Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ፍርድን ጽድቅን ግበሩ፡ ነቲ እተዘምተ ኸኣ ካብ ኢድ ዓማጺኡ ኣድሕንዎ፡ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ኣይትዐግቡን ኣይትዐምጹን፡ ኣብዚ ስፍራ እዚውን ንጹህ ደም ኣይትኽዐዉ። ነዛ ቓል እዚኣ ብሓቂ እንተ ገበርክምዋ፡ ሽዑ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጦም ዘለዉ ነገስታት፡ ንሱን ግዙኣቱን ህዝቡን፡ ኣብ ሰረገላታትን ኣፍራስን ተቐሚጦም ብደጌታት እዛ ቤት እዚኣ ኺኣትዉ እዮም። ግናኸ ነዘን ቃላት እዚኤን እንተ ዘይሰማዕኩም፡ እዛ ቤት እዚኣ ኸም እትዖኑ፡ ብርእሰይ መሐልኩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextእቲ ንዓማጺ ናጻ ዜውጽኦን ንጻድቕ ዚዅንኖን፡ ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እዮም።
Translation | Contextኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፣ እግዚኣብሄርሲ፣ ቅንዕና ኽትገብር፣ ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባካ ዚደልዮ እንታይ እዩ።
Translation | Contextካብቲ ልዑልሲ ልዕል ዝበለ ዝጥምት አሎ፡ ካብኣቶም ልዕል ዝበሉ ኸኣ አለው እሞ፡ ድኻ ኺጥቃዕ ኣብ ሀገር ከአ ፍርድን ጽድቅን ኪዕመጽ እንተ ርኤኻ፡ ኣይትገረም።
Translation | Contextዎ ኣምላኽ፣ በይነለይ፣ ምስቲ ምሕረት ዜብሉ ህዝቢ ተማጐተለይ፣ ካብ ሓሳውን ዓማጽን ሰብ ኣድሕነኒ።
Translation | Contextካብ ዘረባ ሓሶት ርሐቕ። ኣነ ንረሲእ ኣየጽድቖን እየ እሞ፡ ነቲ ንጹህን ንጻድቕን ኣይትቕተል።
Translation | Contextሓጢኣተኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ጻድቃን ፍንፉን እዩ፡ እቲ ብቕኑዕ መገዲ ዚመላለስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ረሲኣን ፍንፉን እዩ።
Translation | Contextኣነ ግን ኣምላኸ ምደሌኹ፡ ነገረይ ከኣ ንኣምላኽ ምወፌኹ፡ ነቲ ዓበይትን ዘይምርመርን ነገራት፡ ኪቚጸር ዘይክእል ተኣምራትውን ዚገብር ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዜዝንም ንግራሁውን ማያት ዚሰድድ፡ ንሕሱራት ልዕል ዜብሎም፡ ንሕዙናት ድማ ብምድሓን ዜልዕሎም፡ ኣእዳዎምሲ ብተንኰል ገለ ኸየስልጣ፡ ንተንኰል ጐራሓት ከንቱ ዚገብሮ ንሱ እዩ። ንጠቢባን ብጒርሖም ይሕዞም፡ ንምኽሪ ጠዋያት ከኣ ይዝርዝሮ። ብመዓልቲ ንኣታቶ ጸልማት ይጓነፎም፡ ብቐትርስ ከም ብለይቲ ሃሰስ ይብሉ። ንሱ ነቲ መስኪን ካብ ሴፍ ኣፎምን ካብ ኢድ ሓያልን የናግፎ። ስለዚ ነቲ መስኪን ተስፋ አለዎ፡ ዓመጻ ኸኣ ኣፋ ትዐጹ።
Translation | Contextብፍርዲ ኣይትዐምጹ፥ ንድኻ ገጹ ርኢኻ ኣይተዳልዎ፡ ነቲ ስልጡን ድማ ገጹ ርኢኻ ኣይተኽብሮ፡ ንብጻይካ ግና ብቕንዕና ፍረድ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣብ ማእከላ ጻድቕ እዩ፣ ንሱ ኣይእብስን፣ ንግሆ ንግሆ ኸየብኰረ ፍርዱ ናብ ብርሃን የውጽእ፣ ዓማጺ ግና ሓንከት ኣይፈልጥን።
Translation | Contextወረ ሓሶት ኣይተልዕል። ምስክር ሓሶት ክትከውን ኢልካ፡ ኢድካ ምስ ዓማጺ ኣይተልዕል። ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ኣይትስዐብ። ብገለ ነገር ከኣ ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ዘንቢልካ ፍርዲ ንምቕናን ኣይትዛረብ። ብፍርድስ ነቲ ድኻ ድማ ኣይትደንግጸሉ።
Translation | Contextበሎም ድማ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ንስካትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም፡ ንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ።
Translation | Contextእቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextክሳዕ መአዝ ኢኹም ሓሶት እትፈርዱ፧ ንገጽ ረሲኣንስ እተድልዉ፧ [ሴላ።]
Translation | Contextብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ።
Translation | Contextእቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ።
Translation | Contextንዂሎም እሱራት ምድሪ ኣብ ትሕቲ እግሪ ምርጋጾም፡ ኣብ ቅድሚ ገጽ እቲ ልዑል መሰል ሰብኣይ ምቕናኖም፡ ንሰብ ብነገሩ ዓጋቢ ምግባርሲ፡ ነዚዶ እግዚኣብሄር ኣይርእዮን እዩ፧
Translation | Context