Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም አሎኹ፥ ጸላእትኩም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ።
Translation | Contextሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ።
Translation | Contextብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ። እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ። ምድሓን ካብቲ ዝአመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ አሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።
Translation | Contextጕድኣት እንተ ዀነ ግና፡ ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ ክትህብ ኢኻ።
Translation | Contextእቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ።
Translation | Contextኣይትቕተል።
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ። ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡ ምእንታይውን፡ ኣፈይ ምስ ከፈትኩስ፡ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ክነግር ቃል ኪውሃበኒ፡ ብዛዕባይ ብመቝሕ እተኣሰርኩ ልኡኽ እየ እሞ፡ ከም ዚግብኣኒ ዀይነ ንምዝራብ ብእኡ ኽተብዕ፡ ጸልዩለይ።
Translation | Contextኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንብ እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንደቂ እስራኤል ንሚድያናውያን ሕነ ፍደየሎም፡ ድሕሪኡ ናብ ህዝብኻ ኽትእከብ ኢኻ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ሙሴ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ካባኻትኩም ሰባት ንውግእ ይዳለዉ፡ ኣብ ሚድያን ሕነ እግዚኣብሄር ኪፈድዮ ኸኣ ንሚድያን ይኺዱ። ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሽሕ ሰብ ንውግእ ስደዱ። ካብ ኣሽሓት እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሽሕ ተዋህቡ፡ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ንውግእ ተዳለዉ። ሙሴ ድማ ነቶም ከካብ ነገድ ሽሕ ዝወጹ፡ ንኣታቶምን ነቲ ምስ ኣቓሑ መቕደስን መለኸት መመልከትን ኣብ ኢዱ ዝነበሮ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን ናብ ውግእ ሰደዶም። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ኸኣ፡ ምስ ሚድያን ተዋግኡ፡ ንዅሉ ተባዕታይ ድማ ቐተሉ። ንነገስታት ሚድያን ድማ፡ ንኤዊን ሬቀምን ጹርን ሑርን ሬባዕን፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ሚድያን ምስቶም ቅቱላቶም ቀተልዎም። ንበላዓም ወዲ ቤዖር ድማ ብሴፍ ቀተልዎ። ደቂ እስራኤል ከኣ ነንስቲ ሚድያንን ንቘልዑኤንን ማረኹ። ኲሉ ማሎምን ኲሉ ጥሪቶምን ኲሉ ገንዘቦምን ዘመቱ። ንዅለን ዚነብሩለን ከተማታቶምን ኲሉ ሰፈሮምን ከኣ ብሓዊ ኣንደዱ። ኲሉ ሰለባን ኲሉ ምርኮን፡ ሰብ ኰነ ማል ኰነ፡ ወሰዱ። ነቶም ምሩኻትን ነቲ እተዘምተን ነቲ ሰለባን ድማ ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ናይ ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጽር ያሪኮ ኣምጽእዎ። ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኲሎም ሹማምቲ እቲ ኣኼባን ድማ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኪቕበልዎም ወጹ። ሙሴ ኸኣ በቶም ካብ ውግእ እተመልሱ ሓላቑ ሰራዊት፡ በቶም ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን፡ ተናደደ። ሙሴ ድማ በሎም፡ ንዅለን ኣንስቲዶ ብህይወት ሓዲግኩምወን፡ እንሆ፡ በቲ ናይ ጴዖር ነገር፡ ብምኽሪ በላዓም፡ ንደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዘጥለማኦም ንሳተን እየን፡ ስለዚ ኸኣ ኣብቲ ኣኼባ እግዚኣብሄር መዓት ኰነ። ሕጂ ድማ ካብ ቈልዑ ተባዕታይ ዘበለ ቕተሉ፡ ምስ ተባዕታይ ብምድቃስ ሰብኣይ ዝፈለጣ ዅለን ኣንስቲ ኸኣ ቅተልወን። ብምድቃስ ንተባዕታይ ዘይፈለጣ ዅለን ኣዋልድ ግና ንኣኻትኩም ኪዀና ብህይወተን ሕደግወን። ንስኻትኩም ከኣ ክሳዕ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ስፈሩ፡ ሰብ ዝቐተለ ዘበለን እተቐትለ ዝተንከየ ዘበለን ከኣ፡ ንስኻትኩምን ምሩኻትኩምን፡ ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሳብዐይቲ መዓልትን ርእስኹም ኣንጽሁ። ኲሉ ኽዳውንትን ኲሉ ኣቕሓ ቘርበትን ካብ ጸጕሪ ጤል እተገብረ ዅለን ኲሉ ኣቕሓ ዕጨይትን ኣንጽህዎ። ካህን ኣልኣዛር ድማ ነቶም ኣብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ሰባት በሎም፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡ ወርቅን ብሩርን፡ ኣስራዚ፡ ሓጺን፡ ቈርቈሮን ዓረርን፡ ሓዊ ዚኽእል ኲሉ ነገር ብሓዊ ኣሕልፍዎ፡ ይነጽህ ድማ፡ በቲ ዜንጽህ ማይ ከኣ ይንጻህ። ሓዊ ንዘይኽእል ኲሉ ድማ ብማይ ኣሕልፍዎ። ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ክዳውንትኹም ሕጸቡ፡ ትነጽሁ ኸኣ። ድሕርቲ ሰፈር ትአትዉ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንስኻን ካህን ኣልኣዛርን ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ኣኼባን ኴንኩም፡ ነቲ ምርኮ፡ ሰቡን ማሉን፡ ቊጸርዎ። እቲ ምርኮ ነቶም ኣብ ውግእ ዝኸዱ ተዋጋእትን ንብዘሎ እቲ ኣኼባን ፍርቀ ፍርቂ ጌርኩም ምቐልዎም፡ ካብቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ ሰብ ውግእ፡ ካብ ሰብን ካብ ኣሓን ካብ ኣእዱግን ካብ ኣባጊዕን ከካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ሓንቲ ነፍሲ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኣልዕል። ካብቲ ፍርቆም ውሰዱ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዚውዝወዝ መስዋእቲ ኪኸውን፡ ንኻህን ኣልኣዛር ሀቦ። ካብቲ ፍርቂ ናይ ደቂ እስራኤል ከኣ፡ ካብ ሰብ፡ ካብ ኣሓ፡ ካብ ኣእዱግን ካብ ኣባጊዕን፡ ካብ ኲለን ከብቲ ከካብ ሓምሳ ሓደ ውሰድ፡ ነቶም ሓለዋ ማሕደር እግዚብሄር ዚሕልዉ ሌዋውያን ሀቦም። ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገበሩ። እቲ እተዘምተ፡ ካብቲ እቶም ሰብ ውግእ ዝዘመትዎ ዝተረፈ ዝማት ሹድሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ በጊዕ። ሰብዓን ክልተን ሽሕ ላም፡ ስሳን ሓደን ሽሕ ኣድጊ፡ ኲልዅለን ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰብ ከኣ ምስ ተባዕታይ ምድቃስ ዘይፈላጣ ነፍሳት ኣዋልድ። እቲ ፍርቂ፡ ግደ እቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ፡ ቊጽሪ እተን ኣባጊዕ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓን ሽሕ ሓሙሽተን ሚእትን ኰነ። ካብ ኣባጊዕ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ሹድሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ኰነ። ኣሓ ድማ ሰላሳን ሹድሽተን ሽሕ፡ ካብኡ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ሰብዓን ክልተን። ኣእዱግ ከኣ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ካብኡ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ስሳን ሓደን፡ ነፍሲ ሰብ ድማ ዓሰርተው ሹድሽተ ሽሕ፡ ካብኡ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ሰላሳን ክልተን ነፍሲ። ሙሴ ድማ እቲ ግብሪ፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዚልዓል መስዋእቲ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ፡ ንኻህን ኣልኣዛር ሀቦ። እቲ ኻብቶም ኣብ ውግእ ዝነበሩ ሙሴ ዝመቐሎ፡ ፈረቓ እቲ ግደ ደቂ እስራኤል ከኣ- እቲ ናይቲ ኣኼባ ፍርቂ፡ ካብ ኣባጊዕ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ኣሓ ሰላሳን ሹድሽተን ሽሕ፡ ኣእዱግ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ነፍሲ ሰብ ድማ ዓሰርተው ሹድሽተ ሽሕ ኰነ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ድማ፡ ሙሴ ኻብዚ ናይ ደቂ እስራኤል ፍርቂ፡ ካብ ሰብን ካብ እንስሳን፡ ከካብ ሓምሳ ሓደ ወሲዱ፡ ነቶም ሓለዋ ማሕደር እግዚኣብሄር ዚሕልዉ ዝነበሩ ሌዋውያን ሀቦም። እቶም ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ሰራዊት እተሾሙ ሓላቑ ኣሽሓትን ሓላቑ ሚእትታትን ድማ ናብ ሙሴ ቐረቡ፡ ንሙሴ ኸኣ፡ ገላዉኻ ቊጽሪ እቶም ኣብ ትሕቴና ዘለዉ ዓቀይቲ ቘጸርና፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጐደለናን። ነፍሲ ወከፍ ካባና ድማ ኣቕሓ ወርቂ ዝረከበ፡ ኣልቦ፡ ኣምባር፡ ቀለቤት፡ ኲትሻ፡ ድሪ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኼተዐርቐና፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረብና፡ በልዎ። ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከኣ ነቲ በብዓይነቱ እተሰርሔ ኣቓሑ ወርቂ ኻባታቶም ወሰድዎ። እቲ ኻብ ሓላቑ ኣሽሓትን ካብ ሓላቑ ሚእትታትን ንእግዚኣብሄር ዚልዓል መስዋእቲ ዘቕረብዎ ዅሉ ወርቂ ዓሰርተው ሹድሽተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል ኰነ። እቶም ሰብ ውግእ፡ ነፍሲ ወከፍ ነንርእሱ፡ ዚዅኖ ማሪኹ ነበረ። ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ነቲ ወርቂ ኻብ ሓላቑ ኣሽሓትን ሚእትታትን ወሲዶም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ኪኸውን፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣእተውዎ።
Translation | Contextናብ ምድሪ ዕርቂ ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር፡ ዕርቂ ከምጽእ ኣይመጻእኩን።
Translation | Contextሰራቒ ጥሒሱ ኺኣቱ ኸሎ እንተ ተረኽበ፡ ወቒዖምዎ፡ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ዕዳ ደም የብሉን።
Translation | Contextዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ።
Translation | Contextግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ።
Translation | Contextእቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ ዘሎ፡ ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን፧
Translation | Contextሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤልን እዚ መዝሙር እዚ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሎም ዘመሩሉ፡ ንሱ ኣዝዩ ክብ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር እዝምር አሎኹ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም። እግዚኣብሄር ሓይለይን መዝሙረይን እዩ፡ ምድሓን ከኣ ኰነኒ። እዚ ኣምላኸይ እዩ እሞ፡ ከክብሮ እየ። ኣምላኽ ኣቦይ እዩ፡ ክብ ከብሎ እየ። እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፡ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ንሰረገላታት ፈርኦንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም፡ እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ጠሐሉ። መዓሙቕ ከደኖም፡ ከም እምኒ ናብ ታሕቲ ወረዱ። ጐይታይ፡ የማነይትኻ ብሓይላ ኸበረት፡ ጐይታይ፡ የማነይትኻ ንጸላኢ ቐጥቀጠቶ። ብዕቤት ግርማኻ ንዝተንስኡካ ጨፍለቕካዮም፡ ቍጥዓኻ ስደድካ፡ ከም ሓሰር በልዓቶም። ብትንፋስ ኣፍንጫኻ ማያት ተዀመሩ። ወሓዝቲ ከኣ ከም ኵምራ ደው በሉ፡ ማያት መዓሙቕ ድማ ኣብ ማእከል ባሕሪ ረግኡ። እቲ ጻላኢ ኸኣ፤ ገስጊሰ ኸርክቦም እየ፡ ምርኮ ኽመቅል እየ። ነፍሰይ ከኣ ብእኦም ትጸግብ፡ ሴፈይ እመልሕ፡ ኢደይ ድማ ተጥፍኦም፡ በለ። ብንፋስካ ኣንፈስካ፡ ባሕሪ ድማ ኣጐልበቦም። ከም ዓረር ኣብ ብርቱዕ ማያት ጠሐሉ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧ ብምስጋና እተፈራህካ፡ ገባር ተኣምራት፡ ብቕድስናኸ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፧ የማነይትኻ ዘርጋሕካ፡ ምድሪ ወሐጠቶም። ነቲ እተበጆኻዮ ህዝቢ ብምሕረትካ መራሕካ። ብሓይልኻ ናብ ቅዱስ ማሕደርካ መራሕካዮም። ህዝብታት ሰሚዖም ተምበድበዱ፡ ኣብ ፍልስጥኤም ዚነብሩ ጭንቀት ሐዞም። ሽዑ ሓላቑ ኤዶም ተሸበሩ፡ ነቶም ሓያላት ሞኣብ ራዕዲ ሐዞም። ኣብ ከነኣን ዚነብሩ ዅሎም መኸኹ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ህዝብኻ ኽሳዕ ዚሐልፍ፡ እቲ ዘጥሬኻዮ ህዝቢ ኽሳዕ ዝሐልፍ፡ ስምባድን ፍርሃትን ወደቖም፡ ብሓይሊ ቕልጽምካ ኸኣ ከም እምኒ ትም ይብሉ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ናብታ ንማሕደርካ ዝገበርካያ ቦታ፡ ጐይታይ፡ ናብቲ ኣእዳውካ ዘዳለዋኦ መቕደስ፡ ኣብ ከረን ርስትኻ ተእትዎምን ትተክሎምን። እግዚኣብሄር ንወትርግ፡ ንዘለኣለም ይነግስ። ኣፍራስ ፈርኦን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማያት ባሕሪ ናብ ልዕሊኦም መለሶ፡ ደቂ እስራኤል ግና ብማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ሐለፉ። ነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፡ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻ። ሚርያም ከኣ መለሰትሎም፤ ንሱ ኣዝዩ ክብ ዝበለ እዩ፡ ንፈረስን ንፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ። ሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ባሕሪ ኤርትራ ኣንቀሎም፡ ናብ በረኻ ሹር ወጹ። ሰለስተ መዓልቲ ኣብ በረኻ ከዱ፡ ማይ ከኣ ኣይረኸቡን። ናብ ማራ ድማ መጹ፡ ማይ ማራ መሪር ነበረ እሞ፡ ኪሰትይዎ ኣይከኣሉን። ብዛዕባዚ ስማ ማራ ተባህለት። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሙሴ፡ እንታይ ክንሰቲ ኢና፧ ኢሎም ኣጕረምረሙሉ። ንሱ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ድማ ሓንቲ ኦም ኣርኣዮ፡ ናብቲ ማይ ደርበያ፡ እቲ ማይ ከኣ መቀረ። ኣብኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፡ ኣብኡ ኸኣ ፈተኖም። በለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እቲ ኣብ ዓይኑ ቕኑዕ ዝዀነ ኸኣ እንተ ገበርካ፡ ንትእዛዛቱውን ጽን እንተ በልካ፡ ኵሉ ሕጋጋቱ ድማ እንተ ሐሎኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ እሞ፡ እቲ ናብ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ። ናብ ኤሊም ድማ መጹ፡ ኣብኣ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ።
Translation | Contextዓይንኻ ኣይተናሕስየሉ፡ ኣብ ክንዲ ነፍሲ፡ ነፍሲ፡ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፡ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ፡ ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ፡ ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ።
Translation | Context