Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

kingdom of god


ማቴዎስ 6:33 | 7 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩእዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም

Translation | Context
ማርቆስ 1:15 | 5 Helpful votes

ድሕሪ ማእሰርቲ ዮሃንስ ከኣ የሱስ ናብ ገሊላ መጸ እሞ፡ እቲ ዘመን ተፈጸመመንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበትተነስሑ ብወንጌልውን እመኑእናበለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ

Translation | Context
ዮሃንስ 18:36 | 4 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን ካብዛ ዓለም እዚእ እንተ ትኸውንሲብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮምሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንትን፡ ኢሉ መለሰ

Translation | Context
ሮሜ 14:17 | 4 Helpful votes

መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ

Translation | Context
ሉቃስ 17:20-21 | 3 Helpful votes

ፈሪሳውያንመንግስቲ ኣምላኽ ምኣዝ ትመጽእኢሎም ምስ ሓተትዎ ኸኣ፡ ንሱ፥ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም አላ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ፡ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዚብላውን የልቦን፡ ኢሉ መለሰሎም

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9 | 3 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱኣመንዝራታትወይ መምለኽቲ ጣኦትዘመውቲወይ ሕንቁቓትወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡

Translation | Context
ራእይ 21:1-4 | 2 Helpful votes

እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎምባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌምንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺእንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘንወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:9-13 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦናስማካ ይቀደስመንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበናንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎምበደልና ሕደገልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ ኣሜን

Translation | Context
ማቴዎስ 16:19 | 2 Helpful votes

መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 28:31 | 2 Helpful votes

ከይተኸልከለ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ትብዓት እናሰበኸብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህር ነበረ።

Translation | Context
ዳንኤል 2:44 | 2 Helpful votes

ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፣ ግዝኣታ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ፣ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።

Translation | Context
ሉቃስ 13:28-29 | 2 Helpful votes

ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ንዅሎም ነብያትን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ርኤኹምዎም፡ ንስካትኩም ግና ኣብ ወጻኢ ተደርቢኹምኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኺመጹ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽውን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም።

Translation | Context
ራእይ 11:15 | 2 Helpful votes

እቲ ሳብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡእን ኮይና እያ እሞ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ፡ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:34 | 2 Helpful votes

ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻትንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ

Translation | Context