Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ቅኑዕ ምግባር ንጻድቕ ሓጐሱ እዩ፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና ረዓድ እዩ።
Translation | Contextግናኸ ፍርዲ ኸም ማያት፣ ጽድቂ ድማ ከም ዘይነጽፍ ርባ ይውሕዝ።
Translation | Contextፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ጸጋ ምእንቲ ኺህበኩም ኪጽበ፡ ስለዚውን ምእንቲ ኺምሕረኩም ልዕል ኪብል እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቶም ዚጽበይዎ ዘበሉ ዂላቶም ብጹኣን እዮም።
Translation | Contextኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፣ እግዚኣብሄርሲ፣ ቅንዕና ኽትገብር፣ ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባካ ዚደልዮ እንታይ እዩ።
Translation | Contextምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ፣ ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጎምን፣ ንዘለአለም ይሕለዉ፣ ዘርኢ ረሲኣን ግና ይጸንት እዩ እሞ፣ ካብ እከይ ርሐቕ ሰናይ ከኣ ግበር፣ ንዘለአለምውን ክትነብር ኢኻ። ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ፣ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።
Translation | Contextኣነ እግዚኣብሄር ንቕንዕና ኤፍቅሮ፡ ንኸትርን ዓመጻን እጸልኦ እየ እሞ፡ ኢዶም ብሓቂ ኽፈድዮም፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከኣ ምስኦም ክኣቱ እየ።
Translation | Contextነቲ በደለኛስ፡ ጻድቕ ኢኻ ዚብሎ፡ ህዝብታት ኪረግምዎ፡ ኣህዛብውን ኪፍንፍንዎ እዮም። እቶም ዚግስጽዎ ግና ደሓን ኪዀኑ እዮም፡ ኣብ ልዕሊኦም በረኸትን ጽቡቕ ዕድልን ኪወርድ እዩ።
Translation | Contextኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ።
Translation | Contextፍርዲ ዚሕልዉ፣ ኵሉ ጊዜ ጽድቂ ዚገብሩ ብጹኣን እዮም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፣ ንሓድሕድኩም ድማ ሰናይን ምሕረትን ግበሩ።
Translation | Contextእቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ።
Translation | Contextኣብ ቅድሚ ረሲእ ሰንከልከል ዚብል ጻድቕ፡ ከምቲ ኣተዘርገ ዓይኒ ማይን ከም ዝሰበበ ዔላን እዩ።
Translation | Contextኣነ ብልበይ ንዅሉ ነገርን ንዅሉ ተግባርን ኣብኡ ጊዜ ተመዲብዎ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ነቲ ጻድቕን ነቲ ረሲእንሲ ኪፈርዶም እዩ፡ በልኩ።
Translation | Context