Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all2 bible verses about
ያእቆብ ድማ ኣብታ ኣቦኡ ተሰዲድዋ ዝነበረ ምድሪ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ተቐመጠ። ወለዶ ያእቆብ እዚ እዩ። ዮሴፍ፡ ወዲ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ምስ ኰነ፡ ምስ ኣሕዋቱ ጤለበጊዕ ይጓሲ ነበረ። ንሱ ብንእስነቱ ኾሎ ኸኣ ምስ ደቂ ቢልሃን ምስ ደቂ ዚልጳን ኣንስቲ ኣቦኡ ነበረ። ዮሴፍ ድማ እቲ ኽፉእ ወሬኦም ነቦኦም የምጽኣሉ ነበረ። እስራኤል ንዮሴፍ፡ ወዲ እርግናኡ ነበረ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም ደቁ ይፈትዎ ነበረ። ወለል ዚብል ቀምሽ ከኣ ገበረሉ። እቶም ኣሕዋቱ፡ ኣቦኦም ሓለፋ ዅላቶም ኣሕዋቱ ኸም ዝፈተዎ ርእዮም፡ ጸልእዎ፡ ብሰላም ኪዛረብዎ ድማ ኣይከኣሉን። ዮሴፍ ከኣ ሕልሚ ሐለመ ነሕዋቱ ድማ ነገሮም። መሊሶም ከኣ ኣዝዮም ጸልእዎ። ንሱ ድማ፡ ዝሐለምክዎ ሕልሚ እማ ስምዑ፡ እንሆ፡ ንሕና ኣብ ማእከል ግራት እንዳእቲ ንኣስር ነበርና። እንሆ ኸኣ፡ እንዳእተይ ተንሲኣ ትኽ በለት። እንሆ ድማ፡ እንዳእትኹም ንእንዳእተይ ከቢበን ሰገዳላ፡ በሎም። ሽዑ ኣሕዋቱ፡ እሞ ብሓቂዶ ኣብ ልዕሌና ኽትነግስ፡ ብሓቂዶኸ ኽትገዝኣና ኢኻ፧ በልዎ። መሊሶም ከኣ ብዛዕባ ሕልምታቱን ዘረባኡን ኣዝዮም ጸልእዎ። ካልእ ሕልሚ ድማ ሐለመ፡ ነሕዋቱ ኸኣ ነገሮም፡ እንሆ፡ ካልእ ሕልሚ ሐለምኩ፡ እንሆ ድማ፡ ጸሓይን ወርሕን ዓሰርተው ሓደ ከዋኽብትን ሰገዱለይ፡ በለ። ነቦኡን ነሕዋቱን ድማ ነገሮም፡ ኣቦኡ ኸኣ ገንሖ፡ እዚ ዝሐለምካዮ እንታይ ሕልሙ እዩ፧ ብሓቂዶ ኣነን ኣዴኻን ኣሕዋትካን መጺእና ኣብ ምድሪ ኽንሰግደልካ ኢና፧ በሎ።
Translation | Contextእንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።
Translation | Context