Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

5 bible verses about

king herod


ማቴዎስ 2:1-12 | 16 Helpful votes

የሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮዶስ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወለደእንሆሰብ ጥበብ፡ እቲ እተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ አሎ፧ ኰዀብ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእናእናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹንጉስ ሄሮዶስ ስሚዑ ሰምበደኵላ የሩሳሌም ውን ምስኡ። ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናት ንጻሓፍትን ህዝብን ኣኪቡክርስቶስ ኣበይ እዩ ዚውለድ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ቤት-ልሄም ምድሪ ይሁዳንህዝበይ እስራኤል ዚሕሉ ሹም ካባኺ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማምቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ እዩ፡ በልዎ። ድሕርዚ ሄሮድስ ንሰብ ጥበብ ብሕቡእ ጸውዖም፡ ካባታቶም ድማ ዘመን እቲ እተራእዮም ኰዀብ ኣጸቢቑ ተረድኤ። ናብ ቤት-ልሄም ድማ ሰደዶምኬድኩም ብዛዕባ እቲ ህጻን ኣርጊጽኩም መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎኣነ ኸኣ መጺኤ ኽሰግደሉኣፍሉጡኒ በሎም። ንሳቶም ከኣ ካብ ንጉስ ሰሚዖም ከዱእንሆ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ዝረአይዎ ኰዀብ ኣብ ልዕሊ እታ እቲ ሕጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም። ነቲ ኰዀብ ምስ ረአይዎኣዝዮ ብዙሕ ሓጐስ ተሐጐሱ። ናብ ቤት ኣትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረአይዎፍግም ኢሎም ድማ ሰገድሉሳጽኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸ በረኸት ሀብዎናብ ሄሮዶስ ከይምለሱብሕልሚ ምስ ተራእዮም ድማ፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ

Translation | Context
ማቴዎስ 2:1-2 | 16 Helpful votes

የሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮዶስ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወለደእንሆሰብ ጥበብ፡ እቲ እተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ አሎ፧ ኰዀብ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእናእናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 12:19-24 | 13 Helpful votes

ሄሮድስ ድማ ደልዩ ምስ ሰኣኖ፡ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ኪቐትልዎም ኣዘዘ እሞ ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ኣብኣ ቐነየሄሮድስ ንሰብ ጢሮስን ሲዶናን ኣዝዩ ዀርዩ ተጻሊእዎም ነበረ። ተሳማሚዖም ከኣ ናብኡ መጹምግቢ ሃገሮም ካብ ግዝኣት እቲ ንጉስ ስለ ዝነበረ፡ ንብላስጦስ ሸለቃ ዝፋን ቤት ንጉስ ኣፍትዮም ዕርቂ ለመኑሄሮድስ በታ መዓልቲ ቘጸራ ልብሰ መንግስቱ ለቢሱ ኣብ ኣፋን ተቐመጠ ተዛረቦምውን። እቶም ህዝቢ ድማ፡ እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ድምጺ ሰብ ኣይኰነን፡ ኢሎም ጨደሩክብሪ ንኣምላኽ ስለ ዘይሀበ ድማ ብኡብኡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቀዘፎሐሲኹውን ሞተ። ቃል ኣምላኽ ከኣ እናዐበየን እናተዘርግሔን ከደ።

Translation | Context
ዮሃንስ 4:2-9 | 9 Helpful votes

ግናኸ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፡ የሱስ ባዕሉስ ኣየጥመቐን፦ ምድሪ ይሁዳ ሐዲጉ ናብ ገሊላ ተመልሰብሰማርያ ንምሕላፍ ከኣ ናይ ግዲ ኰኖ። ኣብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሃቦ ምድሪ ዘላ ሲካር ናብ እትብሀል ከተማ ሰማርያ መጸኣብኡ ኸኣ ዔላ ያእቆብ አሎየሱስ ከኣ ብምኻድ መገዲ ደኺሙኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ተቐመጠ። እቲ ጊዜኡ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረካብ ሰማርያ ኸኣ ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸትየሱስ ድማ፥ ማይ ኰታ ኣስትይኒበላደቀ መዛሙርቱ ግና ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ። ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን እዮም እሞ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲንስኻ ኣይሁዳዊ ክነስኻስካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን አሎኻ፧ በለቶ

Translation | Context
ሉቃስ 23:4-12 | 7 Helpful votes

ጲላጦስ ድማ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ነቶም ሰብን፥ ኣብዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩንበሎም። ንሳቶም ግና፥ ካብ ገሊላ ሒዙ ኽሳዕ ኣብዚ ኣብ ብዘላ ይሁዳ እናመሃረ ንህዝቢ የባዕድ አሎ፡ ኢሎም ወዓዩጲላጦስ ከኣ ገሊላ ኺብሉ ምስ ሰምዔ፡ ገሊላዊ እንተ ዀይኑ ሐተተ። ካብ ግዝኣት ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ፡ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ። ንሱውን በታ ቕነ እቲኣ ኣብ የሩሳሌም ነበረ። ሄሮድስ ንየሱስ ምስ ረአዮ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር ስለ ዝሰምዔ፡ ካብ ነዊሕ ጊዜ ሒዙ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ፡ ንሱ ዚገብሮ ተኣምራትውን ኪርኢ ይጽበ ነበረ እሞ፡ ኣዝዩ ተሐጐሰ። ብናይ ብዙሕ ነገር ከኣ ሐተቶ፡ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ኣይመለሰሉንሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ከኣ ደው ኢሎም ኣበርቲዖም ይኸስዎ ነበሩ። ሄሮድስ ድማ ምስ ገላዉኡ ዀይኑ ኣቃለሎን ኣላገጸሉንብርቕርቕ ዚብል ክዳን ከዲኑ ኸኣ ናብ ጲላጦስ መሊሱ ሰደዶቀደም ጲላጦስን ሄሮድስን ጽልኢ ነይሮምሲበታ መዓልቲ እቲኣ ተፋቐሩ

Translation | Context