Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

john the baptist


ማቴዎስ 11:11 | 12 Helpful votes

ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወለደ ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዐቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ

Translation | Context
ሉቃስ 1:13-17 | 10 Helpful votes

እቲ መልኣኽ ድማ በሎዘካርያስጸሎትካ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራሕሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልድካ እያ፡ ስሙውን ዮሃንስ ክትሰምዮ ኢኻ። ንሱ ሓጐስን ተድላን ኪዀነልካ እዩ፡ ብልደቱ ኸኣ ብዙሓት ኪሕጐሱ እዮም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ኪኸውን እዩ እሞ። ወይንን ዜስክር መስተን ከኣ ከቶ ኣይኪሰትን እዩ። ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ኸሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪመልኦ እዩ። ንብዙሓት ካብ ደቂ እስራኤልውን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኪመልሶም እዩ። ንሱ ብቑዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኬዳሉልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ኪመልስብመንፈስ ኤልያስን ብሓይሉን ቀቅድሚኡ ኪኸይድ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:19-25 | 8 Helpful votes

ኣይሁድንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለአኹሉምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎንሱ ኸኣኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻኣይኰንኩንኢሉ መለሰሎምሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብልበልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነስከምቲ ነብዪ ኢሳይያስመገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑዝበሎኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎምእቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ

Translation | Context
ዮሃንስ 1:25 | 7 Helpful votes

ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ

Translation | Context
ሉቃስ 1:57-66 | 6 Helpful votes

ኤልሳቤጥ ክትወልድ ኣዋርሕ በጽሔ ወዲውን ወለደትጐረባብታን ኣዝማዳን ድማ፡ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖምምስኣ ተሐጐሱኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ነቲ ሕጻን ኪገርዝዎ መጹብስም ኣቦኡ ኸኣ ዘካርያስ ሰመይዎ። ሽዑ ኣዲኡኣይፋሉንዮሃንስ እዩ ዚስመኢላ መለሰትንሳቶም ከኣ፡ ካብ ዓሌትኪ በዚ ስም እዚ እተሰምየ የልቦን፡ በልዋ ነቦኡ ድማ እንታይ ኪስመ ኸም ዚደሊእናኣመልከቱ ሐተትዎ። ንሱ ንእሽቶ ሰሌዳ ለሚኑስሙ ዮሃንስ እዩ፡ ኢሉ ጸሐፈኵሎም ከኣ ተገረሙብኡብኡ ኣፉ ተኸፈተልሳኑውን ተፈትሔ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ኸኣ ተዛረበ። ኣብ ኵሎም ጐረባብቶም ከኣ ፍርሃት ኰነብዘሎ እዚ ነገርዚ ኣብ ኵላ ዝባን ይሁዳ ተወርየዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ፥ እዚ ህጻን እዝስ እንታይ ኰን ኪኸውን እዩ፧ ኢሎም ኣብ ልቦም ሐዝዎኢድ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረት።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:21 | 5 Helpful votes

ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎንሱ ኸኣኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻኣይኰንኩንኢሉ መለሰሎም

Translation | Context
ማቴዎስ 17:11-13 | 5 Helpful votes

ንሱ ኸኣ መሊሱ በሎም፡ ብሓቂ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዅሉ ድማ የቕንዕ። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ ኤልያስ ቅድሚ ሕጂ መጺኡ፡ ከም ዝደለዩ ገበርዎ እምበር፡ ኣየለልይዎን። ንወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ንሳቶም ሓሳረ መከራ ኼጽግብዎ እዮም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥምቕ ከም ዝበሎም ኣስተውዐሉ

Translation | Context
ማቴዎስ 3:1-17 | 4 Helpful votes

በቲ ወርሓት እቲ ዮሃንስ መጥምቕመንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ፡ ተነስሑኢሉ እናሰበኸ፡ ናብ በረኻ ይሁዳ መጸ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉመገዱውን ኣቕንዑኢሉ እተነግረሉ ንሱ እዩ። ክዳን ዮሃንስ ካብ ጸጉሪ ገመል ነበረ፡ ዕጣቕ ሕቝኡ ድማ ፈልቍ፡ ቀለቡ ኸኣ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ነበረ። ሽዑ የሩሳሌምን ኵላ ይሁዳን ብዘላ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ መጸትሓጢኣቶም እናተአመኑ ኸኣ፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ። ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ብዙሓት ናብ ጥምቀቱ ኺመጹ ምስ ረአየ ግና በሎምኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኸም እትመልቁኸ መን ሐበረኩምእምበርስከ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ። ብልብኹምኣብርሃም ኣቦ አሎና፡ ከም እትብሉ ኣይምሰልኩምንኣብርሃምሲ ኻብዚ ኣእማን እዚ ውሉድ ኬተንስኣሉንኣምላኽ ከም ዚከአሎእብለኩም አሎኹ። ካብ ብሕጂ እኳ ማሕጸ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተነቢሩ አሎ፡ እምበኣርሲ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቝረጽናብ ሓዊ ድማ ይድርበኣነስ ንንስሓ ብማይ ኤጥምቐኩም አሎኹ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ፡ ኣነስ ኣሳእኑ ኽጸውር እኳ ኣይበቅዕን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ። ዓውዱ ዜጽርየሉ መስኤ ኣብ ኢዱ አለዎ፡ ሰርናዩ ኣብ ቈፎኡ ይእክብ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ። ሽዑ የሱስ ብዮሃንስ ኪጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸዮሃንስ ግና፡ ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእኢሉ አበዮየሱስ ከኣ፡ ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ ፈቐደሉ። የሱስ ምስ ተጠምቀብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸእንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተመንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረአየእንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።

Translation | Context
ማርቆስ 1:1-45 | 4 Helpful votes

መጀመርታ ወንጌል ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽከምቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ እንሆመገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ አሎኹ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ ከምኡ ኸኣ ዮሃንስ ኣብ በረኻ እናኣጥመቐንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ጥምቀት ንስሓ እናሰበኸ መጸ። ብዘላ ሃገር ይሁዳን ኵሎም ሰብ የሩሳሌምን ናብኡ ይወጹብሓጢኣቶም እናተናዘዙውን፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ። ክዳን ዮሃንስ ከኣ ጸጕሪ ገመልዕጣቕ ሕቝኡውን ፈልቍ ነበረ፡ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ይምገብ ነበረ። ንሱ ኸኣ፡ ካባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ደኒነ ንምፍታሕ ስራኽ ኣሳእኑ ዘይበቅዕድደሕረይ ይመጽእ አሎ። ኣነ ብማይ ኤጥምቐኩም አሎኹ፡ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ኬጥምቐኩም እዩ፡ እናበለ ሰበኸበቲ ቕነ እቲ ዀነየሱስ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ መጸ፡ ብዮሃንስ ከኣ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀካብ ማይ ምስ ወጸብኡብኡ ሰማያት ኪኽፈታመንፈስ ድማ ከም ርግቢ ኺወርድ ከሎ ረአየ። ካብ ሰማይ ከኣ፡ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ንስኻ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺ መጸመንፈስ ከኣ ብኡብኡ ናብ በረኻ ኣውጽኦኣብቲ በረኻ ድማ፡ ሰይጣን እናፈተኖኣርብዓ መዓልቲ ጸንሔ። ምስ ኣራዊት ከኣ ነበረ፡ መላእኽቲውን ኣገልገልዎድሕሪ ማእሰርቲ ዮሃንስ ከኣ የሱስ ናብ ገሊላ መጸ እሞ፡ እቲ ዘመን ተፈጸመመንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበትተነስሑ ብወንጌልውን እመኑእናበለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ። ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ኣብ ባሕሪ ኺድርብዩ ኸለዉ ረኣዮምየሱስ ድማ፡ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዓቡኒበሎምብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዓብዎካብኡ ንእሽቶ ሕልፍ ኢሉ ኸኣ፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን ኣብ ጃልባ መርበቦም ኬዕርዩ ኸለዉ ረኣዮምብኡብኡ ጸውዖምነቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ግዙኣቱ ኣብ ጃልባ ሐዲጎም ሰዓብዎ። ኣብ ቅፍርናሆም ኣተዉብኡብኡ ኸኣ ብሰንበት ናብ ቤት ጸሎት አትዩ መሃረከምቶም ጻሓፍቲ ዘይኰነስስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ በቲ ምህሮኡ ተገረሙ። ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ርኹስ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ናዝራዊምሳኻ እሞ እንታይ አሎናከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ አሎኹ፡ እናበለ ጨደረየሱስ ከኣ፡ ስቕ በልካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ። እቲ ርኹስ መንፈስ ከኣ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደረ ኸኣ ካብኡ ወጸኵሎም ድማ፡ እንታይ እዩ እዚ፧ እዝስ እንታይ ሓድሽ ምህሮኡ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፡ ንሳቶም ከኣ ይእዘዙሉ አለዉ፡ እናበሉ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚተሓታተቱ ሰምበዱወሪኡ ድማ ብኡብኡ ናብ ኵላ ሃገር ገሊላ ወጸካብ ቤት ጸሎት ወጺኡ ድማ፡ ብኡብኡ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ኣተወሓማት ስምኦን ከኣ ዓሶ ሐሚማ ነበረት፡ ብኡብኡ ብዛዕባኣ ነገርዎ። ንሱ ድማ ናብኣ ቐሪቡኢዳ ሒዙ ኣተንስኣብኡብኡ እቲ ዓሶ ሐደጋ፡ ንሳውን ኣገልገለቶምምስ መሰየጸሓይ ምስ ዓረበትሕማም ዘለዎምኣጋንንቲውን ዝሐደሮም ኵሎም ናብኡ ኣምጽኡብዘላ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ገበላ ተአከበት። ብዙሕ ዝዓይነቱ ሕማም ዘለዎምብዙሓት ሕሙማት ከኣ ኣሕወየ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲውን ኣውጽኤ፡ እቶም ኣጋንንቲ ኸኣ ይፈልጥዎ ነበሩ እሞ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምንኣንጊሁ ተንሲኡገና ለይቲ ኸሎ፡ ወጸ። ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ጸለየስምኦንን እቶም ምስኡ ዘለውን ድማ ኪደልይዎ ኸዱ። ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ ኵሎም እምበር ይደልዩኻ አለዉ፡ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ምእንትዚ እየ ወጺኤ ዘሎኹ እሞ፡ ኣብ ካልእ ኣብዚ ቐረባ ዓድታትውን ኣብኡ ኽሰብኽ፡ ንዑናይ ንኺድበሎም። ኣብ ቤት ጸሎቶም እናሰበኸ ኣጋንንቲውን እናእውጽኤ ኣብ ኵላ ሃገር ዞረ። ሓደ ለምጻም ናብኡ መጸተምበርኪኹ ድማ፡ እንተ ትፈቱስከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ለመኖየሱስ ከኣ ደንገጸሉኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፡ ፈትየ አሎኹ፡ ንጻህበሎእዚ ምስ በለ፡ እቲ ለምጺ ብኡብኡ ሐደጎነጽሄ ኸኣ። የሱስ ድማ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ክንዲ ዝነጻህካውን ንኣታቶም ምስክር ኪዀኖም፡ እቲ ሙሴ ዝአዘዞ መባእ ኣቕርብ እምበር፡ ንሓደ እኳ ገለ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛሪቡ ሰደዶ። ንሱ ግና ወጺኡ ብዙሕ ኪሰብኽን ነቲ ነገር ኬውርዮን ጀመረየሱስ ከኣ ኣብ ወጻኢ ኣብ ጽምዊ ስፍራ ነበረ፡ ካብ ኵሉ ወገን ድማ ናብኡ ይመጹ ነበሩ እምበር፡ ብግልጺ ናብ ከተማ ኺኣቱ ኣይኰነሉን

Translation | Context
ዮሃንስ 10:41 | 4 Helpful votes

ብዙሓት ድማ ናብኡ መጺኦምዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን እቲ ዮሃንስ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ዘበለ ዅሉ ግና ሓቂ ዀነበሉ

Translation | Context
ዘዳግም 18:15 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ማእከልካ፡ ካብ ኣሕዋትካ፡ ከማይ ዝበለ ነብዪ ኼተንስኣልካ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:22-36 | 3 Helpful votes

ድሕርዚ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ። ዮሃንስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይአተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ። ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ሓደ ኣይሁዳውን ብዛዕባ ምጽራይ ክርክር ተንስኤናብ ዮሃንስ መጺኦምመምህርእቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻውን ዝመስከርካሉእንሆንሱ የጥምቕኵሉ ኸኣ ናብኡ ይኸይድ አሎ፡ በልዎዮሃንስ ከኣ መሊሱ በለሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተዋህቦስ ሓንቲ እኳ ኺወስድ ኣይክእልን እዩ። ኣነ ቀቅድሚኡ ደኣ ተለኣኽኩ እምበር፡ ክርስቶስ ኣይኰንኩን ከም ዝበልኩንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም። እቲ መርዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ እዩእቲ ደው ኡሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመንሱ ኺዓቢኣነ ግና ክንእስ ይግባእ። እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩካብ ምድሪ ዝዀነ ምድራዊ እዩ፡ ናይ ምድሪውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዘሎ ግና፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። ነታ ምስክሩ ደኣ ዚቕበላ የልቦን እምበር፡ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን እዩ ዚምስክርእቲ ነታ ምስክሩ እተቐበላ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሐተመኣምላኽ መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ዝለኣኾንሱ ቓል ኣምላኽ እዩ ዚነግርኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ ኵሉ ኣብ ኢዱ ሃቦብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:3 | 3 Helpful votes

ድምጺ ኣዋጂ ይኣውጅመገዲ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ኣዳልውኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ

Translation | Context
ማቴዎስ 3:13-17 | 3 Helpful votes

ሽዑ የሱስ ብዮሃንስ ኪጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸዮሃንስ ግና፡ ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእኢሉ አበዮየሱስ ከኣ፡ ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ ፈቐደሉ። የሱስ ምስ ተጠምቀብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸእንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተመንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረአየእንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።

Translation | Context
ማቴዎስ 3:15 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ ፈቐደሉ።

Translation | Context