Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዓጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ።
Translation | Contextኣነስ ከምዚ ደኣ ርኤኹ፡ እቶም ሓጢኣት ዚሐርሱ፡ መከራ ኸኣ ዚዘርኡ፡ ንእኡ ይዐጽድዎ።
Translation | Contextነፍሲ ወከፍና ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገብሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ፡ ምእንቲ ኪቕበል፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንግሃድ ኢና። ስለዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ አሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ፡ ንእኡ ኸነሐጕሶ ንጽዕት አሎና።
Translation | Contextንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም አሎኹ፥ ጸላእትኩም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ።
Translation | Contextእቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ እዩ። እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።
Translation | Contextጕድጓድ ዚዅዕት ኣብኣ ይወድቕ፡ እምኒ ዜንከባልል ከኣ ንሳ ትምለሶ።
Translation | Contextከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሩኡውን ፍርዲ እተሰርዖ፡
Translation | Contextእምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextእቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን አለውዎ። ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ። እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ።
Translation | Contextኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም።
Translation | Contextደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ ኢሎም ሐተትዎ። የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ።
Translation | Contextእታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውት። ውሉድ ኣበሳ ወላዲኡ ኣይኪጸውርን፡ ወላዲ ኣበሳ ውሉዱ ኣይክጸውርን እዩ። ጽድቂ እቲ ጻድቕ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ። ልብኹም፡ በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ እንተ ጸንዔ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሐቱ።
Translation | Context