Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

human sacrifice


ዘዳግም 18:10 | 28 Helpful votes

ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ

Translation | Context
2ይ ነገስት 21:6 | 8 Helpful votes

ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎብደበናን ብተመንን ገይሩ ድማ ይጥንቊል ነበረ፡ መናፍስቲ ዚሐቱን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ከኣ ገበረ። ምእንቲ ኬዀርዮስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፋእ ገበረ

Translation | Context
2ይ ነገስት 3:27 | 8 Helpful votes

ሽዑ ነቲ ኣብ ክንዳኡ ዚነግስ በዂሪ ወዱ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጎ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ብርቱዕ ኲራ ዀነ እሞ፡ ካብኡ ረሐቑናብ ሃገሮም ድማ ተመልሱ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 18:21 | 7 Helpful votes

ካብ ዘርእኻ ንሞሎኽ ብሓዊ ንምሕላፍ ኣይትሀብ። ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ

Translation | Context
ዘፍጥረት 22:1-24 | 7 Helpful votes

ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣ ዀነኣምላኽ ንኣብርሃም መከሮ በሎውንኣብርሃም። ንሱ ኸኣ፥ እኔኹ፡ በለ። እምበኣር ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰድ እሞ፡ ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዚሓርር መስዋእቲ ሰውኣዮበለንጽብሒቱ ድማ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንስኤኣድጉ ጽዒኑክልተ ግዙኣቱን ወዱ ይስሃቅን ምስኡ ወሰደንዝሐርር መስዋእቲ ዚኸውን ዕጨይቲውን ፈለጸተንሲኡ ድማ ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ ኸደኣብርሃም ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣዒንቱ ኣንቃዕሪሩ ነታ ቦታ ብርሑቕ ረአያኣብርሃም ድማ ንግዙኣቱ፡ ምስ እዛ ኣድጊ ኣብዚ ጽንሑኣነን እዚ ወድን ከኣ ናብቲ ኼድና ኽንሰግድ ኢና፡ ናባኻትኩም ድማ ንምለስበሎምኣብርሃም ድማ እቲ ንዚሐርር መስዋእቲ ዚኸውን ዕጨይቲ ወሲዱንወዱ ይስሃቅ ኣሰከሞሓውን ካራን ከኣ ብኢዱ ወሰደክልትኦም ድማ ብሓደ ኸዱይስሃቅ ነቦኡ ኣብርሃምኣቦየ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸኣ፡ እነኹ ወደይበሎ። ንሱ ድማ፥ ሓውን ዕጨይትንሲ እንሆ፡ እቲ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ አሎ፧ በለኣብርሃም ከኣ፡ ወደየ፡ እቲ ንዚሐርር መስዋእቲ ዚኸውን በጊዕሲ ኣምላኽ ንርእሱ ይሓልዮ እዩ፡ በለክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ። ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ መጹኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሔዕጨይቲ ኸኣ ጸፍጸፈሉንወዱ ይስሃቅ ኣሲሩ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጨይቲ በጥ ኣበሎ። ኣብርሃም ድማ ንወዱ ኺሓርድኢዱ ዘርጊሑካራ ወሰደመልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ሰማይ ጸዊዑኣብርሃምኣብርሃም በሎ። ንሱውን፡ እኔኹ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ ነዚ ሓደ ውሉድካ እኳ ካብ ዘይከላእካንስንእግዚኣብሄር ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ አሎኹ እሞ፡ ኢድካ ኣብዚ ወዲ ኣይትዘርግሕገለን ኣይትግበሮበለኣብርሃም ድማ ዓይኑ ቛሕ ኣበለ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ድሕሪኡ ቐርኑ ብሓረግ እተታሕዘ ድዑል ረአየ። ኣብርሃም ድማ ከይዱ፡ ነቲ ድዑል ወሲዱ፡ ኣብ ክንዲ ወዱ ንዚሓርር መስዋእቲ ሰውኦኣብርሃም ከኣ ስም እታ ቦታ እቲኣ፡ እግዚኣብሄር ይርኢ፡ ኢሉ ኣውጽኣላ። ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ከረን እግዚኣብሄር ይሕለ፡ ዚብሀል ዘሎ እዩመልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካልኣይ ሳዕ ካብ ሰማይ ንኣብርሃም ጸውዖብርእሰይ መሐልኩይብል እግዚኣብሄርእዚ ነገርዚ ኻብ እትገብር፡ ነቲ ሓደ ውሉድካን ካብ ዘይትኸልእስለዚ ኣዝየ ኽባርኸካ እየ፡ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኺወርስ እዩ። ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም፡ በሎ። ኣብርሃም ከኣ ናብ ግዙኣቱ ተመልሰተላዒሎም ከኣ ብሓንሳእ ናብ ብኤር-ሸባዕ ከዱ። ኣብርሃም ድማ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ተቐመጠኰነ ኸኣ፡ ድሕርዚ ነገርዚ ንኣብርሃምእንሆ፡ ሚልካ ድማ ንናሆር ሓውካ ደቂ ወሊዳትሉኢሎም ነገርዎዑጽ እቲ በዅሩሓዉ ድማ ቡዝቄሙኤል ከኣ ኣቦ ኣራምኬሴድን ሓዞን ጲልደሽን ይድላፍን ቤቱኤልንቤቱኤል ድማ ንርብቃ ወለደ። እዚኣቶም ሾሞንቲኦም ሚልካ ንናሆርሓዉ ኣብርሃምወለደትሉሬኡማ ዝስማ ሰበይቲ ወሰኑ፡ ንሳ ድማ ጤባሕን ጋሓሞን ታሓሽን መዓካን ወለደት

Translation | Context
መሳፍንቲ 11:31 | 4 Helpful votes

ይፍታሕ ድማ ንእግዚኣብሄርንደቂ ዓሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካንስ፡ ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ካብ ደቂ ዓሞን ብድሓን ምስ ተመለስኩ፡ እቲ ኪቕበለኒ ኢሉ ኻብ ደጌታት ቤተይ ዚወጽእ፡ ንእግዚኣብሄር ይኹን፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ከቕርቦ እየ፡ ኢሉ መብጽዓ ተማባጽዔ

Translation | Context
ኤርምያስ 7:31 | 4 Helpful votes

ኣነ ከቶ ዘይኣዘዝክዎን ዘይሐሰብክዎንሲኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኼንድዱበረኽቲ ቶፌት ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ሰርሑ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
ዘሁልቍ 31:40-41 | 3 Helpful votes

ነፍሲ ሰብ ድማ ዓሰርተው ሹድሽተ ሽሕ፡ ካብኡ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ሰላሳን ክልተን ነፍሲ። ሙሴ ድማ እቲ ግብሪ፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዚልዓል መስዋእቲከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞንኻህን ኣልኣዛር ሀቦ

Translation | Context
ህዝቅኤል 20:25-26 | 3 Helpful votes

ምስናይ እዚ ኣነውን ጽቡቕ ዘይኰነ ትእዛዛት፣ ብህይወት ኪነብሩሉ ዘይከኣሎም ፍርድታት ሀብክዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጡስከባድሞም ኢለ፣ በቲ ማሕጸን ኣዲኡ ዝኸፈተ ዅሉ ብሓዊ ዘሕለፍዎ መባኦም ገይረ ኣርከስክዎም

Translation | Context
ዘዳግም 12:31 | 2 Helpful votes

ንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዚጸልኦ ዘበለ ዅሉ ፍንፉን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ፡ ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዱሎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ

Translation | Context
ዘጸአት 13:11-16 | 2 Helpful votes

ይኸውን ድማ፡ እግዚኣብሄር ናብታ ንኣኻን ነቦታትካን ዝመሐለልካ ምድሪ ኸነኣናውያን ምስ ኣእተወካ፡ ንኣኻ ምስ ሀበካማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ክትፈሊ ኢኻ። ካብ ዘሎካ ማልካ ቅድም እተወልደ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እዩ። ኵሉ በዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተበጀዎእንተ ዘይተበጆኻዮ ኸኣክሳዱ ስበሮካብ ደቅኻ ድማ በዅሪ ንዘበለ ዅሉ ሰብ ተበጀዎኪኸውን ድማ እዩ፡ ንዳሕራዩ ወድኻእዚ ኣንታይ እዩኢሉ ምስ ዚሓተካ፡ ንስኻ፡ እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ብሓያል ኢድ ኣውጽኣና። ኰነ ኸኣ፡ ፈርኦን ከይሓድገና ምስ ተረረእግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ግብጺ ንዅሉ በዅሪካብ በዅሪ ሰብ ክሳዕ በዅሪ እንስሳቀቲሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እስውኦ፡ ካብ ደቀይ ድማ በዅሪ ንዝዀነ ዅሉ እብጀዎ፡ ትብሎ። እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ ብሓያል ኢድ ኣውጺኡና እዩ እሞ፡ እዚ ድማ ኣብ ኢድካ ኸም መፈለጥታኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸኣ ከም ክታብ ይኹንካ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 27:28-29 | 2 Helpful votes

ሰብ ንእግዚኣብሄር ዝሐረሞ ዂሉ ሕሩም ነገር ካብ ዝዀነ ገንዘቡ፡ ሰብ ኰነ እንስሳ ዀነ ወይ ግራት ርስቱ ዝዀነት፡ ኣይሸየጥ ኣይበጀዎ ድማ። እተሐርመ ዘበለ፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። እተሐርመ ዘበለ ሕሩም ሰብ ሞት ይሙት እምበር፡ ኣይበጀዎ

Translation | Context
2ይ ነገስት 23:20-25 | 2 Helpful votes

ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዂሎም ናይ በረኽቲ ኻህናት ድማ ኣብቲ መሰውኢታት ሐረዶም፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣዕጽምቲ ሰብ ኣንደደ። ናብ የሩሳሌም ድማ ተመልሰ። እቲ ንጉስ ከኣ ንብዘለዉ ህዝቢ፡ ከምቲ ኣብዚ መጽሓፍ ኪዳን እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፋስጋ ኣብዕሉ ኢሉ ኣዘዞም። ካብቲ መሳፍንቲ ንእስራኤል ዝፈርዱሉ ዝነበሩ ዘመን ጀሚሩ ኸኣ፡ ብዘሎ ዘመን ነገስታት እስራኤልን ነገስታት ይሁዳን ከምዚ ዝበለ ፋስጋ ኣይተፈሰገን። እዚ ፋስጋ እዝስ ንንጉስ ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ደኣ ኣብ የሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ተገብረዮስያስ ድማ ቃላት እቲ ኣብቲ ኻህን ሒልቂያ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝረኸቦ መጽሓፍ ተጽሒፉ ዘሎ ሕጊ ምእንቲ ኬቕውም ኢሉ፡ ነቶም መናፍስቲ ዚሐቱን ንጠንቈልትን ንኣማልኽቲ ቤትን ንጣኦታትን ኲሉ እቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ንእተራእየ ጽያፋትን ኣደዶከምቲ ዂሉ ነፍሱን ሕጊ ሙሴ ገይሩ ብዂሉ ልቡን ብዂሉ ዂሉ ነፍሱን ብዂሉ ሓይሉን ናብ እግዚኣብሄር እተመልሰ ንጉስ ከኣ ብቕድሚኡ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን፡ ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ኣይተንስኤን

Translation | Context
መዝሙር 106:37-41 | 2 Helpful votes

አወዳቶምን ኣዋልዶምን ነጋንንቲ ሰውኡሎምንጹህ ደምደም ኣወዳቶምን ኣዋልዶምንኣፍሰሱንጣኦታት ከነኣን ሰውእዎም፣ እታ ሃገርውን ብደም ረኸሰት። በዚ ከምዚ ብተግባሮም ረኸሱብግብርታቶም ከኣ ኣመንዘሩ። ሽዑ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ነደደንርስቱ ኸኣ ፈንፈኖ። አብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ሀቦም፣ እቶም ዝጸልእዎም ድማ መለኽዎም

Translation | Context
ዮሃንስ 1:29 | 2 Helpful votes

ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረአየ እሞእንሆሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽበለ

Translation | Context
ሉቃስ 11:47-51 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩምውን መቓብር ነብያት ትሰርሑ አሎኹም፡ ኣቦታትኩምውን ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ወይለኹምንሳቶም ቀቲሎምዎም እዮም፡ ንስካትኩም ድማ መቓብሮም ትሰርሑ አሎኹም እሞ፡ ከምኡ ነዚ ንስካትኩም ምስክር ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ኣቦታትኩምውን ትሰምርዎ አሎኹም። ስለዚ ድማ ጥበብ ኣምላኽ በለትነብያትን ሃዋርያትን ናባታቶም እልእኽ አሎኹ፡ ንሓያል ካባታቶም ከኣ ይቐትሉን ይሰጕዎምን አለዉ። ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ዘካርያስ፡ እቲ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ነብያት ካብዚ ወለዶ እዚ ኪደለ እዩ። እወ፡ ካብዚ ወለዶ እዚ ኪድለ እዩ፡ እብለኹም አሎኹ።

Translation | Context
ሆሴዕ 6:6 | 2 Helpful votes

ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈቱመስዋእቲ ኣይኰነን፣ ካብ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈቱ።

Translation | Context