Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

24 bible verses about

how we should live our lives


ኤፌሶን 4:29-32 | 10 Helpful votes

እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውንንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሐተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ካባካትኩም ይርሐቕ። ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
ቈሎሴ 1:10 | 7 Helpful votes

ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽሊ አሎና።

Translation | Context
መዝሙር 119:1-176 | 6 Helpful votes

ብመገዶም ፍጹማት ዝዀኑ፣ ብሕጊ እግዚኣብሄር ዚመላለሱ ብጹኣን እዮም። ምስክራቱ ዚሕልዉ፣ ብምሉእ ልቢ ዚደልይዎ ብጹኣን እዮም። እከይ ኣይገብሩንብመገድታቱ ኸኣ ይመላለሱኣጸቢቑ ምእንቲ ኺሕሎትእዛዛትካ ኣዘዝካኣየስርዓታትካ ኽሕሉስመገደይ እንተ ዚቐንዕ። ንዅሉ ትእዛዛትካ እንተ ዝቋመት፣ ሽዑ ኣይምሐፈርኩንፍርዲ ጽድቅኻ ምስ ተምሀርኩ፣ ብቕንዕና ልቢ ኸመስግነካ እየ። ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ፣ ፈጺምካ ኣይትሕደገኒጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ። ብምሉእ ልበይ እደልየካ አሎኹ፣ ካብ ትእዛዛትካ ኸየግልስ ኣይትሕደገኒ። ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ብሩኽ ኢኻ፧ ስርዓታትካ ምሀረኒ። ንዅሉ ፍርድታት ኣፍካ ብኸናፍረይ ኣዘንቶኹ። ብመገዲ ምስክራትካ ኸም ብዅሉ ሃብቲ ገይረ ተሐጐስኩንትእዛዛትካ ኤስተንትኖንመገድኻውን እቋመቶ አሎኹ። ብስርዓታትካ ባህ እብል፣ ንቓልካ ኣይክርስዖን እየ። ብህይወት ክነብርቃልካውን ክሕሉስንባርያኻ ሰናይ ግበረሉ። ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስኣዒንተይ ክፈተለይ። ኣነ ኣብ ምድሪ ጋሻ እየ፣ ትእዛዛትካ ኣይትሕብኣለይነፍሰይኵሉ ጊዜ ፍርድኻ ብምንፋቕ ተቐጥቀጠት። ነቶም ትዕቢተኛታት፣ ነቶም ካብ ትእዛዛትካ ዜግልሱ ርጉማት ገናሕካምስክራትካ ሐልየ እየ እሞ፣ ጸርፍን ንዕቀትን ኣርሕቐለይመሳፍንቲ ተቐሚጦም እኳ እንተ ሐመዩኒባርያኻስ ብስርዓታትካ የስተንትን አሎ። ምስክራትካ ድማ ባህታይን መኸርተይን እዮም። ነፍሰይ ኣብ ሓመድ ተጣበቐት፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ። መገደይ ኣዘንቶኹ፣ ንስኻውን መለስካለይስርዓታትካ ምሀረኒንተኣምራትካ ኸስተንትኖስ፣ መገዲ ትእዛዛትካ ኣፍልጠኒነፍሰይ ብሓዘን ትነብዕ አላ፣ ከም ቃልካ ኣደልድለኒመገዲ ሓሶት ኣርሕቐለይሕግኻውን ብሳህልኻ ፍቐደለይ። መገዲ ሓቂ መረጽኩፍርድታትካ ኣብ ቅድመይ ኣንበርኩ። ኣብ ምስክራትካ እጠብቕ፣ ዎ እግዚኣብሄርኣይተሕፍረኒልበይ ምስ ኣግፋሕካብመገዲ ትእዛዛትካ ኽጐዪ እየ። ዎ እግዚኣብሄርመገዲ ስርዓታትካ ምሀረኒ፣ ክሳዕ መወዳእታውን ክሕልዎ እየ። ምስትውዓል ሀበኒ እሞ፣ ንሕግኻ ኽሕልዎ፣ ብምሉእ ልበይውን ክገብሮ እየ። ብእኡ ባህ ኢሉኒ እዩ እሞ፣ ብመገዲ ትእዛዛትካ ኣመላልሰኒንልበይ ናብ ምስክራትካ እምበር፣ ናብ ስስዔ ገንዘብ ኣይተዝብሎነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰንብመገድኻ ህያው ግበረኒ። ነቲ ናብ ፍርሃትካ ዚመርሕ ቃልካ ኣብ ባርያኻ ኣጽንዓዮፍርድታትካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ነቲ ዝፈርሆ ጸርፊ ኣርሕቐለይእንሆትእዛዛትካ እናፍቕ አሎኹ፣ ብጽድቅኻ ህያው ግበረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ቓልካ ምሕረትካን ምድሓንካን ይምጽኣኒ። ኣብ ቃልካ ተወኪለ እየ እሞ፣ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ክህቦ እየ። ንፍርድታትካ እጽበ አሎኹ እሞ፣ ነቲ ቓል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈጺምካ ኣይተግድፈኒ። ኣነውን ንሕግኻ አዘውቲረ፣ ኵሉ ጊዜንዘለአለም ክሕልዎ እየ። ትእዛዛትካ ድማ ደልየ እየ እሞ፣ ብገፊሕ ቦታ ኽመላለስ እየ። ኣብ ቅድሚ ነገስታት ከኣ ምስክራትካ ኽዛረብኣይክሐፍርን ድማ እየ። በቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካውን ባህ ክብል እየ። ኣእዳወይ ድማ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕልስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ። ነቲ ንባርያኻ ዘተስፎኻዮ ቓል ዘክርቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ፣ እዚ ኣብ መከራይ መጸናንዕየይ እዩ። ትዕቢተኛታት ኣዝዮም ኣላገጹለይ፣ ኣነ ግና ካብ ሕግኻ ኣየግለስኩንጐይታየ፣ ናይ ጥንቲ ፍርድታትካ እናሐሰብኩእጸናናዕ አሎኹ። ብሰሪ እቶም ሕግኻ ዝሐደጉ ረሲኣን ብቚጥዓ ተቓጸልኩ። ኣብ ቤት ግሽነተይ ስርዓታትካ መዝሙራተይ እዩ። ዎ እግዚኣብሄርብለይቲ ስምካ ሐሰብኩሕግኻውን ሐሎኹትእዛዛትካ ሐልየ እየ እሞ፣ እዚ ዕድለይ ኰነ። ጐይታየምሕላው ቃልካ ግደይ እዩ፣ በልኩ። ብምሉእ ልበይ ኣባኻ እምህለል አሎኹ፣ ከም ቃልካ ምሐረኒንመገደይ ሐሰብኩኣእጋረይውን ናብ ምስክራትካ መለስኩትእዛዛትካ ንምሕላው ቀልጠፍኩ እምበር፣ ኣይደንጔኹንኣግማድ ረሲኣን ከበበኒሕግኻ ግና ኣይረሳዕኩን። ስለቲ ጻድቕ ፍርድኻ ኸመስግነካፍርቂ ለይቲ ኽትንስእ እየ። ኣነ ብጻይ እቶም ዚፈርሁኻ ዅሎምን ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ። ጐይታየምድሪ ብጸጋኻ መሊኣ አላ፣ ስርዓታትካ ምሀረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ቃልካ ንባርያኻ ሰናይ ገበርካሉትእዛዛትካ ኣሚነ አሎኹ እሞ፣ ሰናይ ምስትውዓልን ፍልጠትን ምሀረኒከይተዋረድኩ ተጋጌኹ፣ ሕጂ ግና ቓልካ እሕሉ አሎኹ። ንስኻ ሰናይ ኢኻ እሞ፣ ሰናይ ትገብር አሎኻ፣ ስርዓታትካ ምሀረኒትዕቢተኛታት ሓሶት ይፍሕሱለይ አለዉ፣ ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ ትእዛዛትካ እሕሉ አሎኹ። ልቦም ከም ስብሒ ረጐደ፣ ኣነ ግና ብሕግኻ ባህ እብል አሎኹ። ስርዓታትካ ምእንቲ ኽምሀርውርደተይ ሰናይ ኰነለይ። ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ ኣፍካ ይሔሸኒኣእዳውካ ገበራንን ሰርሓንንትእዛዛትካ ኽምህርሲኣለብመኒንቓልካ ተጸብየ እየ እሞ፣ እቶም ዚፈርሁኻ ርእዮምኒ ኺሕጐሱ እዮም። ጐይታየፍርድኻ ጽድቂ ምዃኑ፣ ብሓቅኻውን ከም ዘዋረድካኒእፈልጥ አሎኹ። ከምቲ ንባርያኻ ዝበልካዮ ቓልጸጋኻ መጸናንዒ ይኹነኒ። ሕግኻ ደስታይ እዩ እሞ፣ ብህይወት ክነብርሲምሕረትካ ይውረደኒዕቡያት ብሓሶት ጠውዮምኒ እዮም እሞ፣ ይሕፈሩ፣ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኤስተንትን አሎኹ። እቶም ዚፈርሁኻን ምስክራትካ ዚፈልጡን ናባይ ይመለሱ። ምእንቲ ኸይሐፍርሲልበይ ብስርዓታትካ ፍጹም ይኹን። ነፍሰይ ንምድሓንካ ትናፍቖ አላ፣ ንቓልካ እጽበዮ አሎኹ። መአዝ ኢኻ እተጸናንዓኒእናበልኩ፣ ብናፍቖት ቃልካ ኣዒንተይ ሐመቓ። ከም ኣብ ትኪ ዘሎ ሓርቢ ዀንኩ፣ ስርዓታትካ ግና ኣይረሳዕኩንመዓልትታት ባርያኻ ኽንደይ እየን፧ ንሰጐጕተይከ መአዝ ኢኻ እትፈርዶም፧ እቶም ከም ሕግኻ ዘይነብሩ ትዕቢተኛታት ጕድጓድ ኰዐቱለይ። ኵሉ ትእዛዛትካ ሓቂ እዩ፣ ብዘይ ምኽንያት ይሰጉኒ አለዉ፣ ርድኣኒ። ካብ ምድሪ ኼጥፍኡኒ ቕሩብ ተረፎም፣ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይሐደግኩን። ከም ጸጋኻ ህያው ግበረኒ፣ ኣነውን ምስክር ኣፍካ ኽሕሉ እየ። ዎ እግዚኣብሄርቃልካ ንዘለአለም ኣብ ሰማይ ጸኒዑ አሎ። ሓቅኻ ኻብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፣ ንምድሪ ኣጽኒዕካያ፣ ንሳውን ትነብር አላ። ብዘሎ ዅሉ ንኣኻ የገልግል እዩ እሞ፣ ክሳዕ ሎሚ ኸም ሕጋጋትካ ቘይሙ አሎ። ሕግኻ ደስታይ እንተ ዘይነብርሲ፣ ዛጊት ብመከራይ ምጠፋእኩ ነይረ። ብእኡ ህያው ጌርካኒ ኢኻ እሞ፣ ንትእዛዛትካ ከቶ ኣይክርስዖን እየ። ትእዛዛትካ ደልየ እየ እሞ፣ ናትካ እየ፣ ኣድሕነኒረሲኣን፣ ምእንቲ ኼጥፍኡኒይጸናተውኒ አለዉ፣ ኣነ ግና ንምስክራትካ ኤስተብህሎ አሎኹ። ኵሉ ፍጽምነት መወዳእታኡ ርኤኹትእዛዛትካ ግና ኣዝዩ ርሒብ እዩ። ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ፣ ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ። ትእዛዛትካ ንሓዋሩ ምሳይ እዩ እሞ፣ ሓለፋ ጸላእተይ ኣለበመኒምስክራትካ ምስትንታነይ እዩ እሞ፣ ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ። ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ፣ ሓለፋ እቶም ሽማግሌታት ኣእምሮ አሎኒ። ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉስኣእጋረይ ካብ ክፉእ ዘበለ መገዲ ኸልከልኩ። ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፣ ካብ ፍርድኻ ኣይርሕቕን እየ። ቃላትካ ንትንሓገይ እምብዛ ጥዑም እዩ፣ ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅራ። ሳላ ትእዛዛትካ ኣእምሮ ረኸብኩ፣ ስለዚ ዅሉ መገዲ ሓሶት ጸላእኩቃልካ ንእግረይ መብራህቲንመገደይ ብርሃን እዩ። ንፍርድታት ጽድቅኻ ኽሕሉ መሐልኩኣጽናዕክዎ ኸኣ። ኣዝየ ተጨነቕኩ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ። ዎ እግዚኣብሄርፍርድታትካ ምሀረኒ፣ እቲ ፈትየ ዘቕርበልካ መስዋእቲ ኣፈይ ባህ የብልካ። ነፍሰይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ኢደይ እያ፣ ኣነ ግና ሕግኻ ኣይርስዕን እየ። ረሲኣን መፈንጠርያ ኣጻውዱለይ፣ ኣነ ግና ካብ ትእዛዛትካ ኣየግለስኩንምስክራትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፣ ንዘለአለም ርስተይ ገበርክዎ። ስርዓታትካ ንሓዋሩ ኽሳዕ መወዳእታ ኽገብርልበይ ኣድነንኩክልተ ዝልቦም ጸላእኩሕግኻ ግና ፈቶኹ። ንስኻ መዕቈብየይን ዋልታይን ኢኻ፣ ብቓልካ ተስፋ እገብር አሎኹ። ትእዛዛትካ ኣምላኸይ ክሕሉስ፣ ኣቱም ሕሱማት፣ ካባይ ርሐቑ። ብህይወት ክነብርሲ፣ ከም ቃልካ ደግፈኒብተስፋይ ድማ ኣይተሕፍረኒ። ምእንቲ ኽድሕን ደግፈኒንስርዓታትካውን ኵሉ ጊዜ ኽቛመቶ እየ። ተንኰሎም ሓሶት እዩ እሞ፣ ነቶም ካብ ስርዓታትካ ዜግልሱ ዅሎም ትረግጾም። ንስኻ ንዅሎም ረሲኣን ምድሪ ኸም ሓርኢ ሓጺን ትጕሕፎም፣ ስለዚ ንምስክራትካ ኣፍቀርኩ። ካብ ስምባድካ እተላዕለ ስጋይ ይርዕድፍርድኻውን የሸብረኒ አሎ። ፍርድን ጽድቅን እገብር አሎኹ፣ ነቶም ጠቓዕተይ ኣሕሊፍካ ኣይትሀበኒንባርያኻ ብሰናይ ተውሐሶዕቡያት ኪጠቕዑኒ ኣይትፍቀደሎም። ኣዒንተይ ብናፍቖት ምድሓንካን ቃል ጽድቅኻን ሐመቓ። ከም ጸጋኻ ንባርያኻ ግበረሉስርዓታትካ ኸኣ ምሀረኒ። ኣነ ባርያኻ እየ፣ ምስክራትካ ኽፈልጥሲኣእምሮ ሀበኒ። ሕግኻ ኣፍሪሶም እዮም እሞ፣ እግዚኣብሄር ግብሩ ዚገብረሉ ጊዜ እዩ። ስለዚ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኣብሊጸ እፈትዎ አሎኹ። ስለዚ ትእዛዛትካ ዘበለ ዅሉ ቕኑዕ ምዃኑ እቘጽሮ፣ መገዲ ሓሶት ዘበለ ኸኣ እጸልኦ አሎኹ። ምስክራትካ መስተንክር እዩ፣ ስለዚ ነፍሰይ ትሕልዎምኽፋት ቃልካ የብርህንገርህታት ኣእምሮ ይህብ። ትእዛዛትካ ናፊቐ እየ እሞ፣ ኣፈይ ሃህ ኣቢለ እህህ እብል አሎኹ። ከምቲ ነቶም ስምካ ዚፈትዉ እትገብረሎም፣ ተመለሰንን ምሐረንንንስጕምተይ ኣብ ቃልካ ኣጽንዓዮእከይ ድማ ከቶ ኣይምለኸኒ። ካብ መጥቃዕቲ ሰብ ተበጀወኒ፣ ኣነውን ትእዛዛትካ ኽሕሉ እየ። ገጽካ ንባርያኻ ኣብርሃሉስርዓታትካ ኸኣ ምሀረኒሕግኻ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፣ ኣዒንተይ ወሓዚ ማይ የፍስሳ ኣለዋ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፣ ፍርድኻ ድማ ቅኑዕ እዩ። ብጽድቅን ብዕዙዝ ሓቅን ምስክራትካ ኣዘዝካተጻረርተይ ቃልካ ረሲዖም እዮም እሞ፣ ቅንኣተይ ይበልዓኒ አሎ። ቃልካ ኣዝዩ ጽሩይ እዩ፣ ባርያኻውን የፍቅሮ አሎ። ኣነ፣ ንኡስን ንዑቕን እየ፣ ትእዛዛትካ ግና ኣይረሳዕኩንጽድቅኻ ናይ ዘለአለም ጽድቂ እዩ፣ ሕግኻውን ሓቂ እዩ። መከራን ሽጋርን ረኸበኒትእዛዛትካ ግና ደስታይ እዩ። ምስክራትካ ንዘለአለም ጽድቂ እዩ፣ ኣእምሮ ሀበኒ እሞ፣ ብህይወት ክነብር እየ። ብምሉእ ልበይ እምህለል አሎኹ ዎ እግዚኣብሄርምለሰለይስርዓታትካ ኽሕሉ እየ። ናባኻ ተማህለልኩኣድሕነኒምስክራትካውን ክሕሉ እየ። ቅድሚ ወጋሕታ መጺኤ ኣእዌኹንቓልካ እጽበ እኔኹ። ንቓልካ ኼስተንትንሲኣዒንተይ ነቶም ናይ ለይቲ ሓለውቲ ቐደማኦም። ከም ሳህልኻ ድምጸይ ስማዕ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ። ንሕሰም ዚስዕቡ ይቐርቡ አለዉ፣ ካብ ሕግኻ ረሐቑ። ዎ እግዚኣብሄርቀረባ ኢኻ፣ ኵሉ ትእዛዛትካ ኸኣ ሓቂ እዩ። ንዘለአለም ከም ዝመስረትካዮ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚረ ብምስክራትካ ፈለጥኩሕግኻ ኣይረሳዕኩን እሞ፣ መከራይ ርኢኻ ኣናግፈኒ። ጠበቓይ ኩን እሞ ተበጀወኒ፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ። ረሲኣን ስርዓታትካ ኣይደልዩን እዮም እሞ፣ ምድሓንካ ኻብኦም ረሐቐ። ዎ እግዚኣብሄርርሕራሔኻ ዓብዪ እዩ፣ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ። ሰጐጕተይን ተጻረርተይን ብዙሓት እዮም፣ ኣነ ኻብ ምስክራትካ ኣየግለስኩንቃልካ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፣ ንጠለምቲ ርእየ ፈንፈንክዎም። ዎ እግዚኣብሄርንትእዛዛትካ ኸም ዘፍቅሮ ርኤ፣ ከም ሳህልኻ ህያው ግበረኒ። ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ፣ ኵሉ ፍርዲ ጽድቅኻ ድማ ንዘለአለም ይነብር። መሳፍንቲ ብዘይ ምኽንያት ሰጐጉኒልበይ ግና ቃልካ እዩ ዚፈርህ። ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ፣ ብቓልካ ባህ ይብለኒ አሎ። ንሓሶት እጸልኦን እፍንፍኖንንሕግኻ ግና ኤፍቅሮ አሎኹ። ስለ ጽድቂ ፍርድኻ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ኤመስግነካ አሎኹ። እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም አለዎም፣ ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን። ዎ እግዚኣብሄርንምድሓንካ ተጸቤኽዎትእዛዛትካ ድማ ገበርኩነፍሰይ ንምስክራትካ ሐለወቶኣዝየውን ኤፍቅሮ አሎኹ። ኵሉ መገደይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ እሞ፣ ትእዛዛትካን ምስክራትካን ሐሎኹ። ዎ እግዚኣብሄርኣውያተይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፣ ከም ቃልካ ኣእምሮ ሀበኒ። ምህለላይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፣ ከም ቃልካ ኣናግፈኒስርዓታትካ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከናፍረይ ምስጋናኻ ኼፈልፍላ እየን። ኵሉ ትእዛዛትካ ጽድቂ እዩ እሞ፣ ልሳነይ ንቓልካ ኽትነግር እያ። ትእዛዛትካ ሐርየ እየ እሞ፣ ኢድካ ረዳኢተይ ትኹን። ጐይታየምድሓንካ እናፍቕ አሎኹ፣ ሕግኻውን ደስታይ እዩ። ንነፍሰይ ህያው ግበራ፣ ንሳ ኸኣ ከተመስግነካ እያ፣ ፍርድታትካውን ይርድኣኒ። ከም ጥፍእቲ በጊዕ ተባረርኩትእዛዛትካ ኣይረሳዕኩን እሞ፣ ንባርያኻ ድለዮ

Translation | Context
ቈሎሴ 3:12-17 | 6 Helpful votes

እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢለውሃትትሕትናዓቕሊትዕግስቲ ልበሱንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ። ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፡ ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማስውቲ ኹኑ። ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱንብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩምቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩምብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ

Translation | Context
ኤፌሶን 4:25 | 5 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ንሓሶት ንየው በልዎኣካል ሓድሕድ ኢና እሞነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:1-18 | 4 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ካልኣይቲ ደብዳበይ እያ፡ ቀደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ብሃዋርያትኩም ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ዝረኸብኩምዎ ትእዛዝን ምእንቲ ኽትዝክሩ ኢለ፡ ብኽልቲኣተን እናኣዘከርኩኹም ነቲ ግሩህ ሓሳብኩም ኤንቅሖ አሎኹ። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎኪብሉ እዮም። ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና፡ ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ አለዉ። እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ፡ በቲ ማይተሰጢማ ጠፍኤት። እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቝሩ አሎ፡ ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ አሎ። ግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመትሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩምጐይታስኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ። መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ። ደጊም እዚ ዅሉ ዘፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉፍጥረት ሰማያት ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም። ንሕና ግናከምቲ ተስፋኡጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና። ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይነዚ እናተጸቤኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርክቡ ተጋደሉከምቲ እቲ ፍቁር ሓውና ጳውሎስ ድማ በቲ እተዋህቦ ጥበብ ዝጸሐፈልኩም፡ ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቍጸርዎ። ንሱ ኣብ ኵላተን ደብዳቤታቱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ኺዛረበሉ ኸሎ፡ ኣብኡ ንምስትውዓሉ ዚሽግር ሓይሎ ነገር አሎ። እቶም ደናቝርትን ዘይጽኑዓትን፡ ከምቲ ነቲ ኻልእ ጽሑፋት ንጥፍኣት ርእሶም ዝጠዋወይዎ ገይሮም ይጠዋውይዎ አለዉ። ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ ቕድም እናፈለጥኩምሲብስሕተት እቶም ስዲ ዚኸዱ ዘልዉ ተስሒብኩም ካብ ጽንዓት ርእስኹም ከይትወድቁ ተሐለዉብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን

Translation | Context
ሮሜ 12:1-2 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
ምሳሌ 3:5 | 3 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ

Translation | Context
ሚክያስ 6:8 | 3 Helpful votes

ኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካእግዚኣብሄርሲቅንዕና ኽትገብርምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባካ ዚደልዮ እንታይ እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 12:12-16 | 3 Helpful votes

ምእንትዚ ነተን ዘርጋሕጋሕ ዚብላ ኣእዳውን ወለል ዝበለን ኣብራኽን ኣቕንዕወንእቲ ዚሕንክስ ኪሐዊ እምበር፡ ካብ መገዲ ምእንቲ ኸይወጽእሲነእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይኪርእዮን እዩ እሞ፡ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኵሉ ሰብን ስዓብወንሓደ እኳ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ከይጐድልንብዙሓት ዜርክስ ገለ መሪር ሱር በቝሉ ኸየጨንቐኩምተጠንቀቑከምቲ ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው፡ ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ርኹስ ከይከውን፡ ተጠንቀቑ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16-17 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራኣምላኽ ንወዱዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን

Translation | Context
ምሳሌ 16:1-30 | 3 Helpful votes

ሰብ ብልቡ ሓሳባት የዳሉመልሓስ እትመልሶ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ። ሰብሲ ኵሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንጹህ እዩ፡ መናፍስቲ ዚመዝን ግና እግዚኣብሄር እዩ። ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ፡ ሽዑ ሓሳባትካ ኪቀውም እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኵሉ ንምዱብ ነገር፡ ከምኡውን ንረሲእ ንመዓልቲ ሕሰም ፈጠሮብልቡ ዚዕበ ዘበል ዅሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ኢድ ብኢድ ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን። ብምሕረትን ብሓቅን ስሬት ኣበሳ ይርከብ፡ ሰብውን ብፍርሃት እግዚኣብሄር ካብ እከይ ይርሕቕእግዚኣብሄር ብመገዲ ሓደ ሰብ ባህ እንተ በሎ፡ ነቶም ጸላእቱ እኳ ምስኡ ብሰላም የንብሮም። ካብ ብዙሕ እቶት ምስ ዓመጻሒደት ምስ ጽድቂ ይሐይሽልቢ ሰብ መገዱ ይምድብንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ። ኣብ ከናፍር ንጉስሲ ንግራት ኣምላኽ አሎ፡ ኣፉ ብፍርዲ ኣይጋገንሓቀኛ ሚዛንን መምዘንን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ኣብ ከርጺት ዘሎ ዅሉ መምዘኒ ኸኣ ተግባሩ እዩ። ዝፋን ብጽድቂ እዩ ዚጸንዕ እሞ፡ ነገስታት ንረሲእነት ይፍንፍንዎጻድቃን ከናፍር ንነገስታት የሐጕሳኦም፡ ነቲ ቅንዕና ዚዛረብውን የፍቅርዎቍጥዓ ንጉስሲ ልኡኽ ሞት እዩ፡ ጥበበኛ ሰብ ግና የህድኦገጽ ንጉስ እንተ በርሄህይወት እዩ፡ ሞገሱ ኸኣ ከም ደበና ጽብሓት እዩ። ካብ ምጥራይ ወርቂ ክንደይ ኰን ምጥራይ ጥበብ ይበልጽ። ካብ ምጥራይ ብሩርሲ ምጥራይ ምስትውዓል ክንደይ ኰን ይኸብር። ጐደና እቶም ቅኑዓት ካብ ኣኩይ ምርሓቕ እዩ፡ እቲ ንመገዱ ዚጥንቀቐላ ንነፍሱ ይሕልዋንውርደት ትዕቢት ትቕድማንውድቀት ከኣ ኵርዓት። ምስቶም ዕቡያት ዘመተ ኻብ ምክፋልሲ፡ ምስቶም መሳኪን ደኣ ብመንፈስ ትሑት ምዃን ይሐይሽ። ነቲ ቓል ዜቅልበሉ ሰናይ ይረክብብእግዚኣብሄር ዚእመን ከኣ ብጹእ እዩ። ጥበበኛ ዝልቡ መስተውዓሊ ይበሀልጣዕሚ ኸናፍር ከኣ ትምህርቲ ይውስኽምስትውዓል ንዜጥርያ ሰብ ፈልፋሊት ህይወት እያ፡ ዕሽነት ግና ነቶም ዓያሱ ቕጽዓቶም እያ። ልቢ እቲ ጥበበኛ ንኣፉ መስተውዓሊ ይገብሮ፡ ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኸንልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ፡ ንነፍሲ ጥዑምነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ። ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ አሎ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ። ኣፉ ይድርኾ እዩ እሞ፡ ጥሜት እቲ ዓያዪ ስሌኡ ኢሉ ይዓዪሕሱም ሰብ እከይ ይዅዕት፡ ኣብ ከናፍሩ ኸኣ ከም ዚባላዕ ሓዊ አሎ። ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም። ግፍዔኛ ሰብ ንብጻዩ ይሐባብሎ እሞ፡ ሰናይ ናብ ዘይኰነት መገዲ ይመርሖበዒንቱ ዚጠቅስ ሓሳባቱ ጠዋይ እዩ፡ ከናፍሩ ዚርምጥጥ ከኣ ነቲ ኽፍኣት ፈጺምዎ እዩ።

Translation | Context
ፊልጲ 2:14-15 | 3 Helpful votes

ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩምከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ

Translation | Context
መዝሙር 139:23 | 2 Helpful votes

ኣምላኽመርምረኒልበይ ከኣ ፍለጥፈትነኒሓሳበይውን ፍለጥ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:8 | 2 Helpful votes

ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹምኣቦይ በዚ ይኸብርደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:1-10 | 2 Helpful votes

ርኣዩውሉድ ኣምላኽ ክንብሀልእቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበናከምእውን ኢናስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞንኣና ኣይትፈልጠናን እያ። ኣቱም ፍቁራተይሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢናእንታይ ከም እንኸውን ከኣገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞንእኡ ኸም እንመስልንፈልጥ አሎና። እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዅሉከምታ ንሱ ንጹህ ዝዀነንርእሱ የንጽህ አሎ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብርምፍራስ ሕጊ እዩ ዚገብርሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ እሞ፡ ንሱ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም እተገልጸትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦንእቲ ኣብኡ ዚነብር ዘበለ ዅሉሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር ኣይረኣዮን ኣይፈልጦንውንደቀየሓደ እኳ ኣየስሕትኩምከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነእቲ ጽድቂ ዚገብር ከኣ ጻድቕ እዩድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስ እዩወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኡሉ እዩ ነዚ እተገልጸካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለዘርኡ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውንሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ። ጽድቂ ዘይገብር ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነንውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ

Translation | Context
ኤፌሶን 6:10 | 2 Helpful votes

ብዝተረፈስኣሕዋተይብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ

Translation | Context
ማቴዎስ 19:21 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስኪድዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ፡ ንዓ ስዐበኒበሎ

Translation | Context
ሉቃስ 10:30-37 | 2 Helpful votes

የሱስ መሊሱ በለሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐገፈፍዎን ከትከትዎንዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ካህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ፡ ርእይዎ ሐለፈከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ ብጽሔእናረኣዮ ሐለፈሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረአዮ ኸኣ ደንገጸሉ። ናብኡ ቐሪቡ ኣቑሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ አለዮንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሀቦ እሞ፥ ተኸናኸኖንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኸፈድየካ እየ፡ በሎ። ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧ ንሱ ድማ፥ እቲ ምሕረት ዝገበረሉበለየሱስ ከኣ፡ ኪድከ፡ ንስኻውን ከምኡ ግበርበሎ

Translation | Context
ገላትያ 2:20 | 2 Helpful votes

ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:12 | 2 Helpful votes

እምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።

Translation | Context
ማርቆስ 12:30-31 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቕሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ። እታ ኻልአይታ እትመልሳ ድማንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቕሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዐቢ ኻልእ ትእዛዝ የልቦን

Translation | Context
ኤፌሶን 2:10 | 2 Helpful votes

ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።

Translation | Context
መዝሙር 91:1-16 | 2 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄርጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮእከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካንስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒከናግፎንስመይ ስለ ዝፈለጦከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context