Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ብዛዕባ እስማኤል ድማ ጸሎትካ ሰሚዔ አሎኹ። እንሆ፡ ባሪኸዮ አሎኹ፡ ከፍርዮን ኣዝየ ኸኣ ከብዝሖን እየ። ዓሰርተው ክልተ ሹም ኪወልድ እዩ፡ ዓብዪ ህዝቢ ድማ ኽገብሮ እየ።
Translation | Contextንሱ ኣብ መንጎ ሰብ ከም ኣድጊ በረኻ ኪኸውን እዩ፡ ኢዱ ናብ ልዕሊ ዅሉ፡ ኢድ ኵሉ ድማ ናብ ልዕሊኡ ኽትከውን እያ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ ኪነብር እዩ፡ በለ።
Translation | Contextእቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ጥንስቲ ኢኺ ወዲ ኸኣ ክትወልዲ ኢኺ፡ እግዚኣብሄር መከራኺ ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ስሙ እስማኤል ኣውጽእሉ። ንሱ ኣብ መንጎ ሰብ ከም ኣድጊ በረኻ ኪኸውን እዩ፡ ኢዱ ናብ ልዕሊ ዅሉ፡ ኢድ ኵሉ ድማ ናብ ልዕሊኡ ኽትከውን እያ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ ኪነብር እዩ፡ በለ።
Translation | Contextሽዑ ኤሳው ናብ እስማኤል ከይዱ ኣብ ልዕሊ እተን ኣንስቱ ንማሓላት፡ ጓል እስማኤል ወዲ ኣብርሃም ሓብቲ ነባዮት፡ ሰበይቲ ኣእተወ።
Translation | Contextኣጋር ከኣ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ። ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ ወዲ ስሙ እስማኤል ኣውጽኣሉ።
Translation | Contextንሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ እንተ ኣለዋኦ፡ እታ ሓንቲ ፍትውቲ እታ ሓንቲ ኸኣ ጽልእቲ፡ እታ ፍትውትን እታ ጽልእትን ደቂ እንተ ወለዳሉ፡ እቲ በዅሪ ኸኣ ወዲ እታ ጽልእቲ እንተ ዀነ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ ገንዘቡ ንደቁ ዜውርሰላ መዓልቲ፡ ወዲ እታ ጽልእቲ፡ ንሱ በዅሪ ኸሎ፡ ካብኡ ኣምሪሑ ንወዲ እታ ፍትውቲ በዅሪ ኺገብር ኣይኽእልን። ንወዲ እታ ጽልእቲ ካብ ዂሉ ዘለዎ ዕጽፊ ብምሃቡ በዅሪ ምዃኑ የፍልጦ፡ ንሱ መጀመርታ ሓይሉ እዩ እሞ፡ ብዅርነት ንእኡ ይግብኦ።
Translation | Contextበቲ ኣጋር ንኣብራም እስማኤል ዝወለደትሉ ጊዜ ድማ ኣብራም ወዲ ሰማንያን ሹድሽተን ዓመት ኰይኑ ነበረ።
Translation | Contextነቲ ቘልዓ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብሮ እየ እሞ፡ ተንስኢ፡ ኣልዒልኪ ብኢድኪ ደግፍዮ፡ በላ።
Translation | Contextንወዲ እዛ ባርያ ድማ፡ ዘርእኻ ስለ ዝዀነ፡ ህዝቢ ኽገብሮ እየ፡ በሎ።
Translation | Contextወለዶኦም እዚ እዩ፡ በዂሪ እስማኤል ነባዮት፡ ደሓር ቄዳርን ኣድብኤልን ሚብሳምን፡ ሚሽማዕን ዱማን ማሳን ሓዳድን ቴማን፡ የጡርን ናፊሽን ቄድማን። እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም።
Translation | Contextባስማት፡ ጓል እስማኤል ሓብቲ ነባዮትን ወሰደ።
Translation | Contextሳራይ፡ ሰበይቲ ኣብራም ከኣ ውሉድ ኣይወለደትሉን ነበረት። ኣጋር እትብሀል ግብጻዊት ግዝእቲ ድማ ነበረታ። ሳራይ ከኣ ንኣብራም፡ እንሆ፡ ኣነ ኸይወልድ እግዚኣብሄር ዓጽዩኒ እዩ፡ ምናልባሽ ብእኣ እንተ ተፋሬኹ፡ በጃኻ ናብዛ ግዝእተይ እቶ፡ በለቶ። ኣብራም ድማ ንቓል ሳራይ ሰምዔ። ኣብራም ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዓሰርተ ዓመት ምስ ገበረ፡ ሳራይ፡ ሰበይቲ ኣብራም፡ ነታ ግብጻዊት ግዝእታ ኣጋር ወሲዳ ንኣብራም ሰብኣያ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ሀበቶ። ንሱ ድማ ናብ ኣጋር ኣተወ፡ ንሳ ኸኣ ጠነሰት። ከም ዝጠነሰት ምስ ረአየት፡ ንእመቤታ ኣቃለለታ። ሳራይ ድማ ንኣብራም፡ እዚ ዝዕገቦ ዘለኹ ናብ ልዕሌኻ ይውረድ። ኣነ ግዝእተይ ኣብ ሕቝፍኻ ሀብኩኻ፡ ከም ዝጠነሰት ምስ ረአየት ከኣ ኣቃለለትኒ። እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፡ በለቶ። ኣብራም ድማ ንሳራይ፡ እንሃ፡ ግዝእትኺ ኣብ ኢድኪ እያ፡ ጽቡቕ ኰይኑ ኸም እተራእየኪ ግበርያ፡ በላ። ሽዑ ሳራይ ኣዋረደታ፡ ንሳ ኸኣ ካብ ቅድሚኣ ሀደመት። መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ሹር ኣብ ዘሎ ዓይኒ ረኸባ። ንሱ ድማ፡ ኣቲ ኣጋር፡ ግዝእቲ ሳራይ፡ ካበይ መጺእኪ፡ ናበይሲ ትኸዲ አሎኺ፧ በላ። ንሳ ኸኣ፤ ኣነ ኻብ ቅድሚ እመቤተይ ሳራይ እሀድም አሎኹ፡ በለት። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ናብ እመቤትኪ ተመለሲ፡ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ድማ ትሕት በሊ፡ በላ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንዘርእኺ ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ኪቝጸር ክሳዕ ዘይክኣል፡ ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ በላ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ጥንስቲ ኢኺ ወዲ ኸኣ ክትወልዲ ኢኺ፡ እግዚኣብሄር መከራኺ ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ስሙ እስማኤል ኣውጽእሉ። ንሱ ኣብ መንጎ ሰብ ከም ኣድጊ በረኻ ኪኸውን እዩ፡ ኢዱ ናብ ልዕሊ ዅሉ፡ ኢድ ኵሉ ድማ ናብ ልዕሊኡ ኽትከውን እያ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ ኪነብር እዩ፡ በለ። ንሳ ድማ፡ ነቲ ዚርእየንስ ኣብዚዶ ርእየዮ እየ፧ ኢላ፡ ስም እቲ ንእኣ እተዛረበ እግዚኣብሄር፡ ኣታ ዚርኢ ኣምላኽ፡ ኢላ ኣውጽኣትሉ። ስለዚ እቲ ዔላ ብኤር-ለሓይ-ሮይ ተባህለ። ንሱ እንሆ፡ ኣብ መንጎ ቃዴስን ባሬድን አሎ። ኣጋር ከኣ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ። ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ ወዲ ስሙ እስማኤል ኣውጽኣሉ። በቲ ኣጋር ንኣብራም እስማኤል ዝወለደትሉ ጊዜ ድማ ኣብራም ወዲ ሰማንያን ሹድሽተን ዓመት ኰይኑ ነበረ።
Translation | Contextበረኻን ከተማታቱን፡ እተን ሰብ ቄዳር ዚነብርወን ዓድታትን ድምጾም ዓው ይበል፡ እቶም ኣብ ኣኻውሕ ዚነብሩ ብሓጐስ ይጨድሩ፡ ካብ ርእሲ ኣኽራን እልል ይበሉ።
Translation | Contextካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘሎ ሹር፡ በታ ንኣሶር እተእቱ፡ ሰፊሮም ነበሩ። ኣብ መንጽር ኵሎም ኣሕዋቱ ሰፈረ።
Translation | Contextንሱ ኣብ በረኻ ጳራን ይቕመጥ ነበረ። ኣዲኡ ድማ ካብ ሃገር ግብጺ ሰበይቲ ኣምጽኣትሉ።
Translation | Contextእቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ጥንስቲ ኢኺ ወዲ ኸኣ ክትወልዲ ኢኺ፡ እግዚኣብሄር መከራኺ ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ስሙ እስማኤል ኣውጽእሉ።
Translation | Context