Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
እግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ። እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል። መዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክር። ሹድሽተ መዓልቲ ዕየ፡ ተግባርካ ዅሉ ግበር። እታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ። እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን። ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር። ኣይትቕተል። ኣይትዘሙ። ኣይትስረቕ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ። እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል። መዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክር። ሹድሽተ መዓልቲ ዕየ፡ ተግባርካ ዅሉ ግበር። እታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ።
Translation | Contextነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም።
Translation | Contextኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንኣኻትኩም ጣኦታት ኣይትግበሩ። እተወቕረ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ድማ ኣይተቑሙ፡ ወይ እተሳእለ እምኒ ኽትሰግዱሉ ኢልኩም ኣብ ምድርኹም ኣይትግበሩ።
Translation | Contextኣይፋሉ፡ ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን። ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ኪህልወኩም ኣይፈቱን እየ። ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከኣለኩምን፡ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከኣለኩምን እዩ።
Translation | Contextኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡
Translation | Contextድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዪ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርአዩ እሞ፡ ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ በሎ።
Translation | Contextጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮም ብሩርን ወርቅን እዩ። ኣፍ አለዎም፣ ኣይዛረቡን፣ ኣዒንቲ አለዎም፣ ኣይርእዩን፣ እዝኒ አለዎም፣ ኣይሰምዑን፣ ኣፍንጫ አለዎም፣ ኣየጨንዉን፣ ኢድ አለዎም፣ ኣይድህስሱን፣ እግሪ አለዎም፣ ኣይከዱን፣ ብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድምጹን። እቶም ዚገብርዎምን ኣብኦም ዚውከሉን፣ ኵሎም ከምኣቶም ኪዀኑ እዮም።
Translation | Contextኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር፡ ንጉስ እስራኤልን ተበጃዊኡን፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ ቀዳማይን ዳሕራይን ኣነ እየ፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን። ካብቲ ኣነ ነቲ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ዝሰረትኩሉ ጊዜ ጀሚሩ፡ ከማይ ዚጽውዕ መን እዩ፧ እስከ ይዛረብ እሞ ይንገረኒ። ነቲ ዚመጽእን ዚኸውንን ይንገሩ። ኣይትፍርሁን ኣይትሰምብዱን፡ ቀደምዶ ኣየስማዕኩኻን ኣይነገርኩኻንዶኸ፧ ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ ብጀካይዶ ኣምላኽ አሎ እዩ፧ ካልእ ከውሒ የልቦን፡ ገለ እኳ ኣይፈልጥን። እቶም ጣኦታት ዚሰርሑ ዂሎም ከንቱ እዮም፡ እቶም ፍትዋቶም ከኣ ገለ እኳ ኣይጠቕሙን። እቶም ምስክሮም ድማ ኣይርእዩን ኣየስተውዕሉን፡ ስለዚ ኺንውሩ እዮም። ገለ እኳ ዘይጠቕሞስ ኣምላኽ ዝሰርሔ፡ ምስሊውን ብፍሲ ዝገበረ መን እዩ፧ እንሆ፡ ኲሎም መተዓይይቱ ኺንውሩ እዮም፡ እቶም ሰራሕቲ ኸኣ ሰብ እዮም። ኲሎም ይተኣከቡን ይቕረቡን፡ ኪስምብዱን ሐቢሮም ከኣ ኪንውሩን እዮም። ስራሕ ሓጺን ምሳር ይስርሕ፡ ኣብ ጓህሪ ይገብሮ፡ ብሞደሻ ይቕጥቕጦ፡ ብሓይሊ ቕልጽሙ ይዐዮ፡ ይጠሚ እሞ ይደክም፡ ማይ ኣይሰትን እሞ ይሕለል። ጸራቢ ገመድ ይግትር፡ ብመንደፊ ይነድፎ፡ ብመንደል ይነድሎ፡ ብመመዓራረዪ ይሕንጽጾ። ኣብ ቤት ኪነብር እዩ እሞ፡ ከም መልክዕ ሰብ፡ ከም ውቁብ ሰብ ገይሩ ይሰርሖ። ኦም ሊባኖስ ይቘርጽ፡ ኣውሕን ኣልጌንን የምጽእ፡ ካብ ኣእዋም ዱር ከኣ ይሐሪ፡ ጽሕዲ ይተክል፡ ዝናም ድማ የብቊሎ። እዚ ኸኣ ንሰብ ንምንዳድ ይጠቕሞ፡ ካብኡ ወሲዱ ይስሕነሉ፡ ኣንዲዱ ኸኣ እንጌራ ይስንክት፡ ምስናይ እዚውን ካብኡ ኣምላኽ ይገብር እሞ የምልኾ፡ ምስሊ ይጸርብ እሞ ይሰግደሉ። እምበኣርሲ ፈረቓኡ ኣብ ሓዊ የንድዶ፡ በቲ ፈረቓኡ ኸኣ ስጋ የብስለሉ፡ ጥብሲ ጠቢሱ ድማ ይጸግበሉ፡ ይመውቚ እሞ፡ ኣሰይ እመውቚ፡ ሓዊ ኸኣ እርኢ አሎኹ፡ ይብል። ነቲ ዝተረፈ ድማ ምስሊ ቐሪጹ ኣምካኽ ይገብሮ፡ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ኣድሕነኒ፡ እናበለ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኡ ይሰግድን ይጽልን። እዚኣቶምሲ፡ ከይርርእዩ ኣዒንቶም፡ ከየስተውዕሉ ድማ ልቦም ተደፊኑ እዩ እሞ፡ ገለ እኳ ኣይፈልጡን፡ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዕሉን እዮም። ፍርቁ ኣብ ሓዊ ኣንዲደ፡ ንጓህሩ ድማ እንጌራ ሰንኪተ፡ ስጋ ኸኣ ጠቢሰ በላዕኩ፡ ነቲ ተረፉዶ ፍንፋን ክገብሮ፧ ንቚራጽ ዕጨይቲዶኸ ኽሰግደሉ እየ፧ ኪብልሲ ኣብ ልቡ ዚምለስ፡ ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎ ሓደ እኳ የልቦን። ንሱ ሓመዂስቲ ይምገብ፡ ነፍሱ ኸየናግፍ፡ እዚ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ዘሎ ሓሶትዶ ኣይኰነን ከኣ ከይብልሲ፡ እተጠበረ ልቢ ኣጋገዮ።
Translation | Contextእቶም በዘን መዓት እዚኣተን ከይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት ከኣ፡ ንኣጋንንትን ነቶም ኪርእዩ፡ ወይስ ኪሰምዑ፡ ወይስ ኪኸዱ ዘይከአሎም ጣኦታት ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ኣእማንን ኣዕጻውን ከይሰግዱ ኻብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሑን። ካብ ነፍሲ ምቕታሎም፡ ወይስ ካብ ኣስማቶም፡ ወይስ ካብ ምንዝርናኦም፡ ወይስ ካብ ስርቆም ኣይተነስሑን።
Translation | Contextመዛኑ ኽንከውንሲ፡ ምስ መን እሞ ከተማሳስሉኒ ከተመዓራርዩንን ከተታኻኸሉንን ኢኹም፧
Translation | Contextወርቂ ኻብ ማሕፉዳ ይኽስክሱ፡ ብሩር ድማ ብሚዛን ይመዝኑ፡ ምስ ሰራሕተኛ ይዋዓዐሉ፡ ንሱውን ኣምላኽ ይሰርሕ፡ ንሳቶም ከኣ ይሰግዱሉን የማልኽዎን። ኣልዒሎም ኣብ መንኲቦም ይጾርዎ፡ ኣብ ስፍራኡ ኸኣ የንብርዎ፡ ኣብኡ ይቐውም፡ ካብ ስፍራኡውን ፍንሕንሕ ኣይብልን። ዝጸውዔ እንተ ጸውዔ፡ ኣይመልስን ካብ ጸበባኡውን ኣየድሕኖን። ነዚ ዘክሩ እሞ፡ ሰብኡት ኲኑ፡ ኣቱም ገበነኛታት፡ ኣብ ልብኹም ተመለሱ። ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ብጀካይ ከቶ የልቦን እሞ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ናይ ቀደም ዘክሩ፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ዚማሳሰለኒ ኸኣ የልቦን። ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ፡ ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ እሞ፡ ምኽረይ ኪቐውም እዩ፡ ፍቓደይ ኲሉውን ክፍጽም እየ፡ ዝበልኩ ኣነ እየ።
Translation | Contextኣቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ንኣኻትኩም እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ዘሎ ቓል ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱ። ብትእምርትታት ሰማይውን፡ ኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁ። ባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹ፡ ኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦ። ብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎ፡ ሰንከልከል ከይብል ድማ ብሽንካርን ብሞደሻን የጋጥምዎ። ከም ኦም ስየ ትኽ ዝበሉን ዘይዛረቡን እዮም። ኪኸዱ ኣይኽእሉን እዮም እሞ፡ ሰብ እዩ ዚጾሮም። ጽቡቕ ዚገብርዎ የብሎምን፡ ክፉእ ድማ ኪገብሩ ኣይከኣሎምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርህዎም። ዎ እግዚኣብሄር፡ ከማኻ ሓደ እኳ የልቦን፡ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፡ ስምካ ድማ ብስልጣን ዓብዪ እዩ። ኣታ ንጉስ ህዝብታት፡ ካብ ኲላቶም ጠቢባን ህዝብታትን ካብ ኲሎም መንግስትታቶምን ሓደ እኳ ኸማኻ የልቦን እሞ፡ ይግብኣካ ስለ ዝዀነ፡ መን እዩ ዘይፈርሃካ፧ ኲላቶም ዕኑዳትን ዓያሱን እዮም፡ ትምህርቲ ኸንቱነትሲ ዕጨይቲ እዩ። ብስራሕ ኣንጠረኛን ብኢድ ብልሓተኛን እተገብረ ገላዕታ ብሩር ካብ ተርሲስ፡ ወርቂ ኸኣ ካብ ኡፉዝ ዘምጽእዎ እዩ። ክዳውንቶም ሰማያውን ጁኽን እዩ፡ ኲላቶም ግብሪ ብልሓተኛታት ሰብ እዮም። ግናኸ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ሓቂ፡ ህያው ኣምላኽ፡ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቚጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፡ ንዂራኡ ኸኣ ህዝብታት ኣይጽመምዎን። እዞም ሰማይን ምድርን ዘይፈጠሩ ኣማልኽቲ ኻብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማይን ኪጠፍኡ እዮም፡ ክትብልዎም ኢኹም። ንሱ ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንዓለም ኣቘማ፡ ብኣእምሮኡ ድማ ንሰማያት ዘርግሔ። ድምጹ ምስ ዜስምዕ፡ ማያት ኣብ ሰማይ ይሕንዝዝ፡ ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፡ መባርቕ ከኣ ንዝናም ይገብሮ፡ ንንፋስውን ካብ መዛግቡ የውጽኦ። ነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ጠፊእዎ ይዕነድ። እቲ ዝፈሰሰ ምስሉ ሓሶት እዩ፡ ትንፋስ ከኣ የብሉን እሞ፡ ኣንጠረኛ ዘበለ በቲ ዝገበሮ ምስሊ ይሐንኽ። ከንቱነት፡ ናይ ምጥባር ዕዮ እዮም፡ ብጊዜ ቕጽዓቶም ኪጠፍኡ እዮም። ግደ ያእቆብሲ ኸምዚኣቶም ኣይኰነን። ንዂሉ ዝደኰነ ንሱ እዩ፡ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ፡ ስሙ ኸኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ። እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ ነዞም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ ዘለዉ በዚ ግዜ እዚ ናብ ርሑቕ ክውንጭፎም፡ ክሳዕ ዚፍለጦምውን ከጽብበሎም እየ፡ ይብል አሎ እሞ፡ ኣቲ ተኸቢብኪ ዘሎኺ፡ ኣቓሑኺ ኣርኒብኪ ኻብ ሃገር ኣውጽኢ። ተወቒዔ እየ እሞ ወይለይ፡ ቊስለይ የቐንዝወኒ አሎ። ኣነ ግና፡ እዝስ ስቓየይ እዩ እሞ እጽመሞ እየ፡ በልኩ። ድንኳነይ ተበላሸወ፡ ኲሉ መገታተሪየይ ተበታተኸ። ደቀይ ካባይ ወጹ፡ የለውን ከኣ። ሓደ እኳ ድንኳነይ ዚተክል፡ መጋረጃይ ከኣ ዚሰቅል የልቦን። ጓሶት ተዐንዱ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣይደለይዎን። ስለዚ ኣይሰለጦምን፡ ኲለን መጓሴታቶም ከኣ ፋሕ በላ። እንሆ፡ ንኸተማታት ይሁዳስ ዑናን መሳፍሮ ወኻሩን ምእንቲ ኺገብረን ኢሉ ድምጽን ብርቱዕ ህማምን ካብ ሃገር ሰሜን ይመጽእ አሎ። ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ፡ እፈልጥ አሎኹ። ጐይታየ፡ ቅጽዓኒ፡ ግናኸ ብልክዕ ደኣ። ምእንቲ ኸይተጥፍኣንስ ብቚጥዓኻ ኣይኰነን። ንያእቆብ በሊዖምዎ፡ ወሒጦምዎ፡ ወዲኦምዎ፡ ማሕደሪኡውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ፡ ቊጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብን ናብቶም ስምካ ዘይጽውዑ ዓሌትን ደኣ ኽዐዎ።
Translation | Contextነቶም ናብ ከንቱነት ሓሶት ዚጽግዑ እጸልኦም እየ፣ ኣነ ግና ኣብ እግዚኣብሄር እየ ዝውከል።
Translation | Contextዎ ንጉስ፣ ንሱ ኼናግፈና እንተ ዘይፈተወ፣ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይንምልኾም፣ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ፣ በልዎ።
Translation | Contextጳውሎስ ግና ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኣቴና፡ ብዂሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑ፡ እርእየኩም አሎኹ። እናዞርኩ መቓድስኩም ክርኢ ኸሎኹ፡ ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምብኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም፡ ንእኡ ኣነ እነግረኩም አሎኹ። እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ። ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኲሉ ነገርን ንዂሉ ዚህብ እዩ፡ ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ። ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም። እምብኣርስኸ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንናስ፡ ኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል፡ ክንሐስቦ ኣይግብኣናን እዩ። ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ።
Translation | Context