Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

interpreting dreams


ግብሪ ሃዋርያት 2:17 | 10 Helpful votes

በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም።

Translation | Context
ዘፍጥረት 40:8 | 8 Helpful votes

ሕልሚ ሐሊምና እሞ፡ ዚፈትሖ ድማ የልቦንበልዎዮሴፍ ድማ፥ እቲ ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን፧ እስኪ ሕልሙኸ ንገሩኒበሎም

Translation | Context
ኣሞጽ 3:7 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢር ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎምገለ እኳ ኣይገብርን እዩ።

Translation | Context
መክብብ 5:7 | 6 Helpful votes

ብዙሕ ሕልሚ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሕ ከንቱነትን ብዙሕ ቃላትን አሎ እሞ፡ ስጋኻ ሓጢኣት ከየገብርስ፡ ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሀቦ፡ ኣብ ቅድሚ ልኡኽውንጌጋ እዩ፡ ኣይትበል። ስለምንታይከ ኣምላኽ ብደሃይካ ዚዅርን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ዜጥፍኦን፡ ንስኻስ ንኣምላኽ ፍርሃዮ ደኣ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 12:6 | 5 Helpful votes

በሎም ድማዘረባይ ደኣ ስምዑ፡ ኣብ ማእከልኩም ነብዪ እንተሎ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብራእይ እግለጸሉብሕልሚ እዛረቦ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 2:13 | 5 Helpful votes

ንሕና ኸኣ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕናመንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር፡ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና።

Translation | Context
ዳንኤል 4:19-36 | 4 Helpful votes

ሽዑ እቲ ቤልጥሻጽር ዝስሙ ዳንኤል ሓንሳእ ዝን በለ፣ ሓሳባቱ ኸኣ ኣጨነቖ። እቲ ንጉስ ድማ፣ ኣታ ቤልጥሻጽር፣ እቲ ህልምን ትርጓሜኡን ኣየጨንቕካኢሉ መለሰሉቤልጥሻጽር ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሉጐይታየ፣ እቲ ሕልሚ ንጸላእትኻትርጓሜኡ ኸኣ ንተጻረርትኻ ይኹን። እታ ዝርኤካያ ኦም፣ እታ ዝዐበየትን ዝበርትዔትንቍመታ ኣብ ሰማይ ዝበጽሔ፣ ኣብ ኵሉ ምድሪውን እተራእየትቈጽላ ዝጸበቐፍሬኣ ዝበዝሔንዅሉ ዚኸውን ምግቢ ዘለዋ፣ እንስሳ መሮር ኣብ ትሕቲኣ ዚነብሩላ፣ ኣብ ጨናፍራውን ኣዕዋፍ ሰማይ ዚዐርፋላ ኦም፣ ዝዐቤኻን ዝበርታኦካንኦቤትካ እናዐበየ ኽሳዕ ሰማይግዛትካውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዝበጽሔስ ንስኻ ኢኻ፣ ዎ ንጉስ። እቲ ንጉስ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ዝረኣዮ ቅዱስ ሓላዊ እሞ፣ ነታ ኦም ቍረጽዋን ኣብርስዋን፣ ግናኸ ነቲ ጕንዲ ሱራታብሰንሰለት ሃጺንን ኣስራዝን ተኣሲሩ፣ ኣብቲ ልምሉም ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎሾብዓተ ግዝያት ክሳዕ ዚሓልፋብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂግዲኡውን ምስ እንስሳ መሮር ይኹን፣ ዝበለትርጓሜኡ እዚ እዩ፣ ዎ ንጉስእዚ ኸኣ እቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ንጉስ ዚወርድ ትእዛዝ እቲ ልዑል እዩ፣ ካብ ሰብ ክትስጐጒ፡ ምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ፡ ከም ንኣብዑር ከኣ ሳዕሪ ኼብልዑኻ እዮም፡ ብኣውሊ ሰማይ ድማ ክትጥልቂ ኢኻ፡ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዘመልኽ፡ ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦክሳዕ እትፈልጥሲሾብዓተ ግዝያትውን ኪሐልፋኻ እየን። እቲ ናይ ኦም ጕንዲ ሱራት ይጽናሕ እተባህለ፣ መንግስትኻ ኽትምለሰካ እያ። ስለዚ፣ ዎ ንጉስምኽረይ ስማዕንሓጢኣትካ ብጽድቂንኣበሳኻውን ንድኻታት ብምምሓር ቍረጾምናልባሽ ልምዓትካ ኺነውሕ እዩ። እዚ ዅሉ ንንጉስ ነቡካድነጻር በጽሖድሕርዚ ኦኣሰርተው ክልተ ወርሒ ጸኒሑ፣ ኣብቲ ኣዳራሽ ንጉስ ባቢሎን ይዘውር ነበረ፣ እቲ ንጉስ ከኣ፣ እዚኣ እታ ንኽብሪ ግርማይን ንቤተ መንግስትን ክትከውን ኢለ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሀነጽክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኰነትን፡ ኢለ ተዛረበ። እዚ ቓል እዚ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ ከሎ፣ ዎ ንጉስ ነቡካድነጻር፣ ንኣኻስ፣ መንግስቲ ካባኻ ኸይዳ እያ፣ ይበሀለካ አሎ፣ ካብ ሰብ ክትስጐጕምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ፣ ከም ንኣብዑር ከኣ ሳዕሪ ኼብሎኡኻ እዮም፣ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ፣ ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ ኽሳዕ እትፈልጥሲሾብዓተ ግዝያትውን ኪሐልፋካ እየን፣ ዚብል ድምጺ ካብ ሰማይ ወረደብኡብኡ እቲ ነገር ኣብ ነቡካድነጻር ተፈጸመጸጕሩ ኸም ናይ ንስሪኣጽፋሩውን ከም ናይ ኣዕዋፍ ኰይኑ ኽሳዕ ዚነውሕ፣ ካብ ሰብ ተሰጐ፣ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዔስጋኡ ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ። እቲ ዘመን ምስ ተፈጸመኣነ ነቡካድነጻርኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዐልኩ እሞ ኣእምሮይ ተመልሰለይ። ነቲ ልዑል ባረክኹ፣ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝዀነ፣ ግዝኣቱ ዘለኣለማዊ ግዝኣትመንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዚነብ፣ ወደስኩን ኣኽበርኹን። እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ብእኡስ ከም ገለ እኵ ኣይቍጸሩን፣ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ከም ፍቓዱ እዩ ዚገብርንኢዱ ዚክልክላ፣ ልሰምንታይ እዚ እትገብርኪብሎ ዚኽእልውን የሎን። በታ ጊዜ እቲኣ ኣእምሮይ ተመለስለይንኽብሪ መንግስተይ ከኣ ግርማይን ምንጽብራቐይን ተመልሰለይ። ኣማኸርተይን መኳንንተይን ደለዪኒ፣ ኣነ ኸኣ ኣብ መንግስተይ ጸናዕኩዝበለጸ ዕቤትውን ተወሰኽለይ

Translation | Context
እዮብ 33:15 | 4 Helpful votes

ብሕልሚ፡ ብናይ ለይቲ ራእይንሰብ ከቢድ ድቃስ ምስ ወደቖ፡ ኣብ ዓራቱ ምስ ደቀሰ

Translation | Context
ዮኤል 2:28 | 3 Helpful votes

ብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፣ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም።

Translation | Context
ኣንባቆም 2:2-3 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾኢሉ መለሰለይ

Translation | Context
ዳንኤል 7:1-7 | 3 Helpful votes

ንቤልሻጽር ንጉስ ባቢሎን ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱዳንኤል ኣብ መደቀሲኡ ኸሎ፡ ሕልምን ራእያት ርእሱን ረአየ። ሽዑ ነቲ ሕልሚ ጸሕፎ፡ ርእሱ ነገሩውን ኣዘንተዎ። ዳንኤል ከምዚ ኡሉ ተዛረበለይቲ ብራእየይ ርኤኹእንሆ ኸኣ፣ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይጋጨው ነበሩ። ካብቲ ባሕሪ ድማ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወጹ። እቲ ቐዳማይ ነንበሳ ይመስል፣ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፍ ኽሳዕ ዚምንቄሳ ኸኣ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ ተንስኤ፣ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፣ ልቢ ሰባውን ተዋህቦእንሆ ድማ፣ ካልኣይንድቢ ዚመስል ካልእ ኣራዊት። ንሱ ብጐድኑ ተንስኤሰለስተ ዓጽሚ መሰንገለ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ነበረ፣ ተንስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ፣ ከኣ በልዎድሕርዚ እንሆካልእ ኣራዊትኣብ ጐድኑ ኣርባዕተ ኽንፊ ዑፍ ዝነበሮ ንነብሪ ዚመስል ጠመትኩ። እዚ ኣራዊት እዚ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፣ ግዝኣት ድማ ተዋህቦድሕርዚ ብራእያት ለይቲእንሆመፍርህን መሰክሕን ኣዝዩ ብርቱዕን ዝዀነ ራብዓይ ኣራዊት ርኤኹዓበይቲ ኣስናን ሓጺን ነበሮ፣ ይውሕጥን ይጥሕንን ነቲ ዝተረፈ ኸኣ በእጋሩ ይረግጾን ነበረ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኵላቶም ኣራዊት በይኑ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ፣ ዓሰርተ ኣቕርንቲውን ነበሮ።

Translation | Context
ዳንኤል 2:28 | 3 Helpful votes

ግናኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ፣ ንሱ ኸኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር በቲ ዳሕራይ ዘመንሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ። እቲ ኣብ ምድቃስካ ዝርኤኻዪ ሕልምኻን ራእያት ርእስኻን እዚ እዩ፣

Translation | Context
ዳንኤል 2:1-49 | 2 Helpful votes

ነቡካድነጻር ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት መንግስቱ ሕልሚ ሐለመመንፈሱ ኸኣ ተሀወኸድቃሱ ኸኣ ካብኡ በረረ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንፈለጥትን ጠቢባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንንንንጉስ ሕልሙ ኺነግርዎ ኢሉ፣ ኪጽውዕዎም አዘዘ። ንሳቶም ከኣ መጹ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስውን ቈሙ። እቲ ንጉስ ድማ፣ ሕልሚ ሐሊመስ ነቲ ሕልሚ ኺፈልጥ መንፈሰይ ተሀዊኹ አሎ፣ በሎም። ሽዑ እቶም ከለዳውያን ንንጉስ ብእራማይስጢ፣ ዎ ንጉስ ንዘለኣለም ህያው ኩን፣ ንባሮትካ ሕልምኻ ንገረና፣ ንሕናውን ትርጉሙ ኽንነግረካ ኢና፣ በልዎ። እቲ ንጉስ ከኣ ነቶም ከለዳውያን፣ እቲ ነገር ረሲዐዮ እየ። ነቲ ሕልምን ትርጉሙን እንተ ዘየፍለጥኩምኒ፣ ንስኻትኩም ክትስየፉኣባይትኹም ድማ ምድርባይ ጐሓፍ ኪኸውን እዩ። ነቲ ሕልምን ትርጉሙን እንተ ነገርኩምኒ ግና፣ ህያብን ውህበትን ዓብዪ ኽብረትን ክህበኩም እየ፣ እምብኣርስኸ ነቲ ሕልምን ትርጉሙን ንገሩኒ፣ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ድማ ካልእይ ጊዜ፣ እቲ ንጉስ ንባሮቱ ሕልሙ ይንገረና፣ ንሕናውን ትርጉሙ ኽንነግር ኢና፣ ኢሎም መለሱሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፣ እቲ ነገር ከም ዝረሳዕክዎ ስለ ዝርኤኹምጊዜ ኽትረኽቡ ትደልዩ ኸም ዘሎኹም፣ ብርግጽ እፈልጥ አሎኹ። ነቲ ሕልሚ እንተ ዘየፍለጥኩምኒ ግና፣ ፍርድኹም ሓንቲ እያ። ንስኻትኩም ጊዜ ኽሳዕ ዚሓልፍ፣ ኣብ ቅድመይ ቃላት ሓሶትን ምትላልን ክትዛረቡ ተሳማሚዕኩም አሎኹም፣ እምብኣርስኸ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፣ ኣነ ኸኣ ትርጉሙ ኸም እትነግሩኒ እፈልጥ እየ፣ ኢሉ መለሰሎም። እቶም ከለዳውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ንጉስሲ፣ ምንም እኳ ዓብይን ብርቱዕን እንተ ዀነ፣ ንፈላጥን ጠቢብን ከለዳውን ከምዚ ነገር ዝጠየቐ የልቦን እሞ፣ ነቲ ነገር ንጉስ ዜፈልጥ ሰብ ኣብ ምድሪ ከቶ ኣይርከብን እዩ። እቲ ንጉስ ዚደልዮ ነገር ዜሸግር እዩ እሞ ኣማልኽቲ እንተ ዘይኰይኖም፣ ነዚ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኬፍልጦ ዚኽእል የልቦንማሕደሮም ድማ ምስ ስጋ ዝለበሱ ኣይኰነንኢሎም መለሱስለዚ እቲ ንጉስ ኰረየኣዝዩ ተናደደንዘለዉ ጠቢባን ባቢሎን ከኣ ኬጥፍእዎም አዘዘ። እቲ ፍርዲ ድማ ወጸ፣ ነቶም ጠቢባን ከኣ ኪቐትልዎም ጀመሩ፣ ንዳንኤልን ንመሓዙቱንውን ኪቐትልዎም ኢሎም ይደልይዎም ነበሩ። ሽዑ ዳንኤል ንኣርዮክ፣ ነቲ ንጠቢባን ባቢሎን ኪቐትሎም ዝወጸ ሓለቓ ዘብዔኛታት ንጉስብምኽርን በእምሮን መለሰሉ። ንሱ ንኣርዮክ፣ ናይ ንጉስ መኰነን፣ እዚ ብርቱዕ ፍርዲ ኻብ ንጉስ ስለምንታይ ወጸ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኣርዮክ ድማ እቲ ነገር ንዳንኤል ኣፍለጦዳንኤል ከኣ ናብ ንጉስ አትዩ፡ እቲ ትርጉሙ ኬፍልጦስ ጊዜ ኺህቦንንጉስ ለመኖድሕርዚ ዳንኤል ናብ ገዝኡ ኸደ እሞ፣ ዳንኤልን መሓዙቱን ምስቶም ዝተረፉ ጠቢባን ባቢሎን ከይጠፍኡ፣ ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ ኻብ ኣምላኽ ሰማይ ምሕረት ኪልምኑስ ንሃናንያን ንሚሻኤልን ንኣዛርያን መሓዙቱ፣ እቲ ነገር ኣፍለጦም። ሽዑ እቲ ምስጢር ንዳንኤል ብራእይ ለይቲ ተገልጸሉዳንኤል ከኣ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስገኖዳንኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበጥበብን ስልጣንን ናቱ እዩ እሞ፡ ስም ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ። ንሱ ዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥነገስታት ይስዕር ነገስታት ከኣ ይሸይም፣ ነቶም ጠቢባን ጥበብ ነቶም ኣስተውዓልቲ ኸኣ ምስትውዓል ይህቦም። ንሱ ዓሚቝ ሕቡእን ይገልጽ፡ እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ይፈልጥብርሃንውን ምስኡ እዩ ዚነብር። ዎ ኣምላኽ ኣቦታተይ፣ ነቲ ነገር ንጉስ ኣፍሊጥካኒ ኢኻ እሞ፣ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝሀብካኒሕጂውን እቲ ዝለመንናካ ስለ ዝገለጽካለይ፣ ኤመስግነካን እውድሰካን አሎኹ። ስለዚ ዳንኤል ናብቲ እቲ ንጉስ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኬጥፍኦም ዝኣዘዞ ኣርዮክ ከደአትዩ ኸኣ፣ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኣይተጥፍኣዮም፣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ውሰደኒ፣ ኣነውን ንንጉስ እቲ ትርጉም ከፍልጦ እየ፣ ኢለ ነገሮ። ሽዑ ኣርዮስ ንዳንኤል ቀልጢፉ ናብ ንጉስ ኣእተዎ እሞ፣ እኔኹ ኻብቶም ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ንንጉስ ትርጉም ዜፍልጥ ሰብኣይ ረኺበ አሎኹ፣ በሎ። እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳንኤል፣ ነቲ ዝርኤኽዎ ሕልምን ትርጉምን ከተፍልጠኒዶ ትኽእል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉዳንኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ነዛ ንጉስ ዙሐተላ ዘሎኢ ምስጢርስ እቶም ጠቡባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽኣሉን እዮም፣ ኢለ መለሰግናኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ፣ ንሱ ኸኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር በቲ ዳሕራይ ዘመንሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ። እቲ ኣብ ምድቃስካ ዝርኤኻዪ ሕልምኻን ራእያት ርእስኻን እዚ እዩ፣ ዎ ንጉስ፣ ብዛዕባ እቲ ብድሕርዚ ዚኽውን፣ ኣብ ምድቃስካ ኸሎኻ፣ ሓሳባት ተንሳኣካ። እቲ ምስጢራት ዚገልጽ ከኣ ነቲ ዚኽውን ኣስለጠካ። ንኣይ እዚ ምስጢር እተገልጸለይሲ፡ እቲ ትርጓሜኡ ንንጉስ ምእንቲ ክነግር እሞ፡ እቲ ሓሳባት ልብኻ ኽትፈልጦ እዩ እምበር፣ ካብ ኵላቶም ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ብጥበብ ስለ ዝበለጽኩ ኣይኰንኩን። - ዎ ንጉስእንሆንስኻ ዓብዪ ምስሊ ርኤኻእዚ ገዚፍን ምንጽብራቑ ኸኣ ዜገርምን ዝነበረ ምስሊ ኣብ ቅድሜኻ ቘመ ትርኢቱውን ዜፍርህ ነበረ። እዚ ምስሊ እዚ፣ ርእሱ ብሉጽ ወርቂደረቱን ቀላጽሙን ብሩርካብዱን ሕቝኡን ከኣ ኣስራዚ ነበረ፣ መሓውሩ ሓጺንኣእጋሩ ኸኣ ገሊኡ ሃጺን፣ ገሊኡ መሬት ነበረ። ንስኻ ትጥምት ነበርካ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኢዱ ከይተንከዮ እምኒ ተፈንቂሉ፣ ነቲ ጺንን መሬትን ዝዀነ ኣእጋር እቲ ምስሊ ወቖኦን ዳዕመኾን። ሽዑ እቲ ሓጺንን መሬት ኣስርራዝን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተዳዕመዀ፣ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ዀነ፣ ኣሰሩ ኽሳዕ ዚጠፍእ ከኣ ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ ኸረን ኰነ፡ ንብዘላ ምድሪውን መልኣ። እቲ ሕልሚ እዚ እዩ፣ ትርጓሜኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክነግሮ ኢና። ዎ ንጉስ፣ እቲ ኣምላኽ ሰማይ ንኣኻ መንግስትን ልስታንን ሓይልን ክብርን ዝሀበካ ንጉስ ነገስታት ንስካ ኢኻ። ደቂ ሰብን እንስሳ መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን ዚነብሩለ ዘበለ ኸኣ ኣብ ኢድካ ሀበካ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ድማ ኣግዝኣካ፣ እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ኢኻ። ብድሕሬኻ ድማ ካባኻ እትንእስ ካልእ መንግስቲ ኽትትንስእ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እትገዝእ ካልእ ሳልሳይቲ መንግስቲ ኣስራዚውን ክትትንስእ እያ። እታ ራብዐይቲ መንግስቲ ኸም ሓጺን ብርትዕቲ ኽትከውን፣ ከምቲ ሓጺን ንዅሉ ነገር ዚጭፍልቕን ዚሰብርን፣ ከምኡ ኸኣ ከም ዚቕጥቅጥ ሓጺን ኰይና፣ ነዚ ዅሉ ኽትጭፍልቕን ክትቅጥቅጥን እያ። እቲ ኣእጋርን ኣጻብዕን ገሊኡ መሬት፣ ግርሊኡ ሓጺን ዝርኤካዮ፣ ከምኡ እተፈላለየት መንግስቲ ኽትከውን እያ። ግናኸ፣ ከምቲ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሐዊሱ ዝርኤኻዮ፣ ካብ ጽንዓት ሓጺን ገለ ኺህልዎ እዩ። ከምቲ ኣጻብዕ ኣእጋር ገሊኡ ሓጺንገሊኡ ኽኣ ምሬት ዝነበረ፡ ከምኡውን እታ መንግስቲ ገሊኣ ብርትዕቲገሊኣ ኸኣ ተሰባሪት ክትከውን እያ። እታ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሐዋሲ ዝርኤካዮ፣ ንሳቶም ምስ ዘርኢ ሰብ ኪተሃዋወሱ፣ ግናኸ፣ ከምቲ ሓጺን ምስ መሬት ዘይላገብ፣ ንሓድሕዶም ኣይኪላገቡን እዮም። ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፣ ግዝኣታ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ፣ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ። ከምቲ እምኒኢዱ ከይተንከዮ፡ ካብ ክረን ተፈንቂሉ ንሃጺንን ኣስራዝን መሬትን ብሩርን ወርቅን ኪዶምኾ ኸሎ ዝርኤኻዮ፡ እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ንንጉስ ነቲ ድህርዚ ዚኸውን ኣፍለጦ። እቲ ሕልሚ ርግጽትርጓሜኡ ኸኣ እሙን እዩ። ሽዑ ንጉስ ነቡካድነጻር ብግምባሩ ተደፊኡ ንዳንኤል ሰገደሉ። መዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ኬቕርቡሉ ድማ ኣዘዘ። እቲ ንጉስ ንዳንኤል፣ ንስኻ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትገልጻ ካብ ከኣልካስ፣ እቲ ኣምላኽኩም ብሓቂ ኣምላኽ ኣማልኽትን ጐይታ ነገስታትን ገላጺ ምስጢራትን እዩ፣ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንዳንኤል ልዕል ኣበሎብዙሕን ዓብይን ውህበት ሀቦ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ኣውራጃ ባቢሎን ኣግዝኦ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጠቢባን ባቢሎን ከኣ ሓለቓ ገበሮዳንኤል ንንጉስ ለሚኑንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብዱ-ኔጎን ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞምዳንኤል ግና ኣብ ደገ ንጉስ ነበረ።

Translation | Context
ዳንኤል 10:14 | 2 Helpful votes

እዚ ራእይ ንዳሕራይ ዘመን ዚኸውን እዩ እሞ፣ ኣነ ንህዝብኻ ኣብ መወዳእታ ዘመን ዚበጽሖም ከፍልጠካ መጺኤ እኔኹ።

Translation | Context
ዳንኤል 2:1-3 | 2 Helpful votes

ነቡካድነጻር ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት መንግስቱ ሕልሚ ሐለመመንፈሱ ኸኣ ተሀወኸድቃሱ ኸኣ ካብኡ በረረ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንፈለጥትን ጠቢባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንንንንጉስ ሕልሙ ኺነግርዎ ኢሉ፣ ኪጽውዕዎም አዘዘ። ንሳቶም ከኣ መጹ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስውን ቈሙ። እቲ ንጉስ ድማ፣ ሕልሚ ሐሊመስ ነቲ ሕልሚ ኺፈልጥ መንፈሰይ ተሀዊኹ አሎ፣ በሎም

Translation | Context
ዘፍጥረት 46:2 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ንእስራኤል ብራእይ ለይቲያእቆብ፡ ያእቆብ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸኣ፤ እኔኹ፡ በለ

Translation | Context
ዳንኤል 7:15 | 2 Helpful votes

ኣነ ዳንኤልመንፈሰይ ኣብ ውሽጢ ስጋይ ሰምበደ፣ እቲ ራእያት ርእሰይ ከኣ ኣጨነቐኒ

Translation | Context
ምሳሌ 29:18 | 2 Helpful votes

ራእይ ዜልቦ እንተ ዀነ፡ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፡ ሕጊ ዚሕሉ ግና ብጹእ እዩ።

Translation | Context