲ ዚስዕር በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኩጕዳእን እዩ። ናብ መልኣኽ ማሕበር ጴርጋሞስውን ጽሐፍ፡ እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፉ ዝሐዘ ኸምዚ ይብል አሎ፡ ኣበይ ከም እትነብር፡ ማለት ኣብቲ ናይ ሰይጣን ዝፋን ዘለዎ ምዃኑ እፈልጥ አሎኹ እሞ ንስመይ ኣጽኒዕካ ሒዝካዮ አሎኻ፡ ኣብቲ ሰይጣን ዚነብረሉ፡ ንኣንቲጶስ፡ ነቲ እሙን ምስክረይ፡ ኣብ ማእከልኩም ብዝቐተልዎ መዓልትታት እኳ ንእምነተይ ኣይከሐድካያን። ነቲ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል መንሳተቲ ንምግባር፡ ንጣኦታት እተሐርደ ኺበልዑን ኪምንዝሩን ንባላቅ ዝመሀሮ ምህሮ በላዓም ዝሐዙ ስለ ዘለውኻ ግና፡ ቅሩብ ነገር ረኺበልካ አሎኹ። ከምኡውን በዛ መገዲ እዚኣስ ንምህሮ ኒቆላውያን ዝሐዝዎ አለዉኻ። ስለዚ ተነሳሕ፡ እንተ ዘይኰነስ ቀልጢፈ ኽመጽእ፡ ብሰይፊ ኣፈይውን ክዋግኦም እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብቲ ስዉር ማና ኽህቦ እየ፡ ጻዕዳ እምኒ ድማ፡ ብዘይ እቲ እተቐበላስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ኣብታ እምኒ እቲኣ እተጻሕፈ ሓድሽ ስም ክህቦ እየ። ናብ መልኣኽ ማሕበር ትያቲራውን ጽሐፍ፡ እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀና ኣዒንቲ ዘለዋኦ፡ ኣእጋሩውን ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ዚመስል ወዲ ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ትዕግስትኻን፡ እቲ ግብርኻውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዚበዝሕ፡ እፈልጥ አሎኹ። ግናኸ ነታ፡ ነብዪት እየ፡ እናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውኤ ኺበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ አሎኹ።
Translation | Contextሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ። እንሆ፡ ኣነ ጳውሎስ፡ እንተ ተገዘርኩም፡ ክርስቶስ ገለ እኳ ኣይጠቕመኩምን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ። ንዚግዘር ዘበለ ሰብውን፡ ንብዘሎ እቲ ሕጊ ኺገብሮ ኸም ዚግባኦ፡ ደጊመ እምስክር አሎኹ። ኣቱም ብሕጊ ኽትጸድቁ እትደልዩ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሌኹም፡ ካብ ጸጋ ወደቕኩም። ንሕናስ ብመንፈስ ካብ እምነት ናይ ጽድቂ ተስፋ ንጽበ አሎና። ብክርስቶስ የሱስሲ፡ እታ ብፍቕሪ እትገብር እምነት ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ ኣይከአሎን እዩ። ጽቡቕ ትጐዩ ኔርኩም። ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ዓገተኩም፧ እዚ ምሕባልዚ ኻብቲ ዝጸውዓኩም ኣይመጸን። ሒደት ማይ ብሑቕ ንብዘሎ እቲ ብሑቕ የብኵዖ እዩ። ኣነ፡ ገለ ኻልእ ከይትሐስቡ፡ ብኣኻትኩም ኣብ ጐይታ ተኣሚነ አሎኹ። እቲ ዜዕገርግረኩም ግና፡ ዝዀነ ይኹን፡ ፍርዱ ኺጸውር እዩ። ኣሕዋተየ፡ ኣነ ገና ግዝረት እሰብኽ እንተ ዝህሉ ደኣ፡ እንታይ ኢሎም ሕጂ ዚሰጉኒ፧ እምብኣርከ መዓንቀፊ መስቀል ተደርብዩ። ኣየ፡ እቶም ዜዕልዉኹም ኰታ እንተ ዚቝረጹ። ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ። ማለት ኵሉ እቲ ሕጊ፡ ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር፡ ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ። ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተባላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ። ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ። ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነ፡ መንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዝምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም። ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና፡ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን። እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ። እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም። ህይወት ብመንፈስ እንተ አልያትናስ፡ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ። ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ።
Translation | Contextዓመጻ ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት እዩ፡ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት አሎ።
Translation | Contextብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ።
Translation | Contextምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተኣታቶኹ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል፧
Translation | Context