Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all9 bible verses about
ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።
Translation | Contextነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ እዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፣ ንሓድሕድኩም ድማ ሰናይን ምሕረትን ግበሩ። ንመበለትን ንዘኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፡ ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እከይ ኣይሕሰበሉ።
Translation | Contextእቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን።
Translation | Contextንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ፡ ንመራሕቶም ኪእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ፡ ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም። ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና። እቲ ናይ መድሓኒና፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን። ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ። እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ነቶም ብኣምላኽ ዝአመኑ፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኪቐንኡ፡ በዚ ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም እደሊ አሎኹ። እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ። ናይ ዕሽነት ክርክርን ቍጽሪ ወለዶታትን ብናይ ሕጊ ጫውጫውን ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ኣግልሰሉ። ነቲ ሻረኛ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ጥፉእ ምዃኑ ባዕሉ ንርእሱ ዀኒኑውን ሓጢኣት ምግባሩ ፈሊጥካ፡ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዓድካዮ፡ ኣርሕቆ። ኣብ ኒቆጶሊስ ክኸርም መዲበዮ አሎኹ እሞ፡ ኣርጤማስ ወይስ ጥኪቆስ ምስ ለኣኽኩልካ፡ ቀልጢፍካ ናባይ ምጻእ። ንዜናስ ፈላጥ ሕግን ንኣጵሎስን ገለ ነገር እኳ ኸይጐድሎም ኣጸቢቕካ ኣፋንዎም። እቶም ናትናውን ብዘይ ፍረ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብግዲ ዜድሊ ነገር ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ ይምሃሩ። ምሳይ ዘለዉ ዅሎም ሰላም ይብሉኻ አለዉ። ነቶም ብእምነት ዜፍቅሩና ሰላም ይብሉኹም አለዉ በለልና። ጸጋ ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።
Translation | Contextኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ።
Translation | Contextብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት፡ ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ።
Translation | Contextነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ነፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።
Translation | Contextንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ፡ ንመራሕቶም ኪእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ፡ ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም።
Translation | Context