Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all5 bible verses about
እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ነታ ምድሪ ኽስሊ፡ ካብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኺሰደኒ ኸሎ፡ ኣነ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበርኩ እሞ ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ቓል መለስኩሉ።
Translation | Contextዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ሎሚ ንስኻ ንዮርዳኖስ ክትሳገሮ ኢኻ እሞ ካባኻ ዚዐብዩን ዚሕይሉን ህዝብታት፡ ክሳዕ ሰማይ ዚበጽሓ እተዐርዳ ዓበይቲ ኸተማታት፡ ዓብይን ነዊሕን ህዝቢ፡ ደቂ ዓናቅ፡ ንስኻ እትፈልጦም፡ ብዛዕባኦም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ ዓናቅ መን ደው ኪብል ይኽእል፧ ኪበሀል ዝሰማዕካ፡ ክትወርሶም ክትኣቱ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ ኸም ዚባላዕ ሓቂ ቐቅድሜኻ ኸም ዚሓልፍ ከኣ፡ ሎሚ ፍለጥ። ንሱ ኼጥፍኦም እዩ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሜኻ ኼዋርዶም እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረበካ፡ ከተውጽኦም፡ ቀልጢፍካ ድማ ከተጽንቶም ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ምስ ሰጐጎም ድማ፡ ብልብኻ፡ ጻድቕ ብምዃነይ እግዚኣብሄር ነዛ ምድሪ እዚኣ ኽወርሳ ኣእትወኒ፡ ኣይትበል። ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኻ ዚሰጎም ዘሎስ ሕሱማት ብምዃኖም ደኣ እዩ። ብጽድቅኻን ብቕንዕና ልብኻን ኣይኰንካን ንስኻ ንምድሮም እትኣትዋን እትወርሳን ዘሎኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዞም ህዝብታት እዚኦም ካብ ቅድሜኻ ዚሰጎም ዘሎ፡ በቲ ሕሱም ዝገበርዎ፡ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን፡ ዝመሐለሎም ነገር ምእንቲ ኬቕውም ደኣ እዩ። ተሪር ክሳድ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ነዛ ጽብቕቲ ምድሪ እዚኣ ስለ ጽድቅኻ ርስቲ ገይሩ ኸም ዘይሀበካ፡ ፍለጥ። ዘክር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ በረኻ ኸመይ ከም ዘዀሬኻዮ፡ ኣይትረስዕ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዝወጻእካላ መዓልቲ ጀሚርካ፡ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ፡ ንእግዚኣብሄር ዐሎኹምዎ። ኣብ ሆሬብ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣዀሬኹምዎ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ተናዲዱኩም ኬጥፍኣኩም ደለየ። ነተን ጽላት እምኒ፡ ናይቲ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኺዳን፡ እቲ ጽላት ክቕበል ናብቲ ኸረን ምስ ደየብኩ፡ ኣብቲ ኸረን እንጌራ ኸይበላዕኩ ማይ ከይሰቴኹ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ተቐመጥኩ። እግዚኣብሄር ድማ፡ በጻብዕ ኣምላኽ እተጻሕፉ ኽልተ ጽላት እምኒ ሀበኒ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ ኣኼባ ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ምሳኻትኩም እተዛረቦ ዅሉ ቓላት ከኣ ኣብኤን ተጽሒፉ ነበረ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን እግዚኣብሄር እተን ክልተ ጽላት እምኒ፡ ጽላት ኪዳን፡ ሀበኒ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ንርእሱ ኣባላሽዩ፡ ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መገዲ ቐልጢፎም ኣግሊሶም፡ ዝፈሰሰ ምስሊ ገይሮም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ቀልጢፍካ ውረድ፡ በለኒ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ርእየዮ አሎኹ፡ እንሆ፡ ንሱ ተሪር ክሳድ ህዝቢ እዩ። ከጥፍኦም፡ ስሞምውን ካብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስስ ሕደገኒ፡ ንኣኻ ድማ ካባታቶም ዚሕይልን ዚበዝሕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ ኢሉ በለኒ። ተመሊሰ ኸኣ ካብቲ ኸረን ወረድኩ፡ እቲ ኸረን ድማ ብሓዊ ይነድድ ነበረ፡ እተን ክልተ ጽላት ኪዳን ከኣ ኣብ ክልቲኤን ኢደይ ነበራ። ጠመትኩ ድማ፡ እንሆ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም በደልኩም፡ ንኣኻትኩም ዝፈሰሰ ምራኽ ገበርኩም፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዘኩም መገዲ ቐልጢፍኩም ኣግለስኩም። እተን ክልተ ጽላት ሐዝኩ፡ ካብ ክልቲኤን ኢደይ ደርብየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ሰበርክወን። በቲ እግዚኣብሄር ብኣኻትኩም ነዲሩ ኰርይዎ ዝነበረ ዅራ ኸየጥፍኣኩም ፈራህኩ እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝዀነ ምእንቲ ኸተዀርይዎ ዝገበርኩምዎ ዅሉ ሓጢኣት፡ ከምቲ ቐዳማይ፡ እንጌራ ኸይበላዕኩ ማይ ከይሰቴኹ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኩ። በታ ጊዜ እቲኣውን እግዚኣብሄር ሰምዓኒ። ንኣሮን ድማ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ተቘጥዖ፡ ኬጥፍኦውን ደለየ። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ምእንቲ ኣሮን ለመንኩ። ነቲ ዝገበርኩምዎ ሓጢኣትኩም፡ ነቲ ምራኽ ወሲደ ብሓዊ ኣንደድክዎ፡ ቀጥቂጠ ኸም ተጐጓ ኽሳዕ ዚኸውን፡ ኣድኪመ ጠሐንክዎ፡ ነቲ ተጐጓ ኸኣ ናብቲ ኻብቲ ኸረን ዚወርድ ርባ ደርቤኽዎ። ኣብ ታብዔራን ኣብ ማሳን ኣብ ቂብሮት-ሂታኣባ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣዀሬኹምዎ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ደይቡ እሞ ነታ ዝህበኩም ምድሪ ውረስዋ፡ ኢሉ ኻብ ቃዴስ-ባርኔዓ ምስ ለኣኸኩም፡ ሽዑ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዐሎኹምዎ ኣይአመንኩምዎን ቃሉውን ኣይሰማዕኩምን። ካብታ ዝፈለጥኩኹም መዓልቲ ንነጀው ንእግዚኣብሄር ዓለውቲ ኢኹም ዝነበርኩም። እግዚኣብሄር፡ ከጥፍኦም እየ፡ ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ በተን ተደፊኤለን ዝነበርኩ ኣርብዓ መኦኣልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኩ። ንእግዚኣብሄር ድማ ለመንክዎ፡ በልኩውን፡ ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ነቲ ብዕቤትካ ዘድሐንካዮ፡ ብሓያል ኢድካውን ካብ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻን ርስትኻን ኣይተጥፍእ። ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ባሮትካ ዘክር። ናብ ናይ እዚ ህዝቢ እዚ ህልኽን ምሕሳምን ሓጢኣትን ኣይትጠምት። እታ ኻብኣ ዘውጻእካና ሃገር፡ እግዚኣብሄር ናብታ ዘተስፈዎም ሃገር ኬእትዎም ስለ ዘይከኣለን ስለ ዝጸልኦምን፡ ምእንቲ ኣብ በረኻ ኺቐትሎም ኣውጽኦም፡ ከይትብል፡ እዚኣቶምሲ ብዓብዪ ሓይልኻን ብዝርግሕቲ ቕልጽምካን ዘውጻእካዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም።
Translation | Contextእቲ ኻብ ቃዴስ ባርኔዓ ኽሳዕ ርባ ዘሬድ እንሳገር ዝኸድናሉ ዘበን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሐለሎም፡ ወለዶ እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ካብ ማእከል ሰፈር ክሳዕ ዚጠፍእ፡ ሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ኰነ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ፡ ደይቡ እሞ ነታ ዝህበኩም ምድሪ ውረስዋ፡ ኢሉ ኻብ ቃዴስ-ባርኔዓ ምስ ለኣኸኩም፡ ሽዑ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዐሎኹምዎ ኣይአመንኩምዎን ቃሉውን ኣይሰማዕኩምን።
Translation | Contextደቂ እስራኤል ኣብ ግብጺ ተቐሚጦምዎ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት እዩ።
Translation | Context