Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
እምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ ሰብ ብዘይ ግብሪ ሕጊ ብእምነት ከም ዝጽጸድቕ፡ ንብል አሎና።
Translation | Contextሰብ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ እምበር፡ ብግብሪ ሕጊ ኸም ዘይጸድቕ ካብ ፈለጥና ግና፡ ኵሉ ስጋ ብግብሪ ሕጊ ዘይጸድቕ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ ብእምነት ብክርስቶስ ምእንቲ ኽንጸስቕ ብክርስቶስ የሱስ ኣመንና።
Translation | Contextነቲ በቲ ንሓጥእ ዜጽድቕ ዚአምን እምበር፡ ዘይገብር ግና፡ እታ እምነቱ ንጽድቂ ትቚጸረሉ እያ።
Translation | Contextእቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለአኸኒ ዚአምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextብክርስቶስ የሱስሲ፡ እታ ብፍቕሪ እትገብር እምነት ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ ኣይከአሎን እዩ።
Translation | Contextጽድቂ ብሕጊ እንተ ዚኸውን፡ እምብኣርከ ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ፡ ኣነስ ጸጋ ኣምላኽ ኣይንዕቕን እየ።
Translation | Contextእምበኣርሲ ኣብርሃም ኣቦና፡ ብስጋ እንታይ ረኺቡ፡ ክንብል ኢና፡ ኣብርሃም ብግብሪ ጸዲቑ እንተ ዝኸውንሲ፡ ገለ ዚምክሓሉ ምረኸበ ነይሩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ኣይኰነን። እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብል፧ ኣብርሃም ብኣምላኽ ኣመነ እሞ እዚ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ። ነቲ ዚገብር ግና ዓስቡ ኸም ዕዳ ዀይኑ እዩ እምበር፡ ከም ጸጋ ኣይኰነን ዚቚጸረሉ። ነቲ በቲ ንሓጥእ ዜጽድቕ ዚአምን እምበር፡ ዘይገብር ግና፡ እታ እምነቱ ንጽድቂ ትቚጸረሉ እያ። ዳዊት ከኣ ነቲ፡ ኣምላኽ ብዘይግብርስ ጽድቂ ዚቘጽረሉ ሰብ ብጹእ እዩ ከም ዚበሎ፡ እቶም ዓመጻኦም እተሓድገሎም ሓጢኣቶምውን እተኸድነሎም፡ ብጹኣን እዮም። ኣምላኽ ሓጢኣቱ ዘይቁጸረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እምበኣርከ፡ ንኣብርሃም እታ እምነቱ ጽድቂ ዀይና ተቘጽረትሉ፡ ንብል አሎና እሞ፡ እዛ ብጽእና እዚኣ ንግዙራት ጥራይ ድያ ወይስ ንዘይተገዝሩውን፡ ከመይ ኢላኸ እያ እተቘጽረትሉ፧ ብግዝረት ከሎ ድያ ወይስ ብዘይግዝረት፧ ብዘይግዝረት ከሎ እያ እምበር፡ ብግዝረት ከሎስ ኣይኰነትን። ነቶም ጽድቂ ምእንቲ ኪቝጸረሎም ኢሎም ከይተገዝሩ ኸለዉ ዚአምኑ ዂሎም፡ ኣቦኦም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንማሕተም እታ ብዘይግረት ከሎ ዝረኸባ ጽድቂ እምነት ናይ ግዝረት መፈለጥታ ተቐበለ። ኣቦ ግዙራትውን ኪኸውን፡ ማለት፡ ነታ ንኣብርሃም ኣቦና ብዘይግዝረት ከሎ ዝነበረቶ እምነት፡ ኣስኣሰራ ንዚኸዱ እምበር፡ ካብ ግዝረት ንዘበሉ ጥራይ ኣይኰነን። እታ ንኣብርሃም ወይስ ንዘርኡ፡ ወራስ ዓለም ምእንቲ ኪኸውን፡ እተዋሃበቶ ተስፋ ብጽድቂ እምነት እያ እምበር፡ ብሕጊ ኣይኰነትን እሞ፡ እቶም ካብ ሕጊ ዝዀኑ እንተ ዚወርሱስ፡ እምነት ከንቱ ምዀነት፡ እታ ተስፋውን ምተጠልመት ነይራ። እቲ ሕግስ ቊጥዓ እዩ ዜምጽእ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና፡ ኣብኡ ምፍራስውን የልቦን። ስለዚ ኻብ እምነት ኣብርሃም ንዝዀነ ዂሉ ዘርኢ ኸኣ እዩ እምበር፡ ካብ ሕጊ ንዝዀነ ጥራይ ኣይኰነን። እታ ተስፋ ኽትጸንዕ፡ ብጸጋ ምእንቲ ኪኽውንሲ፡ ብእምነት እዩ ዚኸውን። ኣብርሃም ከኣ ኣቦ ዂላትና እዩ፡ ከምቲ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ አሎኹ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኣመኖ፡ ንምዉታት ዜተንስኦም፡ ነቲ ዘየሎውን ከም ህልዊ ገይሩ ዚጽውዖ ኣምላኽ፡ ከምቲ ብሁል ድማ፡ ዘርእኻ ኸምዚ ኪኸውን እዩ፡ ተስፋ ኣብ ዜብሉስ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸውን ብተስፋ ኣመነ። ኣስታት ወዲ ሚእቲ ዓመት ክነሱ፡ ሙማት ስጋኡን ሙማት ማሕጸን ሳራን እናረኣየ፡ ንምእማን ኣይደኸመን፡ ግናኸ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ ንምእማን በርትዔ እምበር፡ ነታ ተስፋ እምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይተዋላወለን። ነታ ዝሃቦ ተስፋ ኺገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ፡ ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ። ስለዚ ድማ ንጽድቂ ተቘጽረትሉ። እዚ ኸኣ ስሌናውን እምበር፡ ስሊኡ ጥራይ ከም እተቘጽረሉ ኣይተጻሕፈን። ንኣና፡ በቲ ንየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ንንኣምን ከኣ፡ ይቚጸረልና እዩ። ንሱ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ።
Translation | Contextብጸጋ ካብ ዚኸውን ግና፡ እምበኣርስከ ካብ ግብሪ ኣይኮነን። ብዘይእዝስ እቲ ጸጋውን ጸጋ ኣይከውንን። ካብ ግብሪ ካብ ዚኸውን ግና ደጊም ጸጋ ኣይኮነን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ግብሪውን ግብሪ ኣይከውንን እዩ።
Translation | Contextሕግስ ሓጢኣት እዩ ዜፍልጥ እሞ፡ ስለዚ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድሚኡ ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ የልቦን።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextኣየን እሞ፡ ብእምነት ክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ እምበር፡ እቲ ብሕጊ ዚመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኰንኩን፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ።
Translation | Contextነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።
Translation | Context