Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።
Translation | Contextባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።
Translation | Contextእምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።
Translation | Contextግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧
Translation | Contextንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ።
Translation | Contextእንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።
Translation | Contextተመሃሪ ኻብ መምህሩ፡ ጊልያውን ካብ ጐይታኡ ኣይበልጽን።
Translation | Contextኣቱም ጐይተት፡ ንኣኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘሎኩም ፈሊጥኩምሲ፡ ንግዙኣትኩም ቅኑዕን ግቡእን ግበሩሎም። ጸሎት ኣዘውትሩ፡ ብእኡውን ብምስጋና ንቕሑ። እቲ ብዛዕባኡ ተኣሲረ ዘሎኹ ምስጢር ክርስቶስ ክንነግርሲ፡ ምዝራቡ ኸም ዚግብኣኒ ምእንቲ ኽገልጾ፡ ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ደገ ኪኸፍተልና ምእንታና ድማ ጸልዩ። ጊዜ እናዓደግኩም፡ ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ። ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን። ጥኪቆስ፡ እቲ ፍቁር ሓውን እሙን ኣገልጋልን ብጐይታ መዓይይተይን፡ ከመይ ኢለ ኸም ዘሎኹ፡ ኬፍልጠኩም እዩ። ብዛዕባ ህልዋትና ምእንቲ ኽትፈልጡን ልብኹምውን ኬህድእን እየ ንእኡ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ። ምስኡውን ነቲ ኻባኻትኩም ዝዀነ እሙንን ፍቁርን ሓውና ኦኔሲሞስ ሰዲደዮ አሎኹ። ንሳቶም ብናይ ነጀው ዘበለ ዅሉ ኺነግሩኹም እዮም። እቲ ምሳይ እተማረኸ ኣርስጠርኮስ ሰላም ይብለኩም አሎ፡ እቲ ብዛዕባኡ ትእዛዝ እተቐበልኩም ማርቆስ፡ ወዲ ሓዉ ኣቦኡ ንበርናባስ፡ ናባኻትኩም እንተ መጸ ኸኣ፡ ተቐበልዎ። ዮስጦስ ዚብሃል የሱስውን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምሳይ ዜገልግሉ ንምጽንናዕውን ዚዀኑኒ ዘለዉ ሰብ ግዝረት፡ እዚኣቶም ጥራይ እዮም። እቲ ሓደ ኻባኻትኩም ባርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ፡ ኵሉ ሳዕ ብጸሎት ዚጋደለልኩም ዘሎ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለኩም አሎ። ንሱ ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያን ኣብ ሂራጶሊስን ዘለውን ብዙሕ ጻዕሪ ኸም ዘለዎ፡ እምስክረሉ አሎኹ። ሉቃስ፡ እቲ ፍቁር ሓኪምን ዴማስን ሰላም ይብሉኹም አለዉ። ነቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለዉ ኣሕዋትን ንኒምፋስን ነታ ኣብ ቤቱ ዘላ ማሕበርን ሰላም በልዎም። እዛ ደብዳበ እዚኣ ኣባኻትኩም ምስ ተነበት፡ ኣብ ማሕበር ሎዲቅያ ኸኣ ከም እትንበብ፡ ነታ ኻብ ሎዲቅያ እትመጽእ ንስኻትኩምውን ከም እተንብብዋ ግበሩ። ንኣርኪጶስ ድማ፡ ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ፡ በልዎ። እዚ ሰላምታ እዚ ብኢደይ፡ ብኢድ ጳውሎስ፡ እዩ። መቐውሔይ ዘክሩ። ጸጋ ምሳካትኩም ይኹን። ኣሜን።
Translation | Contextኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።
Translation | Contextከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ።
Translation | Contextከም ብሓድሽ ከኣ ናብ ገምገም ባሕሪ ወጸ፡ ኵሉ ህዝቢ ኸኣ ናብኡ መጸ፡ ይምህሮምውን ነበረ። ኪሐልፍ ከሎ ድማ፡ ንሌዊ ወዲ እልፍዮስ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣዮ እሞ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዓቦ። ኰነ ድማ፡ ንሱ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ፡ ዝሰዐብዎ ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ብዙሓት ተገውትን ሓጥኣንን ድማ ምስ የሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ምስ ተገውትን ምስ ሓጥኣንን ኪበልዕ ከሎ ምስ ረአይዎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ምስ ሓጥኣንን ዚበልዕን ዚሰትን፧ በልዎም። የሱስ ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ በሎም።
Translation | Contextንሳቶም ከኣ፡ ነቶም ክፉኣት የጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ ፍሪኡ በብጊዜኡ ንዚህቡ ኻልኦት ዓየይቲ ብመገስ ይህቦም፡ በልዎ። የሱስ ከኣ በሎም፡ እቶም ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ ዚብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧ ስለዚ ድማ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ፡ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትወሀብ እያ፡ እብለኩም አሎኹ። ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወደቐ ይስብር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ይጭፍለቕ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ምስላታቱ ምስ ሰምዑ፡ ብዛዕባኦም ከም እተዛረቦ ኣስተውዐሉ። ኪሕዝዎ ድማ ደለዩ፡ ግናኸ ኣብቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ነበረ እሞ፡ ንኣታቶም ፈርሁ።
Translation | Context