Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣሰኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ።
Translation | Contextኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextእቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextእምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።
Translation | Contextኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።
Translation | Contextእቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ።
Translation | Contextእተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ።
Translation | Contextእቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextእቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን።
Translation | Contextእቲ፡ ኣብኡ እነብር አሎኹ፡ ዚብል፡ ከምቲ ንሱ እተመልላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ።
Translation | Contextነቶም ቀዳሞት፡ ኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎም፡ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።
Translation | Contextእዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ግና ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ወጽዓ ቘጸርክዎ። ኣየን እሞ፡ ብእምነት ክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ እምበር፡ እቲ ብሕጊ ዚመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኰንኩን፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ።
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextንሳቶም፡ ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡
Translation | Contextፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ።
Translation | Context