Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ፡ ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ።
Translation | Contextሰብ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ እምበር፡ ብግብሪ ሕጊ ኸም ዘይጸድቕ ካብ ፈለጥና ግና፡ ኵሉ ስጋ ብግብሪ ሕጊ ዘይጸድቕ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ ብእምነት ብክርስቶስ ምእንቲ ኽንጸስቕ ብክርስቶስ የሱስ ኣመንና። ግናኸ ንሕና ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደሌና፡ ንርእስና ሓጥኣን ኴንና ኻብ ተረኸብና፡ እምብኣርሲ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጥኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን።
Translation | Contextእምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና። ብእኡ ኸኣ ናብዚ ዘሎናዮ ጸጋ ብእምነት ምእታው ዝረኸብና፡ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽውን ንምካሕ አሎና። ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ። ገና ድኹማት ከሎና፡ ክርስቶስ ብጊዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ። ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዚርከብ ኣይመስልን፡ እንድዒ ኣብ ክንዲ እቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ኺመውት ዚደፍርሲ ምናልባሽ ኣይምተሳእነን ይኸውን፡ ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ። እምብኣርሲ ሕጂ ብደሙ ምስ ጸደቕና ደኣ፡ ክንደይ ካብቲ ቚጥዓ ብእኡ ኣዚና ዘይንድሕን። ጸላእቱ ኸሎና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና፡ ካብ ተዓረቕና ደኣ፡ ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕን። ግናኸ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ ሕጂ ዕርቂ ዝረኸብና፡ ብኣምላኽውን ንምካሕ አሎና እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈ። ሕጊ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና ኣብኡ ሓጢኣት ኣይቊጸርን እዩ። ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን ሰልጠነ፡ ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ዚመጽእ እዩ። ግናኸ እቲ ውህበት ጸጋ ኽንድቲ ኣበሳ ኣይኰነን። ብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም እሞ፡ እቲ ጸጋ ኣምላኽን ውህበቱን ብጸጋ እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፡ ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዓዝዝ እዩ። እቲ ውህበት ከኣ ብመጠን እቲ ሓጢኣት ዝገበረ ሐደ ሰብኣይ ኣይኰነን። ፍርዲ ኻብ ሓደ ንዂነኔ መጸ፡ እቲ ውህበት ጸጋ ግና ካብ ብዙሕ ኣበሳ ንምጽዳቕ መጸ። ሞት ብኣበሳ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብ ገዝኤ፡ እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ኪገዝኡ እዮም። እምብኣርሲ እቶም ብዙሓት በቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኲሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኲሉ ሰብ መጸ። ኣበሳ ምእንቲ ኺዐዝዝሲ፡ ሕጊ ኣተወ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ዝዓዘዞ ግና፡ ኣብኡ እቲ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘ። ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝገዝኤ፡ ጸጋውን ከምኡ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪገዝእ እዩ።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ ሰብ ብዘይ ግብሪ ሕጊ ብእምነት ከም ዝጽጸድቕ፡ ንብል አሎና።
Translation | Contextነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶምውን ኣኽበሮም።
Translation | Contextኣየን እሞ፡ ብእምነት ክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ እምበር፡ እቲ ብሕጊ ዚመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኰንኩን፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ።
Translation | Contextገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።
Translation | Contextንሱ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ።
Translation | Contextኣብርሃም ብግብሪ ጸዲቑ እንተ ዝኸውንሲ፡ ገለ ዚምክሓሉ ምረኸበ ነይሩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ኣይኰነን።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም አሎኹ እሞ፡ ንሳቶም ኪድሕኑ፡ ስሊኦም ሃረርታ ልበይን ናብ ኣምላኽ ጸሎተይን እዩ። ክርስቶስ ነቲ ዚኣምን ዘበለ ዂሉ መደምደምታ ሕጊ ንጽድቂ እዩ እሞ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦምን ጽድቂ ርእሶም ኪተኽሉ ብምድላዮምንሲ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን። ሙሴ ብዛዕባቲ ኻብ ሕጊ ዚመጽእ ጽድቂ፡ እቲ ዝገበሮ ሰብ ብእኡ ብህይወት ኪነብር እዩ፡ እናበለ ይጽሕፍ እዩ እሞ፡ እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ ግና ከምዚ ይብል፡ ብልብኻ፡ መን ናብ ሰማይ ኪድይብ እዩ፧ ኣይትበል፡ እዚ ማለት ንክርስቶስ ኬውርዶ፡ ወይስ፡ ናብ መዓሙቝሲ መን ኪወርድ እዩ፧ እዚ ማለት ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኬውጽኦ። እንታይ ደኣ ይብል፧ እቲ ቓል ኣብ ኣፍካን ልብኻን ጥቓኻ እዩ፡ እዚ ማለት እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት እዩ። እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን። ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኻ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ፡ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧ ከመዮ፡ ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ፡ እንተ ዘይተላእኩስ፡ ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም፧ ግናከ ኢሳይያስውን፡ ጐይታይ፡ ንምስክርና መን ኣመኖ፧ ይብል እዩ እሞ፡ ኲላቶም ንወንጌል ኣይተኣዘዝዋን። እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ። ኣነ ግና፡ ከቶዶ ኣይሰምዑን እዮም፧ እብል አሎኹ። ደሃዮም ናብ ኲሉ ምድሪ ወጸ፡ ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በጽሔ፡ ብሓቂ እባ ሰሚዖም። ኣነ ግና፡ እስራኤልከሞ ኣይፈለጠን ድዩ፧ እብል አሎኹ። ቅድም ሙሴ፡ ኣነ ህዝቢ ብዘይኰነ ከቕንኣኩም፡ ኣእምሮ ብዜብሉ ህዝቢውን ከዀርየኩም እየ፡ ይብል። ኢሳይያስውን ደፊሩ፡ ነቶም ዘይደለዩኒ ተረኸብኩሎም፡ ንዘይሐተቱለይውን ተገለጽኩሎም፡ ይብል እዩ። ብዛዕባ እስራኤል ግና፡ ናብ ዘይእዙዝን ተቓዋምን ህዝቢ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኩ፡ እዩ ዚብል።
Translation | Contextእምብኣርሲ ሕጂ ብደሙ ምስ ጸደቕና ደኣ፡ ክንደይ ካብቲ ቚጥዓ ብእኡ ኣዚና ዘይንድሕን።
Translation | Context