Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም፡ ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም፡ ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም። እቲ ንደቂ እስራኤል እትዛረቦም ነገር እዚ እዩ።
Translation | Contextኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ እሞ፣ ኣቱም ደቂ ያእቆብል ስለዚ ኣይጠፋእኩምን።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንቓሉ ብቚሩጽን ምዱብን ገይሩ ኣብ ምድሪ ኺፍጽሞ እዩ እሞ፡ ኢሳይያስ ብዛዕባ እስራኤል፡ ቊጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ተረፍ ጥራይ እዩ ዚድሕን፡ ኢሉ ይጭድር።
Translation | Contextወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ፡ ንዚኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ።
Translation | Contextብዚርኤ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኰነን እሞ፡ እታ ብዚርኤ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረትውን ግዝረት ኣይኰነትን።
Translation | Contextማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን። ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኻ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ፡ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧
Translation | Contextኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።
Translation | Contextመንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡
Translation | Contextየሱስ መሊሱ በለ፥ ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ካህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ፡ ርእይዎ ሐለፈ። ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ ብጽሔ፡ እናረኣዮ ሐለፈ። ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረአዮ ኸኣ ደንገጸሉ። ናብኡ ቐሪቡ ኣቑሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ አለዮ። ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሀቦ እሞ፥ ተኸናኸኖ፡ ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኸፈድየካ እየ፡ በሎ። ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧ ንሱ ድማ፥ እቲ ምሕረት ዝገበረሉ፡ በለ። የሱስ ከኣ፡ ኪድከ፡ ንስኻውን ከምኡ ግበር፡ በሎ።
Translation | Contextጸበባኻን ድኽነትካን፦ ግናኸ ሃብታም ኢኻ፦ ጸርፊ እቶም ኣይሁድ ኢና ዚብሉን፦ ግናኸ ማሕበር ሰይጣን እዮም እምበር፡ ኣይሁድስ ዘይኰኑ፦ እፈልጥ አሎኹ።
Translation | Contextእንሆ፡ ካብቶም፡ ኣይሁድ ኢና፡ ዚብሉ ማሕበር ስይጣን፡ ግናኸ ይሕስዉ አለዉ እምበር፡ ኣይሁድሲ ዘይኰኑ፡ እህበካ አሎኹ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ዚመጹን፡ ኣብ ቅድሚ እግርኻ ኸም ዚሰግዱን ኣነ ኸም ዘፍቀርኩኻውን ከም ዚፈልጡን፡ ክገብሮም እየ።
Translation | Contextመወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፡ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፡ ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም እዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ።
Translation | Contextጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።
Translation | Context