Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all4 bible verses about
ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
Translation | Contextሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ በሎ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኣብ ቂርያት-የዓርም ካብ ዚቕመጥ ጊዜኡ ነውሔ፡ ዕስራ ዓመት ኰነ። ብዘለዉ ቤት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ኣቢሎም ይቚዝሙ ነበሩ። ሳሙኤል ከኣ ንብዘላ ቤት እስራኤል፡ ንስኻትኩም ብምሉእ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ትምለሱ እንት ዄንኩም፡ ጓኖት ኣማልኽትን ኣስታሮትን ካብ ማእከልኩም ኣርሕቑ፡ ልብኹም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ንእኡ ጥራይውን ኣምልኹ፡ ሽዑ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕነኩም እዩ፡ ኢሉ ተዛረበ።
Translation | Context