Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ኣነ ኸኣ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፣ ንሳቶም ድማ ነተን ዝባደማ ኸተማታት ኪሀንጽወንን ኪነብርወንን እዮም። ኣታኽልቲ ወይኒ ኪተኽሉ፣ ወይኒ ኸኣ ኪሰትዩ፣ ኣታኽልቲ ኺገብሩ፣ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ኣነ ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ፣ ድሕርዚ ኸኣ ካብታ ዝሀብክዎም ምድሮም ከቶ ኣይኪምንቈሱን እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ።
Translation | Contextእንሆ፣ መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመጽእ አላ፣ ዘመቴኺ ኸኣ ኣብ ማእከልኪ ኺምቀል እዩ። ኣነኸኣ ኵላቶም ኣህዛብ ንየሩሳሌም ኪዋግእዋ ኽእክቦም እየ፣ እታ ኸተማ ኽትትሐዝ እያ፣ ኣባይቲ ኺዝመት እዩ፣ ኣንስቲውን ኪንውራ እየን፣ ፍርቂ እታ ኸተማ ድማ ተማሪኻ ኽትወጽእ እያ፣ ካብቲ ህዝቢ ዝተረፈ ግና ካብታ ኸተማ ብጥራስ ኣይኪጠፍእን እዩ። ሽዑ እግዚኣብሄር ኪወጽእ፣ ከምቲ ብመዓልቲ ውግእ እተዋግኦ፣ ነቶም ኣህዛብ ኪዋግኦም እዩ። በታ መዕልቲ እቲኣ ኣእጋሩ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ የሩሳሌም ኣብ ምብራቕ ዘሎ ኸረን ዘይቲ ኪቐውም እዩ። እቲ ኸረን ዘይቲ ኸኣ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ኣብ ማእከሉ ኺስንጥቕ፣ ኣዝዩ ዓብዪ ሽንጭሮውን ኪኸውን እዩ፣ ፍርቂ እቲ ኸረን ናብ ሰሜን፣ ፍርቁ ድማ ናብ ደቡብ ኪዘብል እዩ። ሽንጭሮ እቲ ኣኽራን ክሳዕ ኣጸል ኪበጽሕ ኣዩ እሞ፣ ንስኻትኩም በቲ ሽንጭሮ ኣኽራነይ ክትሀድሙ ኢኹም። ብዘመን ኡዝያ ንጉስ ይህዳ ኻብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸም ዝሀደምኩም፣ ክትሀድሙ ኢኹም። እግዚኣሄር ኣምላኸይ ኪመጽእ እዩ፣ ኵላቶም ቅዱሳን ከኣ ምሳኻ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ብርሃንሲ ድነ ኪኸውን እዩ እምበር፣ ነጸብራቕ ኣይኬብርህን እዩ። ኣብ እግዚኣብሄር እተፈልጠት ሓንቲ መዕልቲውን ትኸውን፣ መዕልቲ ወይስ ለይቲ ኣይኰነን፣ ግናኸ ኣጋ ምሸት ብርሀን ኪኸውን እዩ። በታ መዕልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፣ ህያው ማያት ካብ የሩሳሌም፣ ፈረቓኡ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፣ ፈረቓኡ ኸኣ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ኣቢሉ ኺወጽእ እዩ፣ ብሓጋይን ብኽረምትን ኪህሉ እዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ኵላ ምድሪ ኺነግስ እዩ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ሓደ፣ ስሙውን ሓደ ኪኸውን እዩ። ኵላ እታ ሃገር ካብ ጌባዕ ክሳዕ ሪሞን ደቡብ የሩሳሌም ናብ ጐልጐል ክትልወጥ እያ። የሩሳሌም ከኣ ልዕል ክትብል፣ ካብ ደገ ብንያም ክሳዕ እቲ ቦታ ቐዳመይቲ ደገ፣ ክሳዕ ደገ ዅርናዕ፣ ካብ ግምቢ ሃናንኤል ድማ ክሳዕ መጽመቝ ንጉስ ኣብ ቦታኣ ኽትነብር እያ። ኣብኣ ኺነብሩ እዮም፣ ድሕርዚ ድማ መርገም ኣይኪኸውንን እዩ፣ የሩሳሌምውን ሀዲኣ ኽትነብር እያ። እዚ ኸኣ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ንየሩሳሌም ዚወግእዋ ዅላቶም ህዝብታት ዝወቕዓሉ መዓት እዩ፣ በእጋሮም ደው ኢሎም ከለዉ ስጋኦም ኪምሽምሽ እዩ፣ ኣዒንቶም ኣብ ጕድጓደን ኪምሽምሻ እየን፣ ልሳኖም ድማ ኣብ ኣፎም ክትምሽምሽ እያ። በታ መዓልቲ ኸኣ ኪኸውን እዩ፣ እግዚኣብሄር ዓብዪ ዕግርግር ኬተንስኣሎም እትዩ። ንሳቶም ድማ ኢድ ሓድሕዶም ኪተሓሐዙ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ ብጻዩ ኺልዐል እዩ። ይሁዳ ድማ ንየሩሳሌም ኪዋግኣ እዩ፣ ሃብቲ እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ፣ ኣዛዩ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን፣ ኪድለብ እዩ። ከምኡውን እታ ንፈረስን ንበቕልን ንገመልን ንኣድግን ነቶም ኣብቲ ሰፈር ዘለዉ ዅላቶም እንስሳን እትወቅዕ መዓት ከምዛ መኦኣት እዚኣ ኽትከውን እያ። ክኸውን ድማ እዩ፣ ካብቶም ኣንጻር የሩሳሌም መጺኦም ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብ ዝተረፉ ዘበሉ ዅላቶም ንንጉስ፣ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪሰግዱን በዓል ዳስ ኬብዕሉን ኣብ ዐዓመት ኪድይቡ እዮም። ኪከውን ድማ እዩ፡ ገለ ኻብዞም ዓሌት ምድሪ ነቲ ንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኪሰግዱሉ፡ ናብ የሩሳሌም እንተ ዘይደየቡ፡ ኣብኦም ዝናም ኣይኪዘንምን እዩ። ዓሌት ግብጺ እንተ ዘይደየቡን ዘይመጹን ከኣ ናብ ኦምውን ኣይኪዘንምን እዩ። እዚ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም በዓል ዳስ ኬብዕሉ ዘይድይቡ ኣህዛብ ዚቐጽዓሉ መዓት እዩ። እዚ እቲ ቕጽዓት ግብጽን ቅጽዓት እቶም በዓል ዳስ ኬብዕሉ ዘይድይቡ ዅላቶም ኣህዛብን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቃጽል ኣፍራስ፡ ቅዱስ ንእግዚኣብሄር፡ ዚብል ኪጽሐፍ እዩ። እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ድስትታትን ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ዘሎ ሓሊባት ኪኸውን እዩ። ድስቲ ዘበለ ዅሉ ኣብ የሩሌምን ኣብ ይሁዳን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪቕደስ እዩ። እቶም መስዋእቲ ዚስዋኡ ዅላቶም ከኣ ኪመጹ እዮም እሞ ካብኡ ወሲዶም ኣብኡ ኬብስሉ እዮም። በታ መዕልቲ እቲኣ ድማ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከነኣናዊ ከቶ ኣይኪህሉን እዩ።
Translation | Contextእንሆ ኸኣ፣ በተን መዓልታት እቲኤንን በቲ ጊዜ እትንን ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ካብ ምርኮ ምስ መለስኩዎም፣ ብዛዕባ ህዝበይን ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን ነቶም ፋሕ ዘበልዎም ንምድረይ ከኣ እተማቐልዋ ኣህዛብ፣ ኣብኡ ምሳታቶም ንፍርዲ ኺኣቱስ፣ ንዅሎም ህዝብታት ክእክቦም፣ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ከኣ ከውርዶም እየ። ንህዝበይ ዕጭ አውድቐሉ፣ ነመንዝራ ሰበይቲ ዋጋኣ ቘልዓ ሀቡ፣ ጓል ድማ ንወይኒ ሽጥዋ ስተዩ ኸኣ። ኣቱም ጢሮስን ሲዶናን ኵልኻትኩም ሃገር ፍልስጥኤምን፣ ምሳይ እንታይ ኣሎክም፡ ብሩረይን ወርቀይን ወሲድኩም፣ ነቲ ዜብህግ ክቡር ኣቓሖይ ከኣ ናብ መቓድስኩም ኣእቲኹም፣ ንደቂ ይሁዳን ንደቂ የሩሳሌምን ከኣ ካብ ዶቦም ከተርሕቕዎምሲ፣ ናብ ደቂ ዮናናውያን ሼጥኩምዎም ኢኹም እሞ፣ ፍዳዶ ክትፈድዩኒ ኢኹም፡ ምንም እኳ ፍርዲ ፍዳ እንተ ፈዴኹምኒ፣ ኣነ ቐልጢፈ ብድንገት ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ። እንሆ፣ ኣነ ኻብቲ ዝሸጥኩምዎም ስፍራ ኸበግሶም እየ፣ ፍዳኹምውን ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ። ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ናብ ኢድ ደቂ ይሁዳ ኽሸጦም እየ፣ ንሳቶምውን ናብቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ህዝቢ፣ ናብ ሰብ ሳባ ኺሸጥዎም እዮም። እዚ እግዚኣብሄር ትዛሪብዎ እዩ። እዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣውጁ፣ ውግእ ኣዳልዉ፣ ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም፣ ኵሎም ተዋጋእቲ ይቕረቡ፣ ይውጽኡ። ማሕረሻኹም ሰይፊ፣ ማዕጺድኩም ከኣ ኲናት ስርሕዎ። እቲ ድኹም ድማ፣ ኣነ ጅግና እየ፣ ይበል። ኣቱም ኣብ ከባቢ ዘሎኹም ኵልኹም ህዝብታት፣ ቀልጥፉ፣ ንዑ ተኣከቡ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብኡ ጀጋኑኻ ኣውርዶም። ኣነ ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ክፈርድሲ፣ ኣብኣ ክቕመጥ እየ እሞ፣ እቶም ህዝብታት ይበገሱ፣ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ይውጽኡ። እከዮም ስለ ዝዐበየ፣ ቀውዒ በጺሑ እዩ እሞ፣ ማዕጺድ ስደዱ፣ እቲ መጽመቝ መሊኡ፣ ኣጋንእ ከኣ ይጅርብብ አሎ እሞ፣ ንዑ ርገጹ። መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ለሰ ምምዳብ ቀሪባ እያ እሞ፣ ጭፍራ፣ ጭፍራ ኣብ ለሰ ምምዳብ። ጸሓይን ወርሕን ይጽልማ፣ ከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ይሐብኡ። እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይጓዝም፣ ድምጹ ኻብ የሩሳሌም የስምዕ፣ ሰማይን ምድርን ከኣ የንቀጥቅጥ። ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቈቢ፣ ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ እዩ። ኣነ ኣብ ቅዱስ ከርነይ ኣብ ጽዮን ዝነብር እግዚኣቢሄር ኣምላኽኩም ከም ዝዀንኩ፣ ክትፈልጡ ኢኹም። የሩሳሌም ከኣ ቅድስቲ ኽትከውን እያ፣ ድሕርዚውን ጓኖት ኣይኪሐልፍዋን እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ ኣኽራን ኰልዒ ወይኒ ኪነትዑ፣ ኵርባታት ድማ ጸባ ኬውሕዙ፣ ካብ ኵሉ ርባታት ይሁዳ ኸኣ ማይ ጃሕጃሕ ኪብል እዩ። ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኒ ማይ ኪፍልፍል፣ ንለሰ ሽጢም ድማ ኬስትያ እዩ። ኣብ ምድሮም ንጹህ ደም ክዕዮም እዮም እሞ፣ ብሰሪ እቲ ንደቂ ይሁዳ እተገብረ ዓመጻ፣ ግብጺ ኽትባድም፣ ኤዶም ከኣ ጽምጽም በረኻ ኽትከውን እያ። ይሁዳ ግና ንዘለኣለም ትነብር፣ የሩሳሌም ከኣ ንውሉድ ወሎዶ። ኣነ ድማ ነቲ ዘጽሬኽዎ ደሞም ከጽርዮ እየ። እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ኪነብር እዩ።
Translation | Contextእምበኣርሲ እብል አሎኹ፡ ኣምላኽ ንህዝቡዶ ደርይብይዎ እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ኣነ እኳ እስራኤላዊ፡ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ካብ ዓሌት ብንያም እየ።
Translation | Contextካብ ህዝብታት ከምጽኣኩም፣ ካብ ኵሉ ሃገራት ከኣ ክኣኻኽበኩም እየ፣ ናብ ሃገርኩምውን ክመልሰኩም እየ።
Translation | Contextእቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ -
Translation | Contextናብ መልኣኽ ማሕበር ኤፌሶን ጽሐፍ፡ እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ዝሐዘ፡ ኣብ ማእከል እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂውን ዚመላለስ ከምዚ ይብል አሎ፡ ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻን፡ ነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከኣልካን፡ ነቶም ሃዋርያት ኢና ዚብሉ እሞ ዘይኰኑ፡ ተዐዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮምን፡ እፈልጥ አሎኹ። ትዕግስቲ ኸኣ አሎካ፡ ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካ፡ ኣይሰልኬኻን። ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ ኣሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ። እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ ክመጸካ፡ እንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ። ግናኸ ነቲ ኣነውን ዝጸልኦ ዘሎኹ ግብሪ ኒቆላውያን ንስኻ ትጸልኦ ኢኻ እሞ እዚ ግዳ አሎካ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክህቦ እየ። ናብ መልኣኽ ማሕበር ስሚርናውን ጽሐፍ፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን፡ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝዀነን ከምዚ ይብል አሎ፡ ጸበባኻን ድኽነትካን፦ ግናኸ ሃብታም ኢኻ፦ ጸርፊ እቶም ኣይሁድ ኢና ዚብሉን፦ ግናኸ ማሕበር ሰይጣን እዮም እምበር፡ ኣይሁድስ ዘይኰኑ፦ እፈልጥ አሎኹ። እንሆ፡ ምእንቲ ኽትፍተኑስ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። እቲ ዚስዕር በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኩጕዳእን እዩ። ናብ መልኣኽ ማሕበር ጴርጋሞስውን ጽሐፍ፡ እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፉ ዝሐዘ ኸምዚ ይብል አሎ፡ ኣበይ ከም እትነብር፡ ማለት ኣብቲ ናይ ሰይጣን ዝፋን ዘለዎ ምዃኑ እፈልጥ አሎኹ እሞ ንስመይ ኣጽኒዕካ ሒዝካዮ አሎኻ፡ ኣብቲ ሰይጣን ዚነብረሉ፡ ንኣንቲጶስ፡ ነቲ እሙን ምስክረይ፡ ኣብ ማእከልኩም ብዝቐተልዎ መዓልትታት እኳ ንእምነተይ ኣይከሐድካያን። ነቲ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል መንሳተቲ ንምግባር፡ ንጣኦታት እተሐርደ ኺበልዑን ኪምንዝሩን ንባላቅ ዝመሀሮ ምህሮ በላዓም ዝሐዙ ስለ ዘለውኻ ግና፡ ቅሩብ ነገር ረኺበልካ አሎኹ። ከምኡውን በዛ መገዲ እዚኣስ ንምህሮ ኒቆላውያን ዝሐዝዎ አለዉኻ። ስለዚ ተነሳሕ፡ እንተ ዘይኰነስ ቀልጢፈ ኽመጽእ፡ ብሰይፊ ኣፈይውን ክዋግኦም እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብቲ ስዉር ማና ኽህቦ እየ፡ ጻዕዳ እምኒ ድማ፡ ብዘይ እቲ እተቐበላስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ኣብታ እምኒ እቲኣ እተጻሕፈ ሓድሽ ስም ክህቦ እየ። ናብ መልኣኽ ማሕበር ትያቲራውን ጽሐፍ፡ እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀና ኣዒንቲ ዘለዋኦ፡ ኣእጋሩውን ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ዚመስል ወዲ ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ትዕግስትኻን፡ እቲ ግብርኻውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዚበዝሕ፡ እፈልጥ አሎኹ። ግናኸ ነታ፡ ነብዪት እየ፡ እናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውኤ ኺበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ አሎኹ። ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፡ ጊዜ ሂበያስ፡ ንሳ ግና ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን። እንሆ፡ ኣነ ኣብ ዓራት ሕማም ከውድቓ እየ፡ ነቶም ምስኣ ዚዝምዉ ኸኣ፡ ካብቲ ግብራ እንተ ዘይተነስሑስ፡ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም እየ። ንደቃውን ብሞት ክቐትሎም እየ፡ ኣነ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ምዃነይ ከኣ ብዘለዋ ማሕበራት ኪፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ። ኣብ ትያትራ ንዘሎኹም ኵላትኩም ካልኦት ግና፡ ነቲ መዓሙቝ ሰይጣን፦ ከመዮ ንሳቶም ዚብልዎ፡ ዘይፈልጥኩምዎ፡ እዚ ምህሮ እዚ ንዜብልኩም፡ ንኣኻትኩምሲ፡ ካልእ ጾር ኣየጹረኩምን እየ፡ እብለኩም አሎኹ። ክሳዕ ዝመጽእ ግዳ ነቲ ዘሎኩም ኣጽኒዕኩም ሐዝዎ። ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዚሕሉንሲ፡ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ ከሰልጥኖ እየ። ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዚሰባበር ገይሩ፡ ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ። ኰዀብ ጽባሕውን ክህቦ እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።
Translation | Contextኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራት፣ ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን፣ ከርኢ እየ። እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት፣ ጸሓይ ኣብ ጸልማት፣ ወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ።
Translation | Contextነዚ ምስክርና መን ኣመኖ፧ ቅልጽም እግዚኣብሄርከ ንመን ተጋህደሉ፧ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን ከምቲ ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዚወጽእ ሱርን ጨብጨበ። መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኤናዮ፡ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን። ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዚጒልብቡሉ ሰብ እተዋረደ እዩ፡ ንሕናውን ገለ እኳ ኣየቋጾርናዮን። ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዐኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና። ኲላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ዂላትና ኣብኡ ኣውደቖ። መከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን። ካብ ጥቕዓትን ፍርድን ተወስደ፡ ካብ ምድሪ ህያዋን ከም እተቘርጾ፡ ካብቶም ወለዶኡ መን ሐሰቦ፧ ብምኽንያት ገበን ህዝበይ ተቐዝፈ። እከይ ዘይገበረ፡ ሓሶት ከኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፡ መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩ፡ ብሞቱ ግና ምስ ሃብታም ኰነ። እግዚኣብሄር ግና ብመከራ ኺሕምሽሾ ፈተወ። ነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈያ፡ ዘርኢ ኺርኢ፡ መዓልትታቱ ኼንውሕ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ እዩ። ጻማ ነፍሱ ኺርኢ ኺጸግብውን እዩ። እቲ ጻድቕ ባርያ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ኬጽድቕ፡ ኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺጸውር እዩ። ነፍሱ ንሞት ስለ ዝወፈያ፡ ምስ በደለኛታት ከኣ ስለ እተቘጽረ፡ ስለዚ ግዲኡ ምስ ዓበይቲ ኽመቕሎ እየ፡ ምርኮውን ምስ ሓያላት ኪመቅል እዩ። ግናኸ ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ፡ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ።
Translation | Contextስለዚ ድማ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ካብቶም ህዝብታት ክእክበኩም፣ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዘሎኹም ሃገራት ከኣ ክኣኻኽበኩም፣ ሃገር እስራኤልውን ክህበኩም እየ፣ ይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮም።
Translation | Context