Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

22 bible verses about

jezebel


ራእይ 2:20 | 9 Helpful votes

ግናኸ ነታ፡ ነብዪት እየእናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውኤ ኺበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ አሎኹ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 9:30-37 | 6 Helpful votes

ኢዛቤል ድማ የሁ ናብ ይዝርኤል ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔትኣዒንታ ተዂሒላርእሳ ኸኣ ተሰሪሓ ብመስኰት ኰይና ትጥምት ነበረት። የሁ ብደገ ምስ ኣተወ ድማ፡ ኣታ ዚምሪ ቐታል ጐይታኡደሓን ዲኻ፧ በለቶ። ንሱ ኸኣ ገጹ ናብ መስኰት ኣንቃዕሪሩምሳይ መን አሎ፧ መን፧ በለ። ሽዑ ኽልተ ሰለስተ ስሉባት ናብኡ ኣቢሎም ግልጽ በሉ። ንሱ ድማ፡ ኣጽድፍዋበለኣጽደፍዋ እሞ፡ ካብቲ ደማ ናብ መንደቕን ናብ ኣፍራስን ተነጽገረጊጽዋ ኸኣ ሐለፈምስ ኣተወ ድማ፡ በሊዑን ሰትዩን። በጃኹም፡ ነዛ ርግምቲ እዚኣ ርአይዋ፡ ንሳ ጓል ንጉስ እያ እሞ፡ ቅበርዋበለኪቐብርዋ ከኣ ኸዱ፡ ግናኸ ብጀካ ቐረንትቀራን ኣእጋርን ግናዕ ኣእዳዋን ገለ እኳ ኣይረኸቡላንተመሊስም ድማ ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ እቲ ብባርያኡ ኤልያስ ቲስቢታዊንስጋ ኢዛቤል ኣብ ግራት ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ሬሳ ኢዛቤል ድማ፡ እዚኣስ ኢዛቤል እያ፡ ዚብል ክሳዕ ዘይርከብኣብ ልዕሊ ግራት ይዝርኤል ከም ድዂዒ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር እዩ፡ በለ

Translation | Context
1ይ ነገስት 18:4 | 5 Helpful votes

በቲ ኢዛቤል ንነብያት እግዚኣብሄር ዘጽነተትሉ ጊዜ፡ ኣብድያ ሚእቲ ነብያት ወሲዱበብሓምሳ ገይሩ ኣብ በዓቲ ሐብኦምእንጌራን ማይን ድማ ይምግቦም ነበረ።

Translation | Context
ገላትያ 5:19-21 | 5 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝርርኽሰትዕብዳንኣምልኾ ጣኦትጥንቈላጽልኢባእሲቅንኢቍጥዓሻራምፍልላይዝርግርግቅንኣትቅትለትስኽራንጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 9:30 | 4 Helpful votes

ኢዛቤል ድማ የሁ ናብ ይዝርኤል ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔትኣዒንታ ተዂሒላርእሳ ኸኣ ተሰሪሓ ብመስኰት ኰይና ትጥምት ነበረት።

Translation | Context
1ይ ነገስት 21:5-16 | 4 Helpful votes

ሰበይቱ ኢዛቤል ድማ ናብኡ መጺኣእንጌራ ዘይትበልዕ፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ መንፈስካ ጒህዩ ዘሎ፡ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ንናቦት ይዝርኤላዊብገንዘብ፡ ወይ ንስኻ እንተ ፈቶኻ፡ ኣብ ክንዳኡ ኻልእ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካስ፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይንኻ ነበርኩ፡ ንሱ ግና ኣታኽልቲ ወይነይሲ ኣይህበካን እየ፡ ኢሉኒበላሰበይቱ ኢዛቤል ከኣ፡ ሕጂስ ንስኻ ደይኰንካን ኣብ እስራኤል እትገዝእ ዘሎኻ፡ ተንስእእንጌራ ብላዕልብኻውን ይተሐጐስኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ኣነ ኽህበካ እየ፡ በለቶብስም ኣከአብ ደብዳቤታት ጽሒፉብማሕተሙ ድማ ሐቲማ፡ ነተን ደብዳቤታት ናብቶም ኣብ ከተማ ናቦት ምስኡ ዚነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ሰደደተን። ኣብተን ደብዳቤታት ድማ፡ ጾም ኣውጁንናቦት ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኣቐምጥዎ። ኣብ መንጽሩ ድማ ክልተ ሰብ ደቂ ብልያል ኣቐምጡ። ንሳቶም ከኣ፡ ንኣምላኽን ንንጉስን ረጊምካ ኢኻ፡ ኢሎም ይመስክሩሉኣውጺኦም ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ይሙት ከኣ፡ ዚብል ጸሐፈት። እቶም ሰብ እታ ኸተማኡ፡ እቶም ኣብ ከተማኡ ዚቕመጡ ዝነበሩ ዓበይትን ክቡራትን ከኣ ከምቲ ኢዛቤል ዝለአኸትሎም፡ ከምቲ ኣብተን ዝሰደደትሎም ደብዳቤታት ተጽሒፉ ዝነበረ ገበሩ። ጾም ኣውጆም ንናቦት ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኣቐመጥዎ። እቶም ክልተ ሰብ ደቂ ብልያል ከኣ መጺኦም ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ፡ እቶም ናይ ብልያል ሰባት ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝብ፡ ናቦት ንኣምላኽን ንንጉስን ረጊሙኢሎም ንናቦት መስከሩሉናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣውጺኦም ከኣ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ። ሽዑ፡ ናቦት ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉሞይቱኢሎም ንኢዛቤል ለአኹላ። ኰነ ኸኣ፡ ኢዛቤል ናቦት ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዔት፡ ኢዛቤል ንኣከኣብ፡ ናቦት ብህይወቱ የሎንሞይቱ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ብገንዘብ ከይህበካ ዝአበየ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ውረሶበለቶ። ኰነ ድማ፡ ኣከኣብናቦት ከም ዝሞተ ምስ ሰምዔኣከአብ ኪወርሶ ተንሲኡ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ወረደ

Translation | Context
2ይ ነገስት 9:10 | 4 Helpful votes

ንኢዛቤል ድማ ኣብ ቃድራ ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም፡ ዚቐብራ ከኣ የልቦን፡ በለ። ማዕጾ ኸፊቱ ድማ ሀደመ

Translation | Context
1ይ ነገስት 19:1 | 4 Helpful votes

ኣከኣብ ድማ እቲ ኤልያስ ዝገበሮ ዂሉን ንዂሎም ነብያት ከኣ ብሴፍ ከም ዝቐተሎምን ንኢዛቤል ነገራ

Translation | Context
2ይ ነገስት 3:2 | 4 Helpful votes

ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ከም ኣቦኡን ኣዲኡን ግና ኣይኰነን፡ ንሱስ ነቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓወልቲ በዓል ኣርሐቖ

Translation | Context
2ይ ነገስት 9:22 | 3 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ዮራም ንየሁ ምስ ረአዮየሁደሓን ዲኻበለ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ናይ ኣዴኻ ኢዛቤል ምንዝርናን እቲ ብዙሕ ኣስማታን ክሳዕ ዘሎእንታይ ደሓኑ እዩ፧ በለ

Translation | Context
2ይ ነገስት 9:7 | 3 Helpful votes

ኣነ ኸኣ ደም ባሮተይ ነብያትን ደም ዂሎም ባሮት እግዚኣብሄርን ካብ ኢድ ኢዛቤል ሕነ ኽፈድስንቤት ጐይታኻ ኣከኣብ ከተጽንታ ኢኻ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 21:23 | 3 Helpful votes

ብዛዕባ ኢዛቤልውን እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረቦንኢዛቤል ኣብ ጸግዒ መከባብያ ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም።

Translation | Context
1ይ ነገስት 21:25 | 3 Helpful votes

ሰበይቱ ኢዛቤል ትድርኾ ነበረት እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባርሲ፡ ከም ኣከአብ ገይሩ እተሸጠ ኣይነበረን።

Translation | Context
ራእይ 22:15 | 3 Helpful votes

እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም።

Translation | Context
ራእይ 21:8 | 3 Helpful votes

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
ሚክያስ 5:12 | 2 Helpful votes

ካብ ኢድካ ኣስማትነት ከጥፍእ እየ፣ ጠንቈልቲ ኸኣ ኣይኪህልዉካን እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 150:1-6 | 2 Helpful votes

ሃሌሉያንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ አመስግንዎ፣ ስለቲ ግብርታት ሓይሉ አመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ አመስግንዎ። ብድምጺ መለኸት አመስግንዎብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖሃሌሉያ

Translation | Context
1ይ ነገስት 18:13 | 2 Helpful votes

በቲ ኢዛቤል ንነብያት እግዚኣብሄር ዝቐተለትሉ ጊዜ፡ ካብ ነብያት እግዚኣብሄር ሚእቲ ሰብ በብሓምሳ ገይረ ኣብ በዓቲ ሐቢኤ እንጌራን ማይን ከም ዝመገብክዎምሲ፡ እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ንጐይታይዶ ኣይነገሩኻን እዮም፡

Translation | Context
ሩት 1:1-22 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ በቲ መሳፍንቲ ዚገዝእሉ ዝነበሩ ዘበን፡ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኮነ። ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱን ክልተ ደቁን ካብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኪቅመጥ ከደስም እቲ ሰብኣይ እቲ ኤሊሜሌክ፡ ስም ሰበይቱ ኸኣ ናእሚ፡ ስም ክልቲኦም ደቁውን ማሕሎንን ኪልዮንን ይበሀሉ፡ ኤፍራታውያን ካብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ነበሩ። ናብ ምድሪ ሞኣብ መጺኦም ከኣ ኣብኣ ተቐመጡ። ኤሌሜሌክ ሰብኣይ ናእሚ ድማ ሞተ እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲኦም ደቃ ተረፈት። ንሳቶም ከኣ ሞኣባውያን ኣንስቲ ኣእተዉስም እታ ሓንቲ ዖርጳ፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ሩት ነበረ። ዓሰርተ ዓመት ዚአክል ኣብኡ ተቐመጡማሕሎንን ኪልዮንን ከኣ ክልቲኦም ሞቱ። እታ ሰበይቲ ድማ ካብ ክልቲኦም ደቃን ካብ ሰብኣያን ተረፈት። ሽዑ ንሳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከላ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸም ዝበጽሖምእንጌራውን ከም ዝሀቦም ስምዔት እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲኤን ኣንስቲ ደቃ ተንሲኣ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ተመልሰት። ንሳ፡ ክልቲኤን ኣንስቲ ደቃ ኸኣ ምስኣ፡ ካብታ ዝነበረታ ቦታ ወጸት። ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺምለሳ ድማ መገደን ከዳናእሚ ኸኣ ንኽልቲኤን ኣንስቲ ደቃኪዳነፍሲ ወከፍክን ነናብ ቤት ኣዴኽን ተመለሳ። ከምቲ ምስቶም ምውታትን ምሳይን ዝገብርክናኦእግዚኣብሄር ምሳኻትክን ምሕረት ይግበርነፍሲ ወከፍክን ከኣ ኣብ በቤት ሰብኣይክን ዕረፍቲ ኽትረኽባ እግዚኣብሄር ይሀብክን፡ በለተን። ሽዑ ሰዐመተን፡ ንሳተን ከኣ ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያ፡ ኣይፋልናን ምሳኺ ደኣ ናብ ህዝብንኺ ንምለስ በላኣናእሚ ግና፡ ደቀየ፡ ስለምንታይከ ምሳይ እትኸዳተመለሳ ደኣ፡ ደጊምዶ ሰብኡትክን ዝኾኑ ደቂ ኣብ ከርሰይ ኣልዮምኒ፧ ደቀየሰብኣይ ከይእቶ ኣሪገ እየ ኣሞ፡ ኪዳ ደኣ ተመለሳተስፋ አሎኒ እኳ እንተ ዝብልሲ፡ ኤረ ሎሚ ለይቲ ሰብኣይ እንተ ዝእቶኣወዳት ከኣ ኣንተ ዝወልድንሳቶም ክሳዕ ዚዐብዩዶ ኽትጸንሓ ኢኽን፧ ምእንቲ እዚኸ ሰብኣይ ከይተአቶኽንዶ ኽትነብራ ኢኽን፧ ኣይፋልክን ደቀየኢድ እግዚኣብሄር ኣባይ ወጺኣ እያ እሞ፡ ካብ ንኣኻትክንሲ ኣዝዩ ንኣይ ይመርር በለተን። ሽዑ መሊሰን ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያዖርጳ ንሓማታ ስዐመታሩት ግና ምስኣ ተጸግዔት። ንሳ ድማ፡ ሰበይቲ ሓሙትኪ እንሃናብ ህዝባን ናብ ኣምላኻን ተመሊሳ፡ ንስኺውን ደድሕሪ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲበለታሩት ግና፡ ሐዲገኪ ኻባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይትበልኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሓድርዮ ኸኣ እሐድርህዝብኺ ህዝበይኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ። ኣብታ እትሞትላ እመውትኣብኣ ድማ እቕበር፡ ንኣይን ንኣኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዮናስእግዚኣብሄር ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸኣ ይወሰኸኒ በለት። ምስኣ ንምኻድ ከም ዝቖረጸት ምስ ረአየትምዝራባ ሓደገት። ናብ ቤት-ልሄም ክሳዕ ዚበጽሓ ኸኣ ክልቲኤን ከዳ። ኮነ ድማ፡ ናብ ቤት-ልሄም ምስ ኣተዋ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ብዛዕባኤን ተበዐደት። እተን ኣንስቲ ኸኣ፡ እዚኣስ እምበርዶ ናእሚ እያ፧ በላ። ንሳ ድማ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ብዙሕ ኣመሪሩኒ እዩ እሞ፡ ማራ ደኣ በላኒ እምበር፡ ናአምስ ኣይትበላኒ። ኣነ መሊኤ ኸድኩእግዚኣብሄር ከኣ ጥራየይ መለሰኒ። እግዚኣብሄር ካብ መስከረለይእቲ ዅሉ ዝኽእል ድማ ካብ ኣኽፍኣለይከ፡ ስለምንታይ ናእሚ ትብላኒ ኣሎኽን፧ በለተን። ናእሚ ድማ ተመልሰትሩት እታ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ኸኣ ምስኣ ነበረት። ንሳተን ብመጀመርታ ዓጺድ ስገም ናብ ቤት-ልሄም ኣተዋ

Translation | Context
1ይ ነገስት 16:31 | 2 Helpful votes

ኰነ ኸኣ፡ እቲ ብሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ምኻዱ ቐሊልዎስ፡ ንኢዛቤልጓል ኤትባዓል ንጉስ ሲዶንሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳከይዱ ድማ ንበዓል ኣገልገሎሰገደሉውን

Translation | Context
1ይ ነገስት 21:27-29 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ኣከኣብ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዔክዳውንቱ ቐደደስጋኡ ማቕ ከዱኑ ጾመ፡ ኣብ ማቕ ድማ ደቀሰቀስ ኢሉውን ይኸይድ ነበረ። ሽዑ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ ቲስቢታዊ መጺኡ በሎኣከአብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሐተስ ርኢኻዮዶ፡ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሐተ፡ ነቲ ኽፉእ ብዘመኑ ኣየምጽኦን፡ ነቲ ኽፉእስ ብዘመን ወዱ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ከምጽኦ እየ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 19:1-21 | 2 Helpful votes

ኣከኣብ ድማ እቲ ኤልያስ ዝገበሮ ዂሉን ንዂሎም ነብያት ከኣ ብሴፍ ከም ዝቐተሎምን ንኢዛቤል ነገራሽዑ ኢዛቤል ልኡኽ ሰዲዳንኤልያስጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኸም ነፍሲ ሓደ ኻባታቶም እንተ ዘይገይረያስኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚውን ይወስኹኒበለቶንሱ ኸኣ እዚ ምስ ረአየነፍሱ ምእንቲ ኼድሕን ተንሲኡ ኸደናብ ብኤር-ሸባዕ ናይ ይሁዳ መጸ፡ ነቲ ጊልያኡ ኸኣ ኣብኣ ሐደጎንሱ ግና ኣብ በረኻ መገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፡ ናብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው መጺኡ ኾፍ በለሞት ተመንዩ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄርኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ፡ ሕጂ ይአኽለኒንነፍሰይ ውሰዳበለ፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው ከኣ በጥ ኢሉ ደቀሰእንሆ ድማ፡ መልኣኽ ነቒኒቑተንስእ እሞ ብላዕበሎእንተ ጠመተ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ርሱን እምኒ እትሰንከተ ቕጫን ሳር ማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ በጥ በለ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ መሊሱ ኻልኣይ ሳዕ ነቕኒቑነዊሕ መገዲ አሎካ እሞ፡ ተንሲእካስ ብላዕበሎንሱ ድማ ተንሲኡ በልዔን ሰተየን እሞ፡ ብሓይሊ እቲ ብልዒ እቲ ኽሳዕ ሆሬብ፡ እቲ ኸረን ኣምላኽኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ። ኣብኡ ኸኣ ናብ በዓቲ ኣተወ፡ ኣብኡውን ሐደረእንሆ ድማ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጺኡ፡ ዎ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር አሎኻ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶምንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒኤ አሎኹኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ። ንነፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ አለዉ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ወጺእካ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በል፡ በለእንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሐለፈቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ኣኽራን ሰንጠቐኣኻውሕ ድማ ሰባበረእግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረንድሕሪ እቲ ንፋስ ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ኣይነበረንድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ድማ ሓዊ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፡ ድሕሪ እቲ ሓዊ ኸኣ ህዱእ ቅሩብ ደሃይ መጸ። ኰነ ድማ፡ ኤልያስ እዚ ምስ ሰምዔገጹ ብባርኖሱ ኸደነወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ፡ ድምጺ ናብኡ መጺኡኣታ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር አሎኻበሎ። ንሱ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎምንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶምንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒኤ አሎኹኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹንነፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ አለዉ፡ በለእግዚኣብሄር ከኣኪድብበረኻ ደማስቆ ኣቢልካ በታ ዝመጻእካያ መገዲ ተመለስኣብኣ ምስ መጻእካ ድማንሃዛኤል ኣብ ሶርያ ኺነግስ ቅብኣዮንየሁ ወዲ ኒምሺ ኸኣ ኣብ እስራኤል ኪነግስ ቅብኣዮንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ብዓል ኣቤል-ሜሆላ ድማ ኣብ ክንዳኻ ነብዪ ኪኸውን ቅብኣዮ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነቲ ኻብ ሴፍ ሃዛኤል ዝመለቘ፡ የሁ ኪቐትሎ እዩ፡ ነቲ ኻብ ሴፍ የሁ ዝመለቘ ድማኤልሳእ ኪቐትሎ እዩ። ኣነ ግና ንበዓል ዘይተንበርከኻሉ ዂለን ኣብራኽን ዘይሰዐሞ ዂሉ ኣፍን ኣብ እስራኤል ሾብዓተ ሽሕ ሰብ ንኣይ ከትርፍ እየ፡ በለ። ካብኡ ኸይዱ ኸኣ ንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ንሱ ቐቅድሚኡ ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ ገይሩ ኼሕርስ ከሎ ረኸቦንሱ ኸኣ ምስቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ እዩ ዝነበረ። ኤልያስ ድማ ናብኡ ሐሊፉ ባርኖሱ ኣውደቐሉ። ንሱ ኸኣ ነቶም ኣብዑር ሐዲጉደድሕሪ ኤልያስ ጐይዩ፡ በጃኻ፡ ነቦይን ነደይን ስዒመስ፡ ደድሕሪኡ ኽስዕበካ፡ ፍቐደለይ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ እንታይ እሞ ገይረካ እየኪድ ተመለስበሎ። ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ተመሊሱ ኸኣጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ሐረዶም፡ ነቲ ስጋኦም ድማ በቲ ናውቲ እቶም ኣብዑር ኣብሲሉነቶም ህዝቢ ሀቦምበልዑውንተንሲኡ ደድሕሪ ኤልያስ ከይዱ ኸኣ የገልግሎ ነበረ።

Translation | Context