Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

5 bible verses about

intercede


1ይ ጢሞቴዎስ 2:1 | 13 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበርቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።

Translation | Context
እብራውያን 7:25 | 10 Helpful votes

ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 22:30-31 | 8 Helpful votes

ኣነ ኸየጥፍኦስ፣ ነቲ ቐጽሪ ዜጣጥእ ምእንቲ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ምንቃዕ ዚቐውም፣ ኣብ ማእከሎም ሓደ ሰባኣይ ደሌኹ፣ ግናኸ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን። ስለዚ ኸኣ ኵራይ ኣብ ልዕሊኦም ኣፍሰስኩብሓዊ ነድረይ ኣጥፋእክዎምመገዶም ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎምይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

Translation | Context
ኢሳይያስ 59:15-16 | 6 Helpful votes

እወ፡ ሓቂ ተሳእነ፡ እቲ ኻብ እከይ ዚርሕቕ ድማ ርእሱ ንዘመተ ይውፊ፡ እግዚኣብሄር እዚ ረአየቅንዕና ስለ ዜልቦ ኸኣ ጐሀየ። ደጊም ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ረአየ፡ ሓደ እኳ ዜማልድ ስለ እተሳእነ ተገረመ። ሽዑ ቕልጽሙ ረድኦጽድቁውን ደገፎ

Translation | Context
ህዝቅኤል 3:20-21 | 6 Helpful votes

ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰሓጢኣት ከኣ እንተ ገበረመዓንቀፊ ኣብ ቅድሚኡ እንተ ኣንበርኩሉኪመውት እዩ። ስለ ዘይመዐድካዮብሓጢኣቱ ኺመውት፣ እቲ ዝገበሮ ጽድቂ ድማ ኣይኪዝክርን እዩ። ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ። ንስኻ ግና፣ እቲ ጻድቕ ሓጢኣት ከይገብር ነቲ ጻድቕ እንተ መዐድካዮ እሞ ንሱ ሓጢኣት እንተ ዘይገበረ፣ ምዕዶ ስለ እተቐበለ ብሓቂ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ንስኻውን ነፍስኻ ተድሕን

Translation | Context