Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።
Translation | Contextብኽፍኣትኪ ተወከልኪ እሞ፡ ዚርኣየኒ የልቦን፡ በልኪ፡ ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሐተኪ፡ ብልብኺውን፡ ኣነ እምበር፡ ብጀካይ ካልእ የልቦን፡ በልኪ።
Translation | Contextንሰበይቱ ዚፈትሓ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ይሀባ፡ ተባህለ። ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextስለዚ ኽትዕዝምዮ ዘይከኣለኪ መዓት ኪመጻኪ፡ ከተዝብልዮ ዘይኰነልኪ መከራ ኸኣ ኪወርደኪ እዩ፡ ዘይፈለጥክዮ ጥፍኣት ድማ ብድንገት ኪወርደኪ እዩ።
Translation | Contextኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextነቶም ንምኽሮም ካብ እግዚኣብሄር ኣዕሚቖም ዚሐብኡ፡ ተግባሮም ከኣ ብጸልማት ዚገብሩ እሞ፡ መን ይርእየና፧ መንከ ይፈልጠና፡ ዚብሉስ ወይለኦም።
Translation | Contextብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከኣ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፡ ብቘላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ።
Translation | Contextካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።
Translation | Contextስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።
Translation | Contextንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ ካብ ሰብኣያ ንተፈትሔት ዜእቱውን ይዝሙ።
Translation | Contextእዚ እናገበርካስ፣ ኣነ ስቕ በልኩልካ፣ እህ፣ ከማኻ ዝዀንኩ መሲሉካ ኢኻ፣ ግናኸ ኣነ ኽግስጸካ፣ ንሓጢኣትካ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ከቚም እየ።
Translation | Contextሰበይቲ፡ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ብሕጊ ኣብኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ።
Translation | Contextብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከኣ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፡ ብቘላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ።
Translation | Contextመሊሱ በሎም፡ እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ድማ፡ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ድጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ።
Translation | Contextኣብ እኩይ ሃቐና ይጸንዑ፣ መፈንጠራ ኼጻውዱስ ይመኽሩ፣ መን ከይርእየና፣ ይብሉ አለዉ።
Translation | Context