Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

ignoring god


ዮናስ 1:1-17 | 10 Helpful votes

ንዮናስ ወዲ ኣሚታይተንስእ እሞ ናብ ነነዌ፣ ናብታ ዓባይ ከተማኪድእከዮም ናብ ቅድመይ ደዮቡ እዩ እሞ፣ ኣንጻሮም ኣውጅዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ። ዮናስ ግና ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ናብ ተርሲስ ኪሀድም ኢሉ ተበገሰ፣ ናብ ያፋ ኸኣ ወረደ፣ ናብ ተርሲስ እትሐልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ፣ ምሳታቶም ናብ ተርሲስ ኪኸይድ ከኣ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ ኣተወ። እግዚኣብሄር ድማ ናብቲ ባሕሪ ህቦብላ ንፋስ ሰደደ፣ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ፣ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኰነ። እቶም ባሕረኛታት ድማ ፈርሁነፍሱ ወከፎምውን ነናብ ኣምላኹ ተማህለለ። ምእንቲ ኺፈዅሰሎም ከኣ፣ ነቲ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ኣቓሑ ናብ ባሕሪ ደርበይዎዮናስ ግና ናብቲ ታሕታይ ክግሊ እታ መርከብ ወሪዱ ተገምሲሱ፡ ከቢድ ድቃስውን ደቂሱ ነበረ። እቲ ሓለቓ መርከብ ናብኡ ቐረበ እሞ፣ ኣታ ደቃሲ፣ እንታይ ትገብር አሎኹ፡ ተንስእ፣ ምናልባሽ እቲ ኣምላኽካ ከይንጠፍ እንተ ሐሰበናስ፣ ናብ ኣምላኽካ ተማህለልበሎንሓድሕዶም ድማ፡ እዚ መከራ እዚ ብሰሪ መን ከም ዚረኽበና ዘሎ ኽንፈልጥሲንዑ ዕጭ ነውድቕተባሃሀሉዕጭ ኣውደቑ፡ እታ ዕጭውን ኣብ ዮናስ በጽሔት። ሽዑ ንሳቶም፣ ንገረና ዀታ፣ እዚ ረኺብና ዘሎ መከራስ ብሰሪ መን እዩ፡ ዕዮኻ እንታይ እዩ፡ ካበይከ መጻእካ፡ ኣየናይ እዩ ሃገርካ፡ ካብ ኣየናይ ህዝቢኸ ኢኻ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፣ ኣነ እብራዊ እየ፣ ነቲ ባሕርን ንቑጽን ዝገበረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን እፈርሆ እየ፣ በሎ። ሽዑ እቶም ሰባት ንሱ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ ኸም ዝሀደመ፡ ባዕሉ ስለ ዝነገሮም፡ ፈለጡዓብዪ ፍርሃትውን ፈርሁ እሞ፡ ስለምንታይ ደኣ እዚ ገበርካ፡ ከኣ በልዎ። እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዔ ይኸይድ ነበረ እሞ፣ ንሳቶም፣ ባሕሪ ኺሀድኣልናስ እንታይ ንግበርካበልዎ። ንሱ ድማ፣ እዚ ብርቱዕ ማኦበል ብሰረይ ከምዝበጽሓኩም፣ እፈልጥ አሎኹ እሞ፣ ወሲድኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፣ እቲ ባሕሪ ኸኣ ኪሀድኣልኩም እዩ፣ በሎም። እቶም ሰባት ናብ ምድሪ ኺምለሱ ብምቕዛፍ ይጋደሉ ነበሩ፣ ግናኸ እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዖም ስለ ዝኸደ ኣይኰነሎምን። ሽዑ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንልምነካ አሎና፣ ምእንቲ ነፍሲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣይተጥፍኣና። ንስኻ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ዝፈቶኻዮ ጌርካ ኢኻ እሞ፣ ንጹህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይተንብርኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩንዮናስ ወሲዶም ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፣ እቲ ባሕሪ ከኣ ካብ ምንዋጽ ሀድኤ። እቶም ሰባት ከኣ ንእግዚኣብሄር ኣዝዮም ፈርህዎ፡ መስዋእቲ ድማ ንእግዚእብሄር ሰውኡሉመብጽዓውን ተማባጽዑ

Translation | Context
ሮሜ 1:18-32 | 10 Helpful votes

ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ። ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፡ ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩእዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ። ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ። ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜንንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉንኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም። ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦምደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ። ከምቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦምዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦምምሉኣት ቅንኣትቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰልእከይ፡ መሕሸዂሸዂቲ፡ ሓመይቲኣብ ኣምላኽ ጽሉኣትገፋዕቲኲሩዓትተዘሃርቲተጣበብቲ እከይንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ደናቚርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዜብሎም፡ ዘይድንግጹ፡ እዚኣቶም፡ ነቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም፡ ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዚገብርዎ ድማ ይሰምሩ አለዉ እምበር፡ ዚገብርዎ ጥራይ ኣይኰኑን።

Translation | Context
መዝሙር 53:1-6 | 7 Helpful votes

ዓሻ ብልቡኣምላኽ የልቦን፣ ይብልተበላሸዉ፣ ግብሪ ርኽሰት ገበሩ፣ ሰናይ ዚገብር ሓደ እኳ የልቦን። ኣምላኽሲ፣ ሓደ ለባም ንኣምላኽ ዚደልዮ እንተሎ ኺርኢ፣ ኻብ ሰማያት ናብ ደቂ ሰብ ኣንቈልቊሉ ይጥምት። ኵሎም ዐልዮምብዘለዉ ተባለሽዮምሰናይ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን። እቶም ንህዝበይ ከም እንጌራ ዚበልዕዎ፣ ናብ ኣምላኽ ድማ ዘይምህለሉ ገበርቲ እከይሲ፣ ከቶዶ ምስትውዓል የብሎምን እዮም፧ ኣምላኽ ነዕጽምቲ እቶም ዝኸበቡኻ ፋሕ ኣቢልዎ እዩ እሞ፣ ኣብታ መሰምበዲ ዘይነበራ ኣዝዮም ሰምበዱኣምላኽ ደርብይዎም እዩ እሞ፣ ንስኻ ኣሕፈርካዮምኣየምድሓን እስራኤልሲ ኻብ ጽዮንያ እንተ ዚመጽእ። ኣምላኽ ነቶም ምሩኻት ህዝቡ ምስ ዜምልሶምያእቆብ ኪሕጐስእስራኤል ከኣ ባህ ኪብሎ እዩ።

Translation | Context
ሆሴዕ 4:6 | 5 Helpful votes

ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእፍልጠት ስለ ዝኣቤኻ፣ ኣነ ድማ ካሕን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ እየ። ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፣ ኣነ ኸኣ ንደቅኻ ኽርስዖም እየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 15:11 | 3 Helpful votes

ንሰብ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ እዩ ዜርክሶ እምበር፡ እቲ ናብ ኣፍ ዚአቱስ ንሰብ ኣየርክሶን።

Translation | Context
ኣሞጽ 4:6-13 | 3 Helpful votes

ኣነ ድማ ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ጽሩይ ስኒ ሀብኩኹም፣ ኣብ ኵለን ስፍራታትኩም ከኣ እንጌራ ኣስኣንኩኹም፣ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምንይብል እግዚኣብሄር። ኣነውን ንዓጺድ ገና ሰለስተ ወርሒ ተሪፍዋ ኸሎ፣ ዝናም ከላእኩኹም። ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ኣዝነምኩ፣ ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ግና ኣየዝነምኩን። ኣብታ ሓንቲ ኽፍሊ ዘነመ፣ እታ ዘይዘነማ ኽፍሊ ሀጐጐትክልተሰለስተ ኸተማ ድማ ማይ ኪሰትያ ናብ ሓንቲ ኸተማ ኸዳ እሞ ኣይረወያን። ንስካትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምንይብል እግዚኣብሄርብሃጕን ብዋግን ወቓዕኩኹም፣ ነቲ ብዙሕ ኣታኽልትኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን በለሳውትኹምን ኣዋልዕኩምን ኣንበጣ በልዖ። ንስካትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምንይብል እግዚኣብሄር። ኣነ፣ ከምቲ ኣብ ግብጺ ዝዀነ፣ ፌራ ሰደድኩልኩምነጕባዝኩም ብሰይፊ ቐተልክዎምነፍራስኩም ማረኽክዎም፣ ነቲ ናይ ሰፈርኩም ብድብድ ናይ ኣፍንጫኹም ኣደየብክዎ፣ ንስካትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምንይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ዝገልበጠንገልበጥኩኹም፣ ንስካትኩም ከኣ ካብ ሓዊ ኸም እተመንጠለ እያድ ኰንኩም። ግናኸ ንስካትኩምሲ ናባይ ኣይተመለስኩምንይብል እግዚኣብሄር። ስለዚ ኣታ እስራኤል፡ ከምዚ ኽገብረካ እየ። እዚ ኽገብረካ እየ እሞ፡ ኣታ እስራኤልንኣምላኽካ ኽትቃባበሎ ተዳሎ። እንሆ፡ እቲ ኣኽራን ዚሰርሕንፋስ ከኣ ዚፈጥርንሰብ ድማ ሓሳቡ እንታይ ከም ዝዀነ ዚገልጸሉ፡ እቲ ንወጋሕታ ጸልማት ዚገብር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ቦታታት ምድሪውን ረግጽስሙ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 1:20 | 3 Helpful votes

ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩእዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 9:6-12 | 3 Helpful votes

ግናኸ እዚ እብል አሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዓጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዓጽድኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብከምቲ እቲ ጽሑፍ፡ ዘረወ ንድኻታትውን ሀበጽድቁ ንዘለኣለም ይነብርዚብሎኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዅሉ ዅሉ ሳዕ ዚአከል ኵሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዅሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባካትኩም ጸብለል ኬብል ይከአሎ እዩ፡ ግናኸ እቲ ንዘራኢዘርእን ምግቢ ዚኸውን እንጌራ ዚዕድል፡ ንሱ ዘርእኹም ኪዕድለኩምን ኬበርክተልኩምንንፍረ ጽድቕኹምውን ኬብቍሎን እዩ፡ ንስካትኩም ከኣ ብዅሉ በቲ ብኣታትና ገይሩ ንኣምላኽ ምስጋና ዚዓዪ ልግሲ ኽትህብትሙ ኢኹም። እቲ ኣገልግሎት እዚ ግብሪ እዚ ብብዙሕ ምስጋና ንኣምላኽ ጸብለል ይብል እምበር፡ ጐደሎ እቶም ቅዱሳን ጥራይ ኣይኰነን ዚምልእ

Translation | Context
ኤርምያስ 7:22-24 | 2 Helpful votes

በታ ነቦታትኩም ካብ ግብጺ ኸውጽኦም ከሎኹ፡ ብናይ ዚሐርር መስዋእትን ብመስዋእቲ ሕሩድን ኣይተዛረብክዎምን ኣይኣዘዝክዎምን ድማ። ዝኣዘዝክዎምሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ድምጸይ ስምዑ፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም። ጽቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡውን፡ በቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘበለ ዂሉ መገድታት ተመላለሱ። ግናኸ ብምኽሪ ርእሶምን በቲ ኽፉእ ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ ድማ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ እምበር፡ ንኣይስ ኣይሰምዑንንኣእዛኖም ድማ ናባይ ጽን ኣይበላን።

Translation | Context
ሉቃስ 12:19-21 | 2 Helpful votes

ንነፍሰይውን፥ ኣቲ ነፍሰይብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣኽለኪ አሎኪ እሞ ዕረፊብልዒስተዪተሐጐሲእብላ፡ በለ። ኣምላኽ ግና፥ ኣታ ዓሻንነፍስኻ ካባኻ ኺወስድዋ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ አለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ። እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ከምኡ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 1:24-33 | 2 Helpful votes

ጸዊዔስ እምቢ ስለ ዝበልኩምኢደይ ዘርጊሔውን ዘስተብሀለ ስለ ዜልቦ፡ ኤረ ምኽረይ ዘበለ ደኣ ኣቤኹምተግሳጸይ ከኣ ኣይተቐበልኩምን ኣነውን፡ እቲ እትፈርህዎ ኸምጽእ ከሎ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእመከራ ኸም ሾምቦባ ዀይኑ ኺበጽሃኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ እየ፡ ኣነ ኸባጭወልኩም እየ። ሽዑ ናባይ ኪምህለሉ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክመልሰሎምን እየ፡ ኣንጊሆም ኪደልዩኒግናኸ ኣይኪረኽቡንን እዮም። ፍልጠት ስለ ዝጸልኡፍርሃት እግዚኣብሄር ስለ ዘይመረጹምኽረይ ስለ ዘይፈተዉ፡ ንዅሉ ተግሳጸይ ስለ ዝነዐቕዎፍረ መገዶም ኪበልዑ፡ ካብቲ ምኽሮም ከኣ ኪጸግቡ እዮም። እወ፡ ነቶም ዓያሱ ዕልወቶም ኪቐትሎም፡ ነቶም ደናቝርቲ ኸኣ እቲ ሸለል ምባሎም ኬጥፍኦም እዩ። እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብርንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ

Translation | Context