Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all6 bible verses about
እምብኣርስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓዉ ክትፍለዩ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም አሎና። ኣብ ሓዴኹም እኳ ኸይነኽብድሲ፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ድኻምን እናዓየና እምበር፡ ካብ ሓደ እኳ ብኸምኡ እንጌራ ኣይበላዕናን፡ ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ኣይተመላለስናን እሞ፡ ከመይ ኢልኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ምሳኻትኩም ከሎናውን፡ ገለ ሰብ ኪዓዪ ዘይፈቱ እንተ ዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና ኣዘዝናኩም እሞ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሃብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰንናን። ማለት፡ ሓያሎ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ፡ ዙረት እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይዓዩ፡ ንሰምዕ አሎና። ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ፡ ብህድኣት እናዓየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን አሎና።
Translation | Contextትህኪት ናብ ዓሚቝ ድቃስ የውድቕ፡ ሸለልተኛ ነፍሲ ኸኣ ትጠሚ።
Translation | Contextኣብ ልዕሊዝውን ቤተ ቤት እናዞራ ምብኳር ዕዮ እየን ዚምህራ፡ ዘይግባእ እናተዛረባውን መብዛሕቲ ኣፍን ወልፋሳትን ይዀና እምበር፡ ምብኳር ዕዮ ጥራይ ኣይኰናን።
Translation | Contextኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ብዙይ ስርዓት ዚመላለሱ ግንሕዎም፡ ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ኣፋጥንዎም፡ ነቶም ድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅላቶም ተዓገስዎም ኢልና ንምዕደኩም አሎና።
Translation | Contextንብረት ቤታ ትሕሉ፡ እንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕን።
Translation | Contextእምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ።
Translation | Context