Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

judging false teachers


ሮሜ 16:17-18 | 10 Helpful votes

ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎምእምዕደኩም አሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎንብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ

Translation | Context
ማቴዎስ 7:15 | 9 Helpful votes

ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 8 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ

Translation | Context
2ይ ዮሃንስ 1:10-11 | 5 Helpful votes

ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎሰላምውን ኣይትበልዎ። እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:8 | 5 Helpful votes

ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲተጠንቀቑ

Translation | Context
2ይ ዮሃንስ 1:7 | 4 Helpful votes

የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት መስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 7:24 | 4 Helpful votes

ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 4:3-4 | 3 Helpful votes

ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕክትገንሕክትቀጽዕክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:16 | 3 Helpful votes

ብፍሪኣም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዂዶ ወይኒ ይቕንጠብ፡ ካብ ተዀርባስ በለስ

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 2:1-22 | 3 Helpful votes

ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም። ብዙሓት ድማ ብርኽሰቶም ኪስዕብዎም እዮም፡ ብሰሮምውን እታ መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ። ብስስዔ ብዘረባ ጥበራ ገይሮም፡ መናገዲ ኺገብሩኹም እዮም፡ ፍርዶም ካብ ቀደም ኣይዐርፍን ጥፍኣቶምውን ኣይድቅስን እዩ። ኣምላኽ ግና ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ እኳ ናብ ገሃነም ደርብዩብመቝሕ ጸልማት ተኣሲሮም ንፍርዲ ኺሕለዉ ኣሕሊፉ ሀቦም እምበር፡ ካብ ዘይነሐፎም፡ ነታ ቐዳመይቲ ዓለም ድማ ካብ ዘይነሐፋስ፡ ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ፡ ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ። ነቶም ደሓር ዚመጹ በደለኛታት መሰክሒ ገይርወንንኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ሓሙዅስቲ ገይርወን ንምግምጣል ፈረደን። ነቲ ብኣበሳኦምን ብርኹስ ንብረቶምን ዚስቀ ዝነበረ ሎጥ ጻድቕ ግና ኣድሐኖ፡ ማለት፡ እቲ ጻድቕ ኣብ ማእከሎም ኪነብር ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ በቲ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ ትስቀ ነበረት። እምብኣርስኸ ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ይፈልጥ እዩ። ምናዳ ግና ነቶም ብርኹስ ትምኒት ደድሕሪ ስጋ ዚኸዱንጕይትነት ከኣ ዚንዕቁደፋራት፡ ፈተውቲ ርእሶም፡ ንኽብርታት ኪጸርፉ ዘየንቀጥቅጡመላእኽቲ እኳ ብሓይልን ብስልጣንን ዚበልጹ ኽነሶምሲ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ንኣታቶም ዚጻረር ፍርዲ ጸርፊ ኣየምጽኡን እዮም። እዚኣቶም ግና ከምታ ንማእሰርቲን ንጥፍኣትን እተፈጥረት በሃም እንስሳ እዮም፡ ነቲ ዘይፈልጥዎ እናጸረፉ ብጥፍኣቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ዓስቢ ዓመጻኦምውን ኪቕበሉ እዮም። ነቲ ናይ ዕለት ሕንቃቐ ኸም ጥዑም ንብረት ገይሮም ይርእይዎርኹሳትን ነውራማትን እዮም፡ ብምጥባሮም እናተቐለቡ ምሳኻትኩም ኣብ መኣዲ ይበልዑ አለው። ዝሙት ዝመልኣ ኻብ ሓጢኣት ከኣ ዘየቛርጻ ኣዒንቲ ኣለዋኦም፡ ነተን ዘይጸንዓ ነፍሳት ይሐብልወንስስዔ ዝለመደ ልቢ አለዎም፡ ደቂ መርገም እዮም። ነታ ቕንዕቲ መገዲ ሐዲጎም ተጋገዩ፡ መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በልኣም ወዲ ቦሶር ሰዐቡ። ስለ ኣበሳኡ ግና መግናሕቲ ተቐበለ፡ በሃም ኣድጊ ጽዕነት ብድምጺ ሰብ ተዛረበትንጽላለ እቲ ነብዪ ኸኣ ዐገተትንሳቶም ማይ ዜብሉ ዔላታት ህቦብላ ዚኽብክቦ ግመን እዮም፡ ንኣታቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተኣኪብሎም አሎ። ከንቱ ዝዀነ ዘረባ ትዕቢት እናተዛረቡ ብፍትወት ስጋን ብርኽሰትን ነቶም ካብቶም ብስሕተት ዚነብሩ ሕጂ ቕሩብ ዘምለጡ ይሐባብሉ፡ እተሳዕረ ሰብ ነቲ ዝሰዐሮ ባርያኡ ይዀኖ እዩ እሞ፡ ንሳቶም ንርእሶም ባሮት ጥፍኣት ክነሶም፡ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እናበሉ፡ የተስፍውዎም አለዉ። ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብታ ርኽሰት ዓለም ኣምሊጦም፡ ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ፡ ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን። ማለት፡ ንሳቶም እናፈለጥዋ ኻብቲ እተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዚምለሱስ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሔሾም ነይሩከምቲ እቲ ምስላ ሓቂከልቢ ናብ ትፍኡ ተመልሰሓሰማውን ተሐጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት፡ ዚብሎ በጺሕዎም አሎ።

Translation | Context
2ይ ዮሃንስ 1:10 | 2 Helpful votes

ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎሰላምውን ኣይትበልዎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:1-5 | 2 Helpful votes

ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩምብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒትብሎእንሆጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። ኣታ ግብዝቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ።  ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ

Translation | Context
ዮሃንስ 8:44 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹምእታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 2:2 | 2 Helpful votes

ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻንነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከኣልካንነቶም ሃዋርያት ኢና ዚብሉ እሞ ዘይኰኑተዐዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮምንእፈልጥ አሎኹ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:11 | 2 Helpful votes

ግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ

Translation | Context
ገላትያ 5:22-23 | 2 Helpful votes

እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪሓጐስዕርቂዓቕሊለውሃትሕያውነትእምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን

Translation | Context
ሮሜ 16:17 | 2 Helpful votes

ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎምእምዕደኩም አሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎንብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ

Translation | Context