Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all3 bible verses about
እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለአኸኒ ዚአምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextሕጂ ድማ ነዚ እንብሎ ዘሎና ኣውራ ነገሩ እዚ እዩ፡ ንሕናስ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ እተቐመጠ፡ ናይቲ፡ ጐይታ ደኣ እምበር፡ ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ፡ ከምዚ ዘመሰለ ሊቀ ኻህናት አሎና። ሊቀ ኻህናት ዘበለ መባእን መስዋእትን ኬቕርብ ይሽየም እዩ እሞ፡ ስለዚ ነዚውን ገለ ዜቕርቦ ኺህልዎ ብግዲ እዩ። እምብኣርከ ኣብ ምድሪ እንተ ዚኸውንሲ፡ ከምቲ ሕጊ ገይሮም መባእ ዜቕርቡ ስለ ዘለዉ፡ ንሱ ከቶ ኻህን ኣይምዀነን ነይሩ። እቲኣቶም ናይታ ሰማያዊት ምስልን ጽላሎትን ዜገልግሉ፡ ንሙሴ፡ እቲ ድንኳን ኪገብር ኪደሊ ኸሎ፡ ብራእይ ከም እተባህለሉስ፡ ኵሉ ኸምታ ኣብ ከረን ዝርኤኻያ ምስሊ ኽትገብር ኣስተብህል፡ በሎ። ሕጂ ግና ንሱ ማእከላይ ኣብ እትሐይሽ ተስፋ እተሰረተ፡ ዚበልጽ ኪዳንውን ከም ዝዀነ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዝበለጸ ኣገልግሎት ረኸበ። ነቲ ቐዳማይ ኪዳን መነቀፊ እንተ ዘይህልዎ፡ ነቲ ኻልኣይሲ ስፍራ ኣይምተደልዮን ነይሩ። ስለዚ ኸኣ እናነቐፎም ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ከምታ ብኢዶም ሒዘ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኦም ከሎኹ መዓልቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን። ንሳቶም ብኺዳነይ ኣይጸንዑን እሞ፡ ኣነውን ሸለል በልክዎም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ንሕጋጋተይ ኣብ ሓሳቦም ከእትዎ ኣብ ልቦምውን ክጽሕፎ እየ፡ ኣነ ኣምላኽ ክዀኖም እየ፡ ንሳቶምውን ህዝቢ ኪዀኑኒ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ዓመጻኦም ክምሕር እየ እሞ፡ ንሓጢኣቶምውን ድሕርዚ ኣይክዝክሮን እየ፡ ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ዚፈልጡኒ ስለ ዝዀኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ንወዲ ዓዱን ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን፡ ንእዝጊ ፍለጦ፡ ኢለ ኣይኪምህሮን እዩ። ሓድሽ ኪዳን ብምባሉ ነቲ ቐዳማይ ኣእረጎ። እቲ ዝአረገን ዝበለየን ግና ንጥፍኣት ቀረባ እዩ።
Translation | Contextየሱስ ግና ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ። ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ኣንጊሁ ኸም ብሓድሽ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ብዘሎ እቲ ህዝቢውን ናብኡ መጸ፡ ተቐሚጡ ኸኣ ይምህሮም ነበረ። ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፥ መምህር፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተትሒዛ። ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና አሎ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ። መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ እዚ ኢሎም ፈተንዎ። የሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ። ደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ፡ በሎም። ከም ብሓድሽ ከኣ ደኒኑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ። ንሳቶም ግና እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሕሊናኦም ተረትዑ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕሮት፡ ኵሎም በብሓደ ወጹ። የሱስ ምስታ ኣብ ማእከል ደው ኢላ ዘላ ሰበይቲ በይኑ ተረፈ። የሱስ ከኣ ቅንዕ ኢሉ ብዘይ እታ ሰበይቲ ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ምስ ረአየ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ አለዉ፡ ዝፈርደኪዶ የልቦን፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ሓደ እኳ፡ ጐይታይ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፡ ኪዲ እሞ ደጊም ኣይትበድሊ፡ በላ። ሽዑ የሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም። ፈሪሳውያን ከኣ፡ ንስኻ ንርእስኻ ትምስክር አሎኻ፡ ምስክርካ ሓቂ ኣይኰነን፡ በልዎ። የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኣነ ንርእሰይ እኳ እንተ መስከርኩ፡ ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምስክረይ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ንስኻትኩም ፍርዲ ስጋ ኢኹም እትፈርዱ ዘሎኹም፡ ኣነስ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እየ። ኣነን እቲ ዝለአኸኒ ኣቦን ኢና እምበር፡ በይነይ ኣይኰንኩን እሞ፡ ኣነ እንተ ፈረድኩ ኸኣ፡ ፍርደይ ሓቂ እዩ። ምስክር ክልተ ሰብሲ ሓቂ ምዃኑ ኣብቲ ሕግኹም ጽሑፍ አሎ። ኣነ እየ ብናይ ርእሰይ ዝምስክር ዘሎኹ፡ እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይውን ይምስክረለይ አሎ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣቦኻኸ ኣበይ አሎ፡ በልዎ። የሱስ ድማ፡ ንኣይ ወይስ ነቦይ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ንኣይ እንተ ትፈልጡኒ ግና፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፡ ኢሉ መለሰ። የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ጥቓ ሳጹን ምጽዋት ኰይኑ ኺምህር ከሎ፡ እዚ ቓልዚ ተዛረበ። ግናኸ ጊዜኡ ገና ስለ ዘይበጽሔ፡ ዝሐዞ የልቦን። ስለዚ የሱስ ከም ብሓድሽ፥ ኣነ እኸይድ አሎኹ፡ ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ብሓጢኣትኩም ከኣ ክትሞቱ ኢኹም። ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ በሎም። ሽዑ ኣይሁድ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ ምባሉስ፡ ንነፍሱ ደዀን ኪቐትላ ኢሉ፡ በሉ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ። ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩን። ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም እሞ፡ ስለዚ እየ፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እቲ ኻብ ቀደም እነግረኩም ዝነበርኩ እየ። ብዛዕባኹም ዝዛረቦን ዝፈርዶን ብዙሕ አሎኒ። እቲ ዝለአኸኒ ግና ብዓል ሓቂ እዩ፡ ካብኡ ዝሰማዕክዎ ንዓለም እነግር አሎኹ፡ በሎም። ንሳቶም፡ ብዛዕባ ኣቦ ኸም እተዛረቦም፡ ኣይፈለጡን። ስለዚ የሱስ፡ ንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን፡ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም። እቲ ዝለአኸኒ ኸኣ ምሳይ አሎ። ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ እሞ፡ በይነይ ኣይሐድገንን እዩ፡ በሎም። ንሱ እዚ ምስ ተዛረበ፡ ብዙሓት ብእኡ አመኑ። ስለዚ የሱስ ነቶም ብእኡ ዝአመኑ ኣይሁድ፡ ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኰይንና ተገዛእናዮ ከቶ የብልናን። ከመይ ኢልካ ኢኻ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እትብለና ዘሎኻ፧ ኢሎም መለሰሉ። የሱስ መለሰሎም፥ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፥ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ። ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ንዅሉ ጊዜ ኣይነብርን፡ ውሉድ ግና ንዅሉ ጊዜ ይነብር እዩ። ስለዚ ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም፡ ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም። ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምሲ እፈልጥ አሎኹ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይኣተወ ግና፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም፡ ኣነ ኣብ ኣቦይ ዝርኤኽዎ እዛረብ አሎኹ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ኣቦኹም ዝርኤኹምዎ ትገብሩ አሎኹም። ንሳቶም፥ ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፥ ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም። ሕጂ ግና ንኣይ፡ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብኣይ፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም፡ ኣብርሃም ከምዚ ኣይገበረን። ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ አሎኹም፡ በሎም። ንሳቶም፥ ንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን ሓደ ኣቦ አሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እዩ፡ በልዎ። የሱስ በሎም፥ ኣነ ኻብ ኣምላኽ እየ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን እሞ፡ ንሱ ደኣ ልኢኹኒ እዩ እምበር፡ ባዕለይ ኣይመጻእኩን ስለዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም። ስለምንታይከ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ፡ ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይኰነልኩም እዩ። ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ። ንኣይ ግና፡ ሓቂ ስለ ዝነገርኩ፡ ኣይትኣምኑንን። ካባኻትኩም ብሓጢኣት ዚረትዓኒኸ መን አሎ፧ ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኰንኩኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ዘይትኣምኑኒ፧ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩምን እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ። ኣይሁድ ከኣ፥ ሳምራዊ ምዃንካ ጋኔንውን ከም ዘሎካስ፡ ጽቡቕዶ ንብል ኣየሎናን፧ ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ የሱስ፡ ኣነስ ነቦይ ደኣ ኤኽብሮ አሎኹ እምበር፡ ጋኔንሲ የብለይን። ንስኻትኩም ከኣ ተሕስሩኒ አሎኹም። ኣነ ንርእሰይ ክብረት ኣይደልን እየ፡ እቲ ዚደልን ዚፈርድን ግና አሎ። ቃለይ ዚሕሉ እንተሎ፡ ንዘለኣለም ሞት ከም ዘይርኢ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። ኣይሁድ ድማ፥ ጋኔን ከም ዘሎካ፡ ሕጂ ፈለጥና። ኣብርሃም እኳ ሞይቱ ነብያትውን። ንስኻ ግና፥ ቃለይ ዚሕሉ ንዘለኣለም ሞት ኣይጥዕምን እዩ ትብል አሎኻ። ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ ንስኻ ትዓቢ፧ ነብያትውን ሞይቶም። ንርእስኻ መን ትገብራ አሎኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፥ ኣነ ርእሰይ እንተ ኣኽበርኩ፡ ክብረተይ ፍረ የብሉን። ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ። ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፡ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ ዝብል ከኣ፡ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምዀንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፡ ቃሉውን እሕሉ እየ። ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሕጐሰ፡ ረኣያ እሞ ባህ በሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። ኣይሁድ ከኣ ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፡ ንኣብርሃምዶ ርኢኻዮ ኢኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፥ ኣነ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ከም ዘሎኹ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ስለዚ ኺድርብዩሉ እምኒ ኣልዐሉ። የሱስ ግና ተሐብኤ ኻብ ቤተ መቕደስውን ብማእከሎም ሐሊፉ ወጸ።
Translation | Context