Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል።
Translation | Contextንትሑታት ብፍርዲ ኺመርሖም፣ ንትሑታትውን መገዱ ኼስተምህሮም እዩ።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ።
Translation | Contextሓደ ናብ መርዓ እንተ ዓደመካ፡ ኣብቲ ኣውራ መቐመጢ ኣይትቀመጥ። ካባኻ ዚኸብር ካልእ ጸዊዑ እንተ ዀነ፡ እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝጸውዔ መጺኡ፥ እዛ ስፍራ እዚእ ነዚ ሕደገሉ፡ ኪብለካ እዩ እሞ፡ ሽዑ እናሐፈርካ ናብ ታሕታይ መቐመጢ ኽትወርድ ትጅምር። ርእሱ ዜዕቢ ዅሉ ኺዋረድ፡ እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ እሞ እንተ ተዓደምካ፡ እቲ ዝዓደመካ መጺኡ፡ ዓርከይ፡ ናብ ላዕላይ ደይብ፡ ምእንቲ ኺብለካስ፡ ኬድካ ኣብ ታሕታይ ስፍራ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ዅሎም መቓምጥኻ ኽብረት ኪዀነልካ እዩ።
Translation | Contextንውርደት ትዕቢት ትቕድማ፡ ንውድቀት ከኣ ኵርዓት። ምስቶም ዕቡያት ዘመተ ኻብ ምክፋልሲ፡ ምስቶም መሳኪን ደኣ ብመንፈስ ትሑት ምዃን ይሐይሽ።
Translation | Contextሕጂ ድማ ኣነ ነቡካድነጻር ነቲ ንጉስ ሰማይ ኤመስግኖን ልዕል ኤብሎን ኤኽብሮን አሎኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፣ መገድታቱ ኸኣ ፍርዲ እዩ እሞ፣ ነቶም ተዐብዮም ዚኸዱ ኼዋርዶም ይክእል እዩ።
Translation | Contextክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ። እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፤ ኣምላኸይ፡ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን። ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ።
Translation | Contextእዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።
Translation | Contextሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ አሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን።
Translation | Contextኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም።
Translation | Contextንደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን፡ ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
Translation | Contextኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፣ እግዚኣብሄርሲ፣ ቅንዕና ኽትገብር፣ ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባካ ዚደልዮ እንታይ እዩ።
Translation | Context